ስለምንታይ እታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ትህቅን?

ኮሞደር ልዑል ኣለክሳንደር ደስታ ኣብ 1971 ምክትል ኣዛዚ ንጉዳዊ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዝነበረ Image copyright Imperial War Museum
ናይ ምስሊ መግለጺ ኮሞደር ልዑል ኣለክሳንደር ደስታ ኣብ 1971 ምክትል ኣዛዚ ንጉዳዊ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዝነበረ'ዩ።

ኣብ 1991 ኤርትራ ናጻ ምስ ኮነት፡ ሃንደበት ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ኮይና'ያ። ስለዚ ድማ ነቲ ዝነበራ ሓይሊ ባሕሪ ከተፍርሶ ርዱእ ነገር'ዩ ዝነበረ።

ሕጂ ግን ነቲ ውሳነ'ቲ ዳግማይ ዝሓሰበትሉ'ያ ትመስል። ኣብዚ ቀረባ እዋናት እትገብሮ ዘላ ምንቅስቓሳት ዘተንብሆ ነገር እንተሎ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ጎደቦ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማዓሰከር ሓይሊ ባሕሪ ተናዲ ከም ዘላ ዘማላኽት'ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ኣሕመድ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ መንግስታዊ ቴለቭዥን ከም ዝገለጾ፡ "ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝሓየለ ሓይሊ ምድርን ሓይሊ ኣየርን ሃኒጽና ኢና፡ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ዓቕምና'ውን ኣብ መጻኢ ክንሃንጽ ኣለና" ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ዝበሎ ዘረባ ሃገሩ ሓይሊ ባሕሪ ናይ ምውናን ጥሙሕ ከም ዘለዋ ዘርኢ'ዩ። እንተኾነ ግን ነዚ ንምዕዋት ዝተገብረ ወጥን እንተሃልዩ ብዕሊ ዝፍለጥ የለን።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ምስተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘለወን ሃገራት ዝኣተወቶ ስምምዓት ግን ገለ ነገር ከም ዘሎ ዝእምት'ዩ።

ስለምንታይ ሓይሊ ባሕሪ ኣድለየ?

እቲ ምስ መንግስቲ ቅርበት ከም ዘለዎ ዝንገረሉ፡ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፓረሽን ዝተባህለ ትካል ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ብዛዕባ ሰራዊት እታ ሃገር ክገብሮም ዘለዎ ጽገናታት ክዛረብ እንከሎ "ብቕልጡፍ እናተቐየረ ዝኸይድ ዘሎ ዓለም፡ ማሕበረ-ቁጠባውን ፓለቲካውን ኩነታት ኢትዯጵያ ኣብ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኣለዎ" ከም ዝበለ ይጠቅስ።

ድሕሪ'ቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ 1998 -2000 ዘካየድኦ መሪር ዶባዊ ኲናት፡ ኢትዮጵያ ብወደባት ኤርትራ ናይ ምጥቃም ዝነበራ ዕድል እናጸበበ ብምምጽኡ፡ ካልእ ኣማራጺታት ከተናዲ ግድን'ዩ ነይሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ ወደብ ጂቡቲ ብጽሒት (ብርኪ) ክህልዋ ምስታ ሃገር ኣብ ስምምዕ በጺሓ'ላ። ኣብዚ እዋን'ዚ 95 ሚኢታዊት ዝኣቱን ዝወጽእን ኣቑሑት ኢትዮጵያ ብወደብ ጂቡቲ'ዩ ዝሓልፍ።

ኣብ ርእሲኡ'ውን ምስታ ካብኣ ኣዝያ እትንእስ ሃገረ ጂቡቲ ዘራኽባ ናይ 759 ኪሎ ሜትሮ ዝንውሓቱ መንገዲ ባቡር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሪቑ'ዩ። እቲ መስመር ንርእሰ-ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስታ ኣካል ወደብ ጂቡቲ ዝኾነት ወደብ ዶራለሕ ዘራኽብ'ዩ።

እቲ መስመር ድሮ መጠን ናይቲ ካብን ናብን እቲ ወደብ ዝጓዓዓዝ ንብረት ከም ዝዓቢ ጌሩ'ሎ፡ ካብቲ ዝህቦ ኣገልግሎት እቲ 70 ሚኢታዊት ናይ ኢትዮጵያ ንግዳዊ ምንቅስቓስ'ዩ።

ሓላፊ ናይቲ ብመንግስቲ ዝውነን ትካል ኣገልግሎት መራኽብን ሎጂስቲክስን ኢትዯጵያ ዝኾነ ሮባ መገርሳ ኣካዋክ ንብሉምበርግ ዝተባህለ ኣገልግሎት ዜና ከም ዝበሎ፡ ጂቡቲ ዝተፈላለዩ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ባሕሪ ዝቆጻጸርዋ ምዃና ንኢትዮጵያ ከም ዘሻቕላ ተዛሪቡ።

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ቻይና፡ ጃፓንን ፈረንሳን ኣብታ ሃገር ወታሃደራዊ ማዓስከር ኣለወን።

"ኣብ መጻኢ ጂቡቲ ንባዕላ ብዛዕባ መጻኢኣ ክትውስን ዘይትኽእል ክትከውን ስለትኽእል ንፈርሕ ኢና። እዚ ድማ ንኢትዮጵያ ኣስጋኢ'ዩ" ይብል ኣይተ ሮባ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ ብተወሳኺ ሓይሊ ባሕሪ ምህላዉ ነተን 11 ዓበይቲ ናይ ንግዲ መራኽብ ኢትዮጵያ ኣብ ምሕላዉ ክሕግዝ ምኸኣለ፡ ምኽንያቱ እቲ እተን መራኽብ ዝመላለሳሉን ንኢትዮጵያ ቁጠባዊ ረብሓታት ዘለዎ ቀይሕ ባሕሪ "ኣዝዩ ዘይተረጋገአ" ምዃኑን "ተጻባኢ ዝኾነ ፓለቲካዊ ረብሓታት ዝርከበሉን" ምኻኑ ይዛረብ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ወደባተን ንምጥቃም ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ስምምዓት ፈሪሙ ይርከብ

እተን ናይ ንግዲ መራኽብ መደበረን ኣብ ጂቡቲ ኮይኑ፡ ካብኡ ናብ ወደባት ጋልፍ፡ ህንዲ፡ ቻይና፡ ኮርያ፡ ጃፓን፡ ሲንጋፖር፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ኢንዶኔዥያን ይመላለሳ።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ሓደ ናይ ማሪታይም ኢንስቲትዩት ከም ዘለዋን፡ ኣብ ዓመት ልዕሊ 500 ማሃንድሳት ባሕሪን ኤለክትሮ-ቴክኒሻናትን ከም ዘመርቕ ይፍለጥ። በዘይካ'ዚ እቲ ትካል ኣብ መጻኢ ኣብ ዓመት 1000 ኪኢላታት ከመርቕ ውጥን ኣለዎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ማሪታይም ኢንስቲትዩት ኢትዮጵያ፡ እቶም ተመረቕቲ "ኣብ ኢንዱስትሪ መራኽብ ዓለም ዕዉታት ክገብሮም ዝኽእል" ሞያን ፍልጠትን ከም ዝቐስሙ ይሕብር።

ሓይሊ ባሕሪ ካብ ባይታ ንምህናጽ ግን ካብዚ ዝተፈልየ'ዩ- ገዚፍ ናይ ፋይናንስ ኢንቨስትመንትን መደበር ናይቲ ዝቐውም ሓይልን ከድሊ'ዩ። ብዘይካ'ዚ ንኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ንምስልጠን ነዊሕ ግዜ ክሓትት'ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ፡ ኣብ ሚያዝያ ኣብ ስልጥን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ ንወደብ ፓርት ሱዳን ንምጥቃም ምስ ሱዳን'ውን ስምምዕ ጌሩ'ሎ። እዚ ድማ ሃገሩ ንዘለዋ ኣማራጺታት ንምስፋሕን ናይ ወደብ ክፍሊት ንምንካይን ዝተወስደ ስጉምቲ'ዩ።

ብተመሳሳሊ፡ ኢትዮጵያ ምስታ ባዕላ ከም ሃገር ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ኣብ ዝገበረቶ ስምምዕ'ውን ኣብ ወደብ በርበራ 19% ብጽሒት ክህልዋ'ዩ። እቲ ስምምዕ ነቲ ካብ ዶብ ናብታ ወደብ ዝኣቱ ጽርግያ ንምስራሕ ዘካተተ ምዃኑ'ውን ይፍለጥ።

ምምሕያሽ ዝምድና ምስ ኤርትራ

ዶክተር ኣቢ ኣብ ፈላሚ መደርኡ ምስ ኤርትራ ዘሎ ግጭት ብሰላም ክፍታሕ ብምጽዋዕ፡ እልቲአን ሃገራት "ብረብሓታት ጥራይ ዘይኮነስ ብደም'ውን ዝተኣሳሰራ ምዃነን" ብምግላጽ ንዕርቂ ዘለዎ ቅርቡነት ኣተንቢሁ'ዩ።

ጺኒሑ ድማ፡ እቲ ነታ ናይቲ ዶባዊ ኩናት ምኽንያት ተባሂላ እትግለጽ ባድመ ናይ ኤርትራ ምዃና ኣብ 2002 ዝወሰነ ብይን ኮምሽን ዶብ ክልቲአን ሃገራት ብዘይ ዝኾነ ቅድመ-ኩነት ከም ዝቕበሎ ብምግላጽ እቲ ንሰላም ዘለዎ ቅሩብነት ደጊሙ ኣረጋጊጽዎ'ዩ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ግንቦት 2000 ንኤርትራዊት ከተማ ባረንቱ ድሕሪ ምቁጽጻሮም

ክሳብ ሕጂ ኤርትራ ብወግዒ ዝሃበቶ ግብረመልሲ የለን።

ሚኒስተር ዜና'ታ ሃገር፡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣቐድም ኣቢሉ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ዝገበሮ ናይ ሰላም ጻዊዒት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ ግን፡ ኢትዮጵያ ካብቲ "ጎቢጣ ሒዛቶ ዘላ መሬት" ኤርትራ ከይወጸት ርክብ ክልቲአን ሃገራት ክመሓየሽ ከም ዘይክእል ገሊጹ ነይሩ።

ይኹን'ምበር፡ ኢትዮጵያ ንወደባት ባጽዕን ዓሰብን ከም ቀንዲ ወደባት ክትጥቀም ብዘኽእል ደረጃ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ክመሓየሽ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ'ዩ። ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ክትውንን ዘለዋ ጥሙሕ'ውን ንኤርትራ ዘሻቕል ካልእ ሓደገኛ ኩነታት'ዩ።

ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማሰኛ ነበር ብርሃነመስቀል ኣበበ ከም ዝግምቶ፡ እቲ ሓይሊ ባሕሪ ናይ ምህላዉ ውጥን ስትራተጂካውን ጂኦ-ፓለቲካዊ ስግኣታት ዘገደዶ'ዩ።

"ኢትዮጵያ ዘለዋ ናይ ዓለምለኻዊ ማያት ናይ ምጥቃም መሰል፡ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክህልዋ የግድድ'ዩ" ክብል ንናይ ቢቢሲ ኒውስደይ ፕሮግራም ተዛሪቡ።

ኬንያ፡ ሶማሊላንድን ጂቡቲን እተን ነቲ መደበር ከአንግዳ ዝኽእላ ሃገራት ከም ዝኾና ንሱ ይጠቅስ።

እቲ ውጥን ን"ሕብረት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ሓደ ቁጠባዊ ቀጽሪ" ዝደፋፍእ ከም ዝኾነን "እቲ ሓይሊ ባሕሪ ድማ ኣካል ናይቲ ፕሮጀክት ምዃኑ" ኣቶ ብርሃነመስቀል ይዛረብ።

ኢትዮጵያ ነቲ ዘለዋ ሓይሊ ባሕሪ ናይ ምውናን ሃቐነ ንምርግጋጽ፡ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ሓያል ባህላውን ቁጠባውን ምትእስሳር ክትጥቀመሉ ትኽእል'ያ።

ኬንያ ከም ኣማራጺ

ኣብዚ ዝሓለፈ ጉንበት፡ ንኢትዮጵያ ኣብ ደሴት ላሙ መሬት ክህልዋ ዘኽእል ስምምዕ ምስ ኬንያ ጌራ። እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ብላፕሰት ዝፍለጥ፡ ካብ ወደብ ላሙ ተበጊሱ ብደቡብ ሱዳን ኣቢሉ ንኢትዮጵያ ዝኣቱ ትሕተ-ቅርጺ መስመር መጓዓዝያ ንምህናጽ ዝተወጠነ ናይ 24 ቢልየን ዶላር ዝሓትት ፕሮጀክት እዩ።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ 2012 ዝተፈረመ እኳ እንተኾነ፡ ብሕጽረት ገንዘብን ጸጥታዊ ጸጋማትን ክጓተት ጺኒሑ'ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ በቲ ኣብታ ሃገር ክካየድ ዝጸንሐ ሰፊሕ ህዝባዊ ናዕብታት ተወጢሩ ከም ዝጸንሐን፡ በዚ ምኽንያት'ውን ኣብ ለካቲት ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ተገዲዱ'ዩ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያዊት ደሴት ላሙ መሬት ተዋሂብዋ'ሎ

ዶ/ር ኣቢ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዕርቂ ክግበር ክጽውዕ ጸኒሑ'ዩ። ድሮ እሱራት ፓለቲካን ተሓለቕትን ምፍታሕ ዝርከብዎም ሓያሎ ጽገናታት ኣተኣታትዩ ኣሎ።

እቲ ንሱ ዝመርሖ ዘሎ መንግስቲ ነቲ ኣብታ ሃገር ተኣዊጁ ዝነበረ ናይ ህጹጽ እዋን ድንጋጌ'ውን ከም ዝለዓል ጌሩ'ዩ።

ዲዮ ጉምባ ኣባል ናይቲ ብኢንስቲትዩት ፎር ሰኲሪቲ ስታዲስ (ኣይ ኤስ ኤስ) ዝተባህለ ናይ ጸጥታ መጽናዕቲ ትካል ከም ዝብሎ፡ ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ክትውንን ምድላያ፡ ነቲ ኣብ ሶማል ዝርከብ እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብን ነቶም ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝንቀሳቐሱ ቀርሰንቲ (ፓይረትስ) ዝምግጠዓም ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል'ዩኡ።

እታ መሓዛ ኣሜሪካ ዝኾነት ኢትዮጵያ፡ ነቲ ውጥን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ደገፍ ከም እትረክብ ሚስተር ጉምባ ይዛረብ።

ግብራውነቱ ክሳብ ክንደይ'ዩ?

እቲ ኣብ ኣይ ኤስ ኤስ ተመራማሪ ማሪታይም ዝኾነ ዩቲሞቲ ዎከር፡ ከም ዝብሎ እንተኾይኑ፡ ኢትዮጵያ ሓደ ብቑዕ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ኣሃዱ ንምህናጽ ዓሰርተታት ዓመታት ክወስደላ'ዩ።

"ሓይሊ ባሕሪ ዘይኮነስ፡ ሓደ ናይ ማሪታይም ጨንፈር ናይ ሰራዊታ ክትፈጥር ትኽእል ትኸውን መራኽብ ኲናት ንምዕዳግ ኮነ ነቲ ሓይሊ ንምስልጣን ዓሰርተታት ዓመታት ክወስድ ይኽእል'ዩ"። ይብል ንሱ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ቻይና ሓንቲ ካብተን ኣብ ጂቡቲ ወታሃደራዊ መዓስከር ዘለወን ሃገራት'ያ

"ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ብቑዕ ዝኾነ ሓይሊ ባሕሪ የብለንን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እንተሪኢና እተን ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሳ እተን ሓያላት ሃገራት ዓለም'የን" ይብል ሚስተር ዎከር።

"ኣብቲ ከባቢ ዝጸንሐ ናይ ቅርሰናን ናይ ኣኽረርቲ ጉጅለታት ፍጻሜታት ሓደ ሓይሊ ባሕሪ ካብ ባይታ ክትሃንጽ ምኽኑይ ኣይገብርዎን'ዮም" ይብል።

እንተኾነ ግን፡ ርእይቶታት ተጠራጠርቲ ብዘየገድስ ኢትዮጵያ ንውጥና ንምዕዋት ዝሓረነት'ያ ትመስል።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት