መንግስቲ ስጳኛ ነቲ ''ጸረ- ስደተኛታት'' ዝኮነ ናይ ትሪኮላታ ሓጹር ከተልዕሎ ደልያ

ስደተኛታት ሓጹር ስጳኛ እናዘለሉ Image copyright Reuters

እዘን ክልተ ንኣሽቱ ግዝኣት ስጳኛ ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ [መዲቴራንያን] ዝርከባ ኮይነን ብመሬት ሞሮኮ ዝተኸባ እየን። ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኣፍሪቃ ስለዝርከባ ድማ ማእከል ስሕበት ናይቶም ዝሓሸ መነባብሮ ኣብ ኤውሮጳ ዘናድዩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኮይነን ጸኒሐን።

እቶም ``ሓኾርቲ`` ስደተኛታት ናብተን ንኣሽቱ ግዝኣት ስጳኛ ንምእታው ነቲ ሽዱሽተ ሜትሮ ዝንውሓቱ ናይ ቲሪኮላታ ሓጹር ክሰግሩ ኣብዝፍትንሉ እዋን መጉዳእቲ ኪበጽሖም ጸኒሑ።

ፌርናንዶ ግራንዴ-ማርላስካ፡ ዳኛ ዝነበረን ቅድሚ ወርሒ ድማ ናይ ስጳኛ ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዝተሾመ፡ ነቲ ``ብውሑድ ኣገባብ ጸጥታ ዶባት ምውሓስ ከምዝክኣል`` ዘርኢ መጽናዕትን ጸብጻብን ተረኪቡ።

``ኣነ ነቲ ኣብ ስዮታን ሚሊሊያን ዘሎ ናይ ትሪኮላታ ሓጹር ንምልዓል ኩሉ ዝክእለኒ ክገብር እየ`` ኢሉ ኣብቲ ብሓሙስ ምስ ናይ ስጳኛ መደብር ሬድዮ ኦንዳ ሴሮ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት።

``እዚ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዕላማታተይ ኢዩ`` ኢሉ እቲ ምኒስተር።

እቲ ዕላማ፡ ነቶም ስደተኛታት ቅድሚ ናብቲ ሓጹር ምብጽሖም ደው ምብላ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ ኢሉ።

``ኣቐዲምና ስጉምቲ ክንወስድ ንኽእል፡ ቅድሚ ኣብቲ ሓጹር ምብጽሖም። ሰባት ሓጹር ክሓኹሩ ምርእይ ጨሪሱ ምኽንያታውን ቅቡል ኣይኮነን`` ኢሉ።

ኣብዚ ዓመት 25 ስደተኛታት በቲ ትሪኮላታ ከምዝተሃስዩን ሕክምና ከምዝተገብረሎምን 10 ዝኮኑ ድማ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ከምዝተገብረሎም ናይ ስጳኛ ቀይሕ መስቀል ገሊጹ።ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ስጳኛ ነቲ ``ጸረ-ስደተኛታት`` ዝኾነ ናይ ትሪኮላታ ሓጹር ንኸልዕሎ ``ኩሉ ዝክኣሎ ኪገብር`` ምዃኑ ተመባጺዑ። እቲ ሓጹር ንክልተ ግዝኣት ስጳኛ ዝኾና ሲዮታን ሚሊሊያን ካብ ሞሮኮ ዝፈሊ ሓጹር ኢዩ።

Image copyright AFP/Getty Images

እቲ ካልእ እቶም ስደተኛታት ናብ ሲዮታን ሚሊሊያን ንምእታው ዝጥቀምሉ ኣገባብ በቲ ገማግም ባሕሪ ሓምቢስካን ኣብ መካይን ተሓቢካን ምእታው ኢዩ።

እንተኾነ፡ ዝበዝሑ ስደተኛታት ይትሓዙን ድሕሪኡ ድማ ንመንግስቲ ሞሮኮ የረክብዎምን። እቶም ብሓጹር ሓኲሮም ዝኣትው ድማ ናብ ሞሮኮ ይጥረዙ።

እቲ ሕማቕ ታሪኽ ናይቲ ናይ ትሪኮላታ ሓጹር

እቲ ኣካታዒ ናይ ትሪኮላታ ሓጹር ፈለማ ኣብ 2005 ኢዩ ተኣታትዩ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ኣብቶም ሓኾርቲ ብዘስዓቦ ማህሰይቲ ተላዒሉ ነይሩ።

ሓደ ወዲ 30 ዓመት ሴኔጋላዊ ናብ ሲዮታ ንምእታው ክሓኩር ከሎ እቲ ትሪኮላታ ንናይ ደም መትኑ ስለዘንኮሎ ሞይቱ።

ዳሕራይ፡ ኣብ 2013 ቀዳማይ ምኒስተር-ነበር ማርያኖ ራጆይ ድማ ዋሕዚ ስደተኛታት ምስዓበየ ነቲ ተላዒሉ ዝነበረ ናይ ትሪኮላታ ሓጹር መሊስዎ። እቲ በቲ ቀዳማይ ምኒስተር ዝተወስደ ስጉምቲ ድማ ብዙሓት ፖለቲከኛታት፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ሃይማኖት ካቶሊክ መራሕትን ኢሰብእዊ ኢዩ ኢሎሞ።

ሓድሽ ናይ ስጳኛ መራሒ ሰልፊ መሕበርነት፡ ፔድሮ ሳንቼዝ ኣብቲ ኣብ 2015ን 2016 ዝተኻየደ ምርጫ ነቲ ናይ ትሪኮላታ ሓጹር ከልዕሎ ተመባጺዑ ነይሩ። ሕጂ ፔድሮ ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር ስጳኛ ኢዩ።