ኡጋንዳ ንተጠቀምቲ ፌስ ቡክን ዋትስኣፕን ግብሪ ከተኽፍል'ያ

መተግበሪ ዋትስኣፕ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ፓርላማ ኡጋንዳ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ መማረጺታት ማሕበራዊ ሚዲያ ኣካታዓይ ሕጊ ኽፍሊት ግብሪ ኣጽዲቑ።

ብመሰረት እዚ ካብ ነፍሲ ወከፍ ተጠቃሚ ማሕበራዊ ሚዲያታት ፌይስቡክ፣ ዋትስኣፕ፣ ቫይበርን ትዊተርን 0.05 ዶላር ግብሪ ክእከብ እቲ ሓዱሽ ሕጊ እንትድንግግ፡ ወርሒ ሓምለ ተግባራዊ ክኸዉን'ዩ።

ፕረዲዘንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ማሕበራዊ ሚዲያ ወረ ቤላ ቤሎ መተሓላለፊ ይኸዉን ኣሎ ብዝብል እቲ ሕጊ ክፍሊት ተግባራዊ ክኸዉን ጸቕጢ ኣሕዲሮም'ዮም።

ካብዚ ሓሊፉ እዚ ሓዱሽ ሕጊ፡ ብተንቀሳቐስቲ ስልኪ ሞባይል ኣቢሉ ዝመሓላለፍ ገንዘብ'ዉን ገንዘብ ክኽፈሎ'ዩ። ካብዚ ካብ ሓደ ስልኪ ናብ ካልእ ስልኪ ካብ ዝግበር ምዝዉዋር ገንዘብ ካብቲ ዝተለኣኽ ጠቕላላ ገንዘብ፡ 1 ሚኢታዊት ግብሪ ክኽፈል'ዩ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ፋይናንስ እታ ሃገር ዴቪድ ባሃቲ ነቲ ፓርላማ ከምዝበሎ ካብዞም ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝርከብ ኣታዊ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ልቓሕ ኡጋንዳ ንምኽፋል ክሕግዝ'ዩ።

ሰብ ሙያን ኣቕረብቲ ኣገልግሎት ኢንተርኔትን ግና መዓልታዊ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማሕበራዊ ሚዲያ ከመይ ኣቢልኻ'ዩ እዚ ሕጊ ተግባራዊ ክኸዉን ዝኽእል ዝብል ስግኣት ኣለዎም።

ኣብታ ሃገር 23.6 ሚሊዮን ሰባት ሞባይል ስልኪ እንትህልዎም ካብዚኦም እቶም 17 ሚሊዮን ተጠቀምቲ ኢንተርኔት'ዮም።

እንተኾነ ግና መንግስቲ ኡጋንዳ መስመር ስልኪ (ሲም ካርድ) ነፍሲ ወከፍ ተንቀሳቓሲ ስልኪ እታ ሃገር መዝጊቡ ኣብ ምትሓዝ ተጸጊሙ ጸኒሑ'ዩ።

ስለዝኾነ ድማ ሰበ ስልጣን ኡጋንዳ ከመይ ኣቢሎም'ዮም ማሕበራዊ ሚዲያ ዝጥቀሙ ዜጋታቶም ከነጽሩ ዝኽእሉ ሕቶ ይለዓል ኣሎ።