''መዓልቲ መቕጻዕቲ ኣስላም'' ዝጸሓፈ ሰብ ተኸሲሱ

' መቕጻዕቲ ኣብ መዓልቲ ኣስላም ' Image copyright TellMamaUK

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብግፍዒ ሰብ ክቕተል ዝሓተተን 'መዓልቲ መቕጻዕቲ ኣስላማይ' መልእኽቲ እናጸሓፈ ዝሰድድ ዝነበረን ሓደ ውልቀ-ሰብ ብፖሊስ ተታሒዙ ንፍርዲ ከምዝቀረበ ተፈሊጡ።

እቲ ብስቱር ተጻሒፉ ናብ ዝተፈላለዩ ኣድራሻታት ብሪጣያ ዝለኣኽ ዝነበረ መልእኽትታት ዝተዋሃሃደ መጥቓዕቲ ኣብ እስላም ክካየድ ዝጽውዕ'ዩ።

ወዲ 35 ዓመት ነባሪ ከተማ ሊንከን ዳቪድ ፓረሃም እምብኣር ብ14 ገበናት እዩ ተኸሲሱ። ካብኦም ናይ ሓሶት ቦምብ ተጠቒሙ ንምድሃል ብምፍታንን ዘፈራርሕ መልእኽቲ ብምስዳድን ዝብሉ ክስታት'ውን ይርከብዎም።

ንሱ ንዓርቢ ኣብ ዌስትሚኒስተር ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ'ዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ተቓለስቲ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ፖሊስ እታ ሃገር ፓረሃም በዚ ዝስዕብ ገበናት ይኽሰስ፤

  • 1 ክሲ ብዘይሕጋዊ ሰብ ክቕተል ብምጽዋዕ
  • 2ተ ክሲ መልእኽቲ 'መዓልቲ መቕጻዕቲ ኣስላማይ" ጺሒፉ ብምስዳድን ሰብ ብምልዕዓልን
  • 5ተ ክሲ ናይ ሓሶት መርዛም ነገር ምስዳድ
  • 5ተ ክሲ ቶንኮል ዝመልኦን ምፍርራሕን መልእኽቲ ብምስዳድ
  • ሓደ ክሲ ናይ ሓሶት ቦምብ ብምምሃዝ

ፖሊስ ብሰሉስ ገዝኡ ድሕሪ ምፈታሾም'ዮም ንፓረሃም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከውዕልዎ ዝኸኣሉ።

ፓረሃም ናይ ራዕድን ሽበራን መልእኽታቱ ናብ ወይልስ፤ ዌስት ዮርክሸር፤ ሳውዝ ዮርክሸር፤ ሌስተሸር፤ ለንደንን ካርዲፍን ከምዝልኣኾ ተፈሊጡ።