መበል 21 ዋንጫ ዓለም ኣብ ርእሰ ከተማ ሩሲያ ሞስኮ

ዋንጫ ዓለም

መበል 21 ዋንጫ ዓለም ኣብ ርእሰ ከተማ ሩሲያ ሞስኮ ሎም መዓልቲ ብድሙቕ ስነ ስርዓት ተጀሚሩ።

32 ሃገራት ዝሳተፋሉ እዚ ዉድድር ሩሲያ ብቢሊዮን ዶላራት ዝቑጸር ገንዘብ ወጻኢ ገይራትሉ እያ።

81 ሽሕ ተመልከትቲ ከተኣናግድ ኣብ ዝኽእል ካብቶም 12 ስታዲየማት ዝዓበየ ስታዲየም ሉዥኒኪያ እቲ ድሙቕ ስነ ስርዓት መኽፈቲ ኣተኣነናጊዱ'ሎ።

ብሙዚቃ ፍሉጥ ደራፊ ሮቢ ዊልያምስ ዝተጀመረ እቲ ስነ ስርዓት ባህላዉን ታሪካዉን ትዉፊታት ሩሲያ ቐሪቦምሉ።

እታ ሃገር ዘለዋ ናይ ቴክኖሎጂ ምዕባለ ዘንጸባረቐ'ዩ ዝተባሃለሉ እዚ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ባንዴራ እተን 32 ተሳተፍቲ ሃገራት ዝተኸደኑ ተሳተፍቲ፣ ሰላማዊነት ኩዕሶ እግሪ ዘርእዩ ዝተፈላለዩ ምርኢታት ኣታኣናጊዱ።

ብሸነኽ ጸጋም እቲ ስታዲየም ባንዴራ እተን 32 ሃገራት ዝተሰርዐሉ መገዲ ቀልቢ ብዙሓት ዝሰሓበ ነይሩ።

ኣብዚ ሚሊዮናት ዝተኸታተሉዎ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ዋንጫ ዓለም ዝተዓደመ ፕረዚደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን፡ መልእኽቲ እንኳዕ ደሓን መጻእኹምን ሰናይ ትምኒትን ኣሕሊፉ።

"ኣብ ሃገርና ዋንጫ ዓለም ምትእንጋድና ዝለዓለ ሓጎስ ይስመዐና" ዝበለ ፕረዚደነት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኩዕሶ እግሪ ኣዝዩ ተፈታዊ ዘፈር'ዩ። ሩሲያ ድማ ተቐባሊት ጋሻን ምቕሉልትን ሃገር'ያ። ሽሕ'ኳ ባህልና ዝተፈላለየ እንተኾነ ኩዕሶ ግና ኣተሓባቢሩ ናብ ሓደ ጋንታ ኣተኣኻኺቡና ኣሎ። ኩለን ጋንታታት ዓወት ይምነየለን" ኢሉ።

ናይ ክብሪ ጋሻ እቲ ስታዲየም ፕረዚደንት ዓለምለኸ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ጂያኖ ኢንፋንቲኖ ብቋንቋ ሩሲያን ዓረብን መልእኽቲ እንኳዕ ደሓን መጻእኹም ኣሕሊፉ።

ንሓምሻይ ግዜ ኣብ ዋንጫ ዓለም ትሳተፍ ዘላ ስዑዲ ዓረብ ካብ 2006 ናብዚ ሕዚ ንፈለማ እንትኾን፡ ሰለስተ ግዜ ኣብዚ መድረኽ ተሳቲፋ ናይ መወዳእታ ኾይና እያ ዛዚማ። ፈላማይ ጸወትኣ ድማ ሎም መዓልቲ ምስ ሩሲያ ኣካይዳ።