"እቲ ውሳነ፡ ሕዱር ቅርሕንቲ ዝፈጥር ክኸውን የብሉን"

ኢትዮጵያን ኤርትራን

ምንጪ ስእሊ, PEACE SONG

ብቕድሚ ትማሊ ስሩዕ ኣኼብኡ ዘካየደ፡ ኮሚቴ ፈፃሚት ስራሕ ኢህወዴግ፡ ንነባሪ ሰላም ክልትኤን ሃገራትን ህዝብታትን ክብል ኢትዮጵያ ንስምምዕ ኣልጀርስ ተግባራዊ ከም ትገብር ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምፅኦም ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ንዓመታት ዝፀንሐ ደም ዘፋሰሰ፡ ሃዋህዉ ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ንምፍታሕ ከምዝሰርሑ ብምግላፅ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ፃውዒት ሰላም ኣቕሪቦም።

ሚኒስተር ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ኢትዯጵያ ተቐባልነት ዝረክብ፡ ስምምዕ ኣልጀርስ ምስ ዝፍጸም ጥራሕ ምዃኑ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ጉባኤ ፀረ ግዕዝይና ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ እውን ነዚ ዘጠናኽር ሓሳብ ሂቦም።

"ምስ ኤርትራ ዘለና ርክብ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት'ዩ ዝብሉ'ኳ እንተለዉ፡ ኣነ ግና ሞት ኣልቦ ኲናት'የ ዝብሎ። ሞት እንትተርፍ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ከባቢ ዶብ ንኲናት ዘድሊ ወጻኢ፣ ምድላዉን ስልጠናን ምድላዉ ነይሩ'ዩ" ይብሉ።

እዚ ናይ ሰላም ሃዋህው ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነ ንቐርኒ ኣፍሪቃ'ዉን ከምዘድልያን፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ማሕበረ ቑጠባዊ ምትእስሳር ክፍጠርን ኣሕዋት ህዝብታት ክራኸቡን ንምግባር ስጉምቲ ምዉሳድ ከምዘድሊ፡ ነፍሲ ወከፍ ኢትዮጵያዊ ክግንዘቦ ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም።

"ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ዘትረፍናዮ ወጥሪ'ዩ። ካብዚ ክልቲኤን ሃገራት ኣይርብሓን። ሙሉእ ዓቕምናን ጉልበትናን ናብ ሰላምን ዕርቅን ክሰጋገርን ሕዳሰ ኢትዮጵያ ንምርግጋጽ ካብ ዝኸፋፍሉና ነገራት ወጺእና፡ ድኽነት ብምጥፋእ ዕብየትን ሰላምን ኢትዮጵያን ንምርግጋጽ ብሓባር ክንጽዕር ሓደራ እብል" ብምባል ነቲ ኮሚቴ ፈፃሚት ስራሕ ኢህወዴግ ዝሃቦ መግለፂን የራጉዱ።

ቅደሚ 20 ዓመታት ኣብ ሞንጎ ኢትዯጵያን ኤርትራን ዝተኻየደ ኩናት፡ ህይወት ኣሽሓት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ዝበልዐ፡ ሓደ ስድራ ኣብ ክልተ ብምኽፋል፣ ኣሕዋት ኣብ ሓደ ዓውደ ኩናት ንሞት ክገጥሙ ዝገበረ ሓደገኛ ዕንወት ዘስዐበን እዩ።

ኣብ ዶባት ዝርከቡ ዜጋታት ክልቲአን ሃገራት፡ ኣካሎም ኣብ ክልተ ማዕዶ፡ ልቦም ግና ኣብ ሓደ ንክኾኑ ዘገደደ፣ ኢኮኖምያዊ ረብሓ እተን ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዯጵያ ክልል ትግራይን ኤርትራን ንከንቆልቁል፣ ኣሽሓት መናእሰይ ኤርትራ ኣደዳ ስደትን ሞትን ንክኾኑ ኣፍ ደገ ዝኸፈተ ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ኮይነን ንኣስታት 20 ዓመታት ተፋጢጠን ንክፀንሓ ዘገደደ ኣጋጣሚ ኮይኑ ፀኒሑ።

እቲ ፀገም ንምፍታሕ፡ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣይተ መለስ ዜናውን ኃይለማርያም ደሰለኝን ፃዕርታት ይካየዱ እኳ እንተነበሩ፡ ኢትዯጵያ ንውሳነ ክልቲአን ሃገራት ዝተሰማምዓሉ ውዕል ኣልጀርስ ክትትግብር ኣለዋ፡ ብዝብል ቅዋም መንግስቲ ኤርትራ፡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ተዓንቂፉ ጸኒሑ ኣሎ።

"ሕዱር ዝኾነ ቅርሕንቲ ዝፈጥር ክኸውን የብሉን"

ንውሳነ እቲ ውድብን መፀዋዕታ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ስዒቡ ግና፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ሰላም ክወርድ ዘተስፉዉን መፃኢ ስግኣታት ክልቲአን ሃገራት ዝገልፁን ብርክት ዝበሉ ርኢቶታት ይወሃቡ ኣለዉ።

ኢትዮጵያዊ ምሁር ፖለቲካል ሳይንስን ተንታኒ ፖለቲካን ኣይተ ተስፋ ኪሮስ ኣረፈ፡ ናይ ሕዚ ውሳነ ውድብ ኢህወዴግ፡ ሓድሽ ውሳነ ከምዘይኮነ እዮም ዝገልፁ።

እቲ ንዓመታት ዝቐፀለ ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ንክልቲአን ሃገራት ኣመና ሃስይዎም ከምዝፀንሐ ይዛረቡ።

ይኹን 'ምበር ዋላ እኳ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ሰላም ክኾኑ ዘይፅላእ እንተኾነ፡ እቲ ናይ ሕዚ ውሳነ ዘላቒ ሰላም ዘምፅእን በሰላ ዘይገድፍን ክኸውን ኣለዎ ይብሉ።

"እቲ ውሳነ ምእንተ ሰላም ምቕባሎም ግርም፡ ኣብ ኣፈፃፅምኡ ግና እቲ ህዝቢ ኣየናይ መሬት ናይ መን ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ስለዝኾነ ድማ እቲ ውሳነ ናብ ህዘቢ ወሪዱ፡ ህዝቢ፣ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ተሳቲፎምሉን ኣሚኖምሉን፡ እዚ ናተይ እዚ ናትካ ኢሎም ክፈላለዩ እንከለዉ እዩ ንሓዋሩ ሰላማዊ ዝኸውን። ስለዝኾነ ድማ እዚ ውሳነ ሕዱር ዝኾነ ቅርሕንቲ ዝፈጥር ክኸውን የብሉን" ይብሉ።

ኤርትራዊ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርግስ ብወገኖም፡ ውሳነ ፈፃሚት ስራሕ ኢህወዴግ እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ንከብቅዕ ዘኽእል ተባዕን ኣፍ ደገ ሰላም ዝኸፍትን እዩ ብምባል እዮም ዝንእድዎ።

"እቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኻየደ ኩናት ኣይመድለየን ነይሩ፡ እቲ ፀገም ብዘይ ኩናት ክፍተሐሉ ዝኽእል ዕድላት ነይሩ'ዩ፡ ግና ክልቲኦም ወገናት ነቲ ዕድል ኣይተጠቐምሉን ዝብሉ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን፡ ስምምዕ ኣልጀርስ ተግባራዊ ዘይምዃኑ ድማ፡ ንኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ዓብይ ምኽንያት ከምዝኾነ እዮም ዝገልፁ።

" ድሕሪ እቲ ኩናት ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐቢልናዮ ኢሉ፡ ደሓር ግና እቲ ብኮሚሽን ዶብ ዝተወሰነ ናይ ምድራት ዶብ ብምንፃጉ እቲ ኮሚሽን 'ቨርቹዋል ዲማርኬሽን' ገይሩ እዩ ወዲእዎ፡ እዚ ድማ ንክልቲአን ሃገራት ቀያድን ናይ መወዳእታን እዩ" ይብሉ።

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ቅድሚ16 ዓመታት ዝፈረመቶ ውዕሊ ኣልጀርስ ክትቅበል እያ ምባሎም 'ነጥቢ መቀይሮ' እዩ ብምባል ድማ ይገልፅዎ።

"መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ፡ ከምቲ ዝፈረመምዎ ስምምዕ ብዘይ ቅድመ ኩነትን ብዘይ ውልውልን ክንትግብሮ ቅሩባት ኢና ምባሉ፡ ናይ ብሓቂ ነጥበ መቐይሮ'ዩ ክበሃል ይከኣል፤ ተባዕ ስጉምቲ እዩ። እዚ ስለዝጎደለ እዩ እቲ ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ኩነታት ክሳብ ሕጂ ክቕፅል ጸኒሑ" ይብሉ።

ብዘይ ቅድመ ኩነት ምትግባር ማለት ድማ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብቲ ክሳብ ሕጂ ሒዝዎ ዝፀንሐ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ክስሕብ ይግባእ ይብሉ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን።

እዚ ውሳነ ንተወሳኺ ቅርሕንቲ ዶስ ንሓባራዊ ረብሓ ?

ኣቦ መንበር መድረክን ስምምዕ ኣልጀርስ ኣብ ዝተፈረመሉ እዋን ኣባል ፓርላማ ዝነበሩን ኣይተ በየነ ጴጥሮስ ግና ረብሓ ህዝብን ሃገርን ዘይሓለወ ውሳነ እዩ ብምባል እዮም ንውሳነ እቲ ውድብን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ዝቃወሙ።

"ኣብ ፓርላማ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን ስምምዕ ኣልጀርስ ረብሓ ኢትዮጵያ ስለዘየኽብር ናብ ዘተ ክቐርብ ኣለዎ ዝብል ቅዋም ኢና ወሲድና።

ኢህወደግ ረብሓ ኢትዮጵያ ብዘኽብር መልክዑ ኣይተደራደረን፡ ኣብ መትከል ሂብካ ምቕባል ክደራደር እናተገብኦ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣሕሊፉ'ዩ ሂቡ ዝብል ቅዋም'ዩ ነይሩና፡ ሕዚ'ዉን ካብኡ ዝተፈለየ መርገጺ የብለይን። እዚ ኣዝዩ ኣካታዓይ ነገር'ዩ። ዉሳነ ኢህወደግ ኣዘራራቢ'ዩ" ይብሉ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ።

"ብወገን ትግራይ ዘሎ ሕቶ ዋንነት መሬት ባድመ ከም ዘሎ እዩ። ብስሩ እውን መሬት ባድመ ናይ ትግራይ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ" ዝብሉ ምሁር ፖለቲካ ኣይተ ተስፋ ኪሮስ ኣረፈ፡ "ህዝቢ፡ መሬትና ብግፍዒ ተወሪርና ኢና፣ ብዙሕ ዋጋ ከፊልናሉ ኢና፡ ሕዚ ድማ መሬትና ወሲዶም ዝብል ቅርሕንቲ እዩ ዝፍጠር 'ምበር፡ ህዝቢ ሰላም ተፈጢሩ ኣይብልን" ብምባል ስግኣቶም ይገልፁ።"

ኣብታ ሃገር ዘሎ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት እውን፡ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ዘላቒ ዝኾነ ቅርሕንቲ ክፍጠር ዝደልዩ ሓይልታት ከምዘለዉ ዝገልፁ ኣይተ ተስፋኪሮስ ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ሕብረት ክልቲኦም ተዛረብቲ ትግርኛ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ፅልዋ ስለዘለዎ ከምዝኾነ ይዛረቡ።

" እንተስ ኤርትራ ከም ሃገር ኮይና፡ ወይ ትግራይን ኤርትራ ከም ጎረባብቲ ዓዲ ኮይነን፡ ትግራይ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝህልዋ ፅዕንቶ ጥንኩር ክኸውን እዩ።

ምኽንያቱ ድማ፡ ትግራይ ብወገን ኤርትራ ኣቢላ ኢኮኖሚኣ ክተልምዖን ካብ ማእኸል ዓዲ ዝህልዋ ጽልዋ እውን ብቀሊሉ ክትሓልፎን ድጋፍ ክትረክብን ትኸእል እያ።

እዚ ሓድሽ ሓይሊ ናብ ስልጣን ንክመፅእ ኣብ ደገን ኣብ ውሽጢ ዓድን ዝርከቡ ሓይልታት ፖለቲካን መንግስቲ ኤርትራን ውዕለት ስለዝወዓለሎም ሕዚ ክክሕስዎ ኣለዎም፡ እዚ ዝወለዶ ኣብ ማእኸል ዓዲ ዘሎ ሃዋህው ፖለቲካ በሰላ ከይገድፍ" ዝብል ስግኣት ኣለዎም ኣይተ ተስፋ ኪሮስ።

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርግስ ድማ፡ ክልቲአን ሃገራት ብደም፣ ብባህሊ፣ ብታሪኽ ብረብሓን ብስትራቴጂን ዝተኣሳሰራ ስለዝኾና ናብቲ ቅድሚ ኩናት ዝነበራሉ ሰላማዊ ኩነታት ናይ ምምላስ ተኽእሎ ከም ዘሎ ይሕብር።

"ምእንቲ እዚ ረብሓ እዚ ክልቲአን ሃገራት ናብ ፅቡቕ ጉርብትና ክምለሳ፣ ናብ ሓድሽ ዝምድና፣ ናብ ፖለቲካዊ ምትሕግጋዝን ቁጠባዊ ውህደትን ክፈጥራ፣ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብደረጃ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክረአ ዝኽእል ሕመረት ቁጠባዊ ውህደት ኮይነን ከገልግላ ዝኽእላን ናብቲ ቅድሚ ኩናት ዝነበራሉ ኩነታት ናይ ምምላስ ተኽእሎ ኣሎ" ክብሉ መፃኢ ኩነታት ክልቲአን ሃገራት ይገልፁ።

ናዕቢ ክፍጠር ይኽእል?

እዚ ነታ ሃገር ብዝመርሕ ዘሎ ውድብ ጥራሕ ዝተወሰነ ውሳነ፡ ህዝቢ ብዘይምስታፉ፡ ተዓፊኑ ዝነበረ ህዝቢ ናብ ናዕቢ ኣምሪሑ፡ እቲ ዝተሓሰበ ሰላም ከይኩለፍ፡ ህዝቢ ክዝትየሉ ይግባእ ይብሉ ምሁር ፖለቲካ ሳይንስ ኣይተ ተስፋኪሮስ ኣረፈ።

መራሕቲ፡ ህዝቢ ንህዝቢ ዘትዩ ኣብ ምርድዳእ ዝበፀሐሉ ውሳነ እንትውስኑ ካብ ፖለቲካዊ ተሓታትነት እውን ይድሕኑ፡ እዚ እንተይኮነ ግን እቲ ዝድለ ሰላም ኣብ ትግራይ እንተድኣ ተቀባልነት ስኢኑ፡ ቀፃሊ ዝኾነ ጎንፅን ቅርሕንትን እዩ ክስዕብ" ይብሉ ኣይተ ተስፋኪሮስ።

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርግስ ከኣ፡ "መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሰሓበሉ እዋን ዝምድና ናብ ንቡር ምምላስ ይከኣል እዩ ክብል ስለዝጸንሐ፡ ነዚ ውሳነ እዚ ክርዕሞን ተቐቢሉ ኣብ ግብሪ ከውዕል ክተሓበበር ኣለዎ ኢለ እየ ዝኣምን" ብምባል፡ መንግስቲ ኤርትራ ተመሳሳሊ ግብረ መልሲ ክህብ ትጽቢቶም ይገልጹ።

ምሁር ፖለቲካል ሳይንስን ህዝባዊ ምሕደራን ኣይተ ተስፋኪሮስ ኣረፈ ግና፡ "ሕዚ ድሕሪ እቲ ውሳነ ዝስምዑ ተቓውሞታት ኣለዉ። እዞም ተቓውሞታት ናብ ናዕቢ ከምርሑ ይኽእሉ፡ ኣይፍለጥን።

ኣብ ትግራይ ክንደየናይ መስዋእቲ ከምዝተኸፈለ ዝፈልጥ ብዙሕ ብሄርተኛ መንእሰይ እዩ ዘለወሉ ግዘ እዩ። ስለዝኾነ፡ እቲ ዝድለ ሰላም ኣብ ዘላቕነቱ ፀገም ከይፍጠር፡ ኣብ ኣፈፃፀፅምኡ ናብ ህዝቢ ወሪዱ፡ ህዝቢ፣ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ክዝትየሉ ከምዝግባእ" የስምርሉ።

ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ድማ፡ "ረብሓ ህዝብን ሃገርን ብዘኽብር መልክዑ ሰላም እንተወረደ ንኹላትና ጽቡቕ'ዩ። ኮይኑ ግና ናይ ጉያ ጉያ ስራሕ'ዩ ዝስራሕ ዘሎ።

እንታይ ክብሉ ከምዝደለዩ'ዉን ብግልጺ ዘቐመጡዎ ነገር የለን" ብምባል ንውሳነ ኮሚቴ ስራሕ ፈፃሚት ኢህወዴግን ፡ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገርን ይኹንንዎ።