ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፉ ሓይልታት ንወደባዊት ከተማ ሑዴይዳ ንምቁፅፃር መጥቃዕቲ ጀሚሮም

ብስዑዲ ዓረብ ዝሕገዙ ሓይልታት የመን ኣብ ወሰና ወሰን ሑዴይዳ ብድልውነት ደው ኢሎመም ከምዝፀንሑ ይግለፅ Image copyright EPA

ሖታዉያን ተቓወምቲ ንወደባዊት ከተማ ሑዴይዳ ለቒቖም ክወፁ ዝተውሃቦም ገደብ ግዜ ዕሽሽ ድሕሪ ምባሎም፤ ብስዑዲ ዓረብ ዝሕገዙ ሓይልታት ኣብታ ኣገዳሲት ወደባዊት ከተማ መጥቃዕቲ ከካይዱ ጀሚሮም።

ፀብፃባት ከምዝሕብርዎ ስፍራ እቶም ዓመፅቲ ብአየርን ባሕርን ተደብዲቡ።

ትካላት ረድኤት፡ ኣብ ልዕሊ እታ ወደባዊት ከተማ መጥቃዕቲ እንተድኣተፈንዩ ልዑል ሰብኣዊ ቅልውላው ክስዕብ ከምዝኽእልን፤ ኣብ ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ሰባት ጉድኣት ክበፅሕ ከምዝኽእልን ኣጠንቂቐን።

ሑዴይዳ ናብ የመን ኣድላዪ ዘበለ ረድኤት ዝኣትወላ ቀንዲ ወደብ እያ።

ኣብ'ታ ብኩናት ተሃስያ እትርከብ ሃገር ዘለዉ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ሰባት ብረድኤት ምግቢ እዮም ዝናበሩ።

ብስዑዲ ዝውነን ቴሌቪዥን ኣል-ዓረብያ፤ ሑዴይዳ ናጻ ንምውፃእ ብኣየርን ባሕርን ድጋፍ እናተገብረ ኣብ ባይታ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ይካየድ ከምዘሎ ፀብፂቡ።

ድምፂ ነታጉ ኣብ ወሰናስን እታ ወደባዊት ከተማ ከምዝተሰምዐ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣካል እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ሓይልታት ልፍንቲ ዝኾነት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ቅድም ክብል እቶም ዓመፅቲ ለቒቖም ክወፁ እንተዘየለ ግን ሓያሎ መጥቃዕቲ ከምዝገጥሞም ተሓንያ ነይራ።

እቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ጎንፂ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣስታት 10,000 ሰባት ዝቀተለ ቐቲሉ።

8 ሚሊዮን ዝጽግዑ ሰባት ድማ ብምኽንያት እቲ ኵናት ኣብ ዝኸፍአ ጥምየት ክመዝርከቡ ይግለጽ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት