ድሕሪ ኵናት ክልቲኤን ሃገራት ዝተፈጠሩ መናእሰይ እንታይ ይብሉ?

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ግንባር Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ግንባር

ሰላም ደላይኣ ብዙሕ፡ ዓዳ ግና ርሑቕ እዩ። ኵናት፣ ጥምየት፣ ስደትን ድሕረትን ዘድከሞም ሕብረሰብ ዝምነዩዎ ነገር እንተልዩ ሰላምን ምርግጋእን'ዩ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳርጋ ዝነውሐ መዋእለን ብኵናትን ጥምየትን፣ ስደትን ምምዝባልን ዘሕለፈኦ ሃገራት እንተልየን ኢትዮጵያን ኤርትራን እየን።

ናይ ደገ ጸላኢ ተቓሊሰን እንትድርብያ፡ ናይ ዉሽጢ ስርዓታት ዕብለላን ግፍዕን እንትፍትኑወን፡ ወዲቐን እናተንስኣ ነዊሕ ዓመታት ተቓሊሰን ናጽነተን ዘረጋገጻን ክብረን ዝዓቀባን እየን።

ኮይኑ ግና ሓበራዊ ጸላኢ እምበር ሓበራዊ ጽልኢ የብልናን ኢለን ብሓባር ዝተሰለፋ እዘን ሃገራት ኣብ ሓደ እዋን ከቢድ ወተሃደራዊ ባጀትን ሓይልን ሰሊዐን ነንሕድሕደን ተራጺመን፡ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ብሰንኪ ጉዳይ ዶባት ዝዓበየ ረብሓን ምትሕግጋዝን ተሓሲመን ነቲ ዝናፈቐኦ ሰላም እናመዓደወኦ ክነብራ ተገዲደን።

ኤርትራ፡ ንመግዛእታዊ ጎበጣ ብምቅዋም ንነዊሕ ዓመታት ተቓሊሳ ነጻነታን ልዑላውነታን እኳ እንተረጋገጸት ብቑጠባ ክትዓቢ ኮነ ምስ ገረባብታን ዞባኣን ክትዋሳእ ኣይከኣለትን ዘላ።

ኢትዮጵያ'ዉን እንተኾነት እቲ ጀሚራቶ ዘላ ቁጠባዊ ግስጋሰ ብዝለዓለ ናህሪ ንኸይቅጽል ሃዋሁወ 'ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት" ኣሲሩ ሒዙዋ ይርከብ።

ኣብ 2000 ብስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ዝተሸምገላ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሽግረን ከይፈትሓ ገና ብህልኽን ቅርሕንትን ተሓሊኸን ንመንእሰያተን ኣብ ጸገም ሸሚመነኦም ኣለዋ። እዞም ሓደሽቲ ወለዶ መንእሰያት ግን ገና ዝሓቱወን ሕቶ ኣሎ -ሰላማዊ ጉርብትናን፡ ሓበራዊ ግስጋሰን።

ንምዃኑ እዞም ኣብ እዋን ኩናትን ድሕሪኡን ዝተወልዱን ዝዓበዩን ኤርትራዉያንን ኢትዮጵያዉያንን መንእሰያት ብዛዕባ ጎረባብቶም ሃገራት ሓደ ብዛዕባ እታ ሓንቲ እንታይ ይፈልጡ? እንታይከ ይሓስቡ? እዚ እቲ ክምለስ ዘለዎ ኣገዳሲ ዛዕባ እዩ።

"ብባድመ ከምዝተብኣስና'የ ዝፈልጥ"

ኣብዚ እዋን'ዚ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ወተሃደራዊ ኣግልግሎት ዝተኻፈሉን ካብ ገደብ ኣልቦ ኣግልግሎት ነብሶም ከግልሉ ዝደልዩ መንእሰያትን ኤርትራ ብብዝሒ ናብ ኢትዮጵያ ይስደዱ ኣለዉ።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ጎረቤታ አዕቊባ ዘላ ኢትዮጵያ'ዉን ጠለባት ሰላም ህዝባ መሊኣ ክትምልስ ኣይከኣለትን።

"ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝመጽእ 6 ወርሒ ገይረ ኣለኹ" እትብል መንእሰይ እየሩሳሌም ሓጎስ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰንኪ ዶብ ኣብ ዝተዋግኣሉ እዋን እያ ተወሊዳ ዓብያ። ኣብታ ዝዓበየትላ ሃገር ኮይና ብዛዕባ እዛ ሕዚ ተሰዲዳ ዝረገጸታ ኢትዮጵያ እትፈልጦ ሓደ ሓቂ ኣሎ።

"ክልቴና ሃገራት ብባድመ ከምዝተባኣስና፣ ብሰንኪ ኵናት ብዙሓት ከምዝተሰዉኡና እየ ዝፈልጥ። ዝንገረናን እንሰምዖን ኢትዮጵያ ሕማቕ ከምዝገበረትና ስለዝኾነ እዚ'የ ዝፈልጥ"፡ ኣብ ስነ ልቦናኣ ዝተቐርጸ እዚ ኣተሓሳስባ እዩ።

ነባሪ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ዓብደልፈታሕ መሓመድ፡ እዘን ሃገራት ብዝኣተዉኦ ግጭት ንክንፈላለ ዝግበሩ ዝነበሩ ስራሕቲ ብዙሓት ስለዝኾኑ፡ ንመጻኢኸ እምበርዶ ብሓባር ክንኸደሉ እንኽእል ዕድላት ኣሎ እዩ ዘብል ይብል።

Image copyright ABDELFETAH/FACEBOOK

"እቲ ኣብ ባይታ ዝጸንሖ ኩነታት ዘቀራርብ ስለዘይኾነ፡ እቲ ናይ ሕዚ ወለዶ፡ ብሰላምን ፍቕርን ተኸኣኢልካ ክንበር ይከኣል እዩ ኢሉ ክሓስብ ክኸብዶ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር ንዓይ እዚ ውዑይ ዕድመ መንእሰይ ፡ ኣይኮነን'ዶ ሓዉ ምስ ዝኾነ ህዝቢ ምስ ሸይጣን'ዉን ዘባእሰና ነገር ከምዘየሎ ክሓስብ ኣለዎ እየ ዝብል" ይብል።

መንእሰያት እዘን ህልኽን ኩናትን ስዒረን መጻኢ ታሪኸን ብሓዲሽ ብርዒ ዕቤት ክጽሕፋ ትጽቢት ዝግበረለን ሃገራት ዘዕብይኦም መንእሰያትን ከካብ ሃገሮም ዓቢ ጠለብ ኣለዎም።

ንሱ ከኣ ከም ዜጋታት ብሓባራዊ ፍቕርን ምክብባርን ክነብሩን ዝተኸስረ ዕድላት ምዕባለን ብልጽግናን ምሕዳስ እዩ። ወለዶ እዚ እዋን መንእሰይ ሃገራት እናኽጻልኣ ዘሰራስረኦ ፖለቲካ ጽልኢ ኣድኪሙዎ እዩ። ኣብ ዕድመኦም ተኸባቢሮም ክነብሩ፡ ብፍቕሪ ክተኣሳሰሩ እዩ ትምኒቶም።

"ንኤርትራ ብኵናት'የ ዝፈልጣን ዝዝክራን። ግን ድማ ካብ ንባብን ዓበይቲ ኣሕዋትና ብእንረኽቦ ዛንታን እዞም ሕጂ መባእስቲ ዘለው ስርዓታት ኣብ እዋን ቃልሲ ሓቢሮም ከምእተቓለሱን እየ ዝሰምዕ " ይብል መንእሰይ ኣቤል።

ክልቲኤን ሃገራት ብዝተኣሳሰራሉ ታሪኽ ከኣ ንኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ፈልዩ ዝርኢ ስምዒት ከምዘይብሉ ይዛረብ።

"ንኣስመራ ኣሉላ ኣባነጋ ከምዝመስረትዋ የዘንትውልና። በዚ ምኽንያት እታ ሃገር ዓደይ እምበር ጎረቤተይ ኣይመስለንን። መሓሪ ተኽለ (ሙሴ) ዝተብሃለ ጀግና ካብ ኤርትራ፡ ናብ ቃልሲ ትግራይ ከምዝተጸምበረ ስለዝንገረኒ ለካ አሕዋት ኢና ዝብል ስምዒት ይፈጥረለይ" ይብል።

ሕዚ ብዘሎ ሃገራዊ ኩነታት ኣብ ደገ ዝዓብዩ ዘለዉስ ደሃይ ይህልዎም'ዶ ይኸዉን? እንትንብል ዝረኸብናዮ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝነብር ኤርትራዊ ሚኪኤለ ብርሃነ፡ ንኢትዮጵያ ካብቶም ተሰዲዶም ዝረገጹዋ ሰባት እዩ ዝፈልጣ።

"ብዕላል፡ ኢትዮጵያ ተቐባሊ ጋሻ ህዝቢ ዘለዋ ዓባይን ጽብቕትን ሃገር ምዃና እየ ዝሰምዕ" ዝብል ሚኪኤል፡ ኣብታ ሃገር ንመንእሰያት ዝሓሹ ዕድላት ኣለዋ ኢሉ ከምዝሓስብን ሓደ መዓልቲ ክርእያ ከምዝደልን ይዛረብ።

ጽልኢ ፋይዳ ስለዘይብሉ፡ መንእሰያት ወለዶ እዚ ክልቲኡ ህዝብታት ብሓድሕዳዊ ክብሪ ብሰናይ ጉርብትና ክንነብር እምነ ድማ ይብል።

"ኣጋጣሚ መጺኡ ምረጽ እንተዝበሃል መጀመርታ ትመጽአኒ ኤርትራ እያ"

"ንዓይ ዝስመዐኒ ናይ ሽም ኣፈላላይ ከምዘሎ'ዩ" ዝብል ዓብደልፈታሕ ብስደት ናብ ኢትዮጵያ ምስ ዝመጽኡ ኤርትራዉያን ዝፈጠሮ ጥቡቕ ምሕዝነት ልክዕ ከም ሓደ ዓይነት ዜጋታት ኢና ኢሉ ዘዘንበለ ስምዒት ከምዝዕዘብ ይዛረብ።

ኢትዮጵያዉያን ዓብዪ ዓወትና ኢሎም ዘኽብሩዎ በዓል ዓድዋ ንምዝካር ኣብ ዝነበረ ጉዕዞ እግሪ ሓደ ወርሒ ከይተረፈ ብሓባር ምስ ኤርትራዉያን መሓዙቱ ከምዝተጉዓዘ ዝዛረብ ዓብደልፋታሕ፡ ብኽልቲኡ ወገን እዚ ህዝቢ ዘለዎ ማሕበራዊ ርክብ ዘይቕበሉ ሰባት ኣይህልዉን ማለት ኣይኾነን ይብል።

"ዘለና ናይ ዶብ ኣፈላላይ ምኽንያት ምርሕሓቕና'ኳ እንተኾነ ልዕሊኡ ዝዛየደ ፍቕሪ ግና ኣሎ። ንህዝቢ ኣድሚጽኻ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ዝተሰርሑ ነገራት ግና የለዉን" ኢሉ ዓብደልፈታሕ።

ህዝቢ ክልቲኤን ሃገራት ብታሪኽ፣ ቋንቋን ባህልን ሓደ ዓይነት፣ ኣብ ሓደ ጎቦ ዝተቐበሩ፣ ክሳብ ቐረባ ግዜ ድማ ብሓደ ዝኸዱ ዝነበሩ ወለዲ'ዮም ነይሮምና ዝብል ሓበራዊ ኣረዳድኣ ኣብዞም መናእሰይ ኣሎ።

"ሕዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት እዚ ህዝቢ ዝተመቓቐለ ገይሩዎ'ዩ። ንኣማኢት ዓመታታት እንተድኣ ንሓስብ ሃሊና ግና ኩለ መናና ዝመሳሰልን ዝቀራረብን'ዩ" ይብል ኣቤል። ተቐማጢ ዓዲ ኢንግሊዝ ሚኪኤለ ብወገኑ ካልእ ተሪፉ መግብና፣ ባህልና፣ ቋንቋና ሓደ'ዩ ዝብል ስምዒት ኣለዎ።

Image copyright ABEL/FACEBOOK

እዚ ስምዒት ግና ንገሊኦም ሕልፍ ዝበለ'ዩ። ሃጥ ዝበለ ጉዳይ እንተዘጋጥምሞ ንምርጫ እንተዝቐርብ ኤርትራ ቐዳመይቲ ምርጫ ዓብደልፈታሕ'ያ።

"ብዙሓት ጎረባብቲ ሃገራት'ኳ እንተሃለዋና ካብታ ናተይ ዝብላ ሃገር ወጻኢ ካልእ ሃገር ክትኾነካ ትኽእል እያ ዝብል ኣጋጣሚ መጺኡ ምረጽ እንተዝበሃል ኤርትራ ናብ ቅድመይ ትመጽእ። ብኹነታት እንተተፈላለናሞ፡ ኣፈላላይ ንምግፋሕ ብሓይሊ ዝጸዓኑ ዘለዉ ናይ ስነ ልቦና ተጻብኦታት እንተሃለዉ ኤርትራዊ ስምዒት ዘለዎ ኣጀንዳ እንተዝለዓል፡ ኣነ ኣካል እቲ ምንቅስቓስ ምኾንኩ" ይብል።

ወለዶ ትማሊ

ፖለቲካዊ ሓሸዉየ ፖለቲካዊ ትካላትን መንግስታትን

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ን26 ዓመታት ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ዝምሃረት ዶክተር ሳራ ዕቑባይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ቅድሚ 20 ዓመት ዝኣተዉኦ ግጭት ድሕሪ ናጽነት ዝተወለዱ መናእሰይ ኮነ ኣብቲ ግዘ ናጸነት ዘይጎርሑ ዝነበሩ ቖልዑ ብዛዕባ እቲ ሓቂ ብዙሕ ኣፍልጦ ኣለዎም ክትብል ከምዘይትኽእል ትዛረብ።

ብኽልቲኡ ወገን ዝንዛሕ ፖለቲካዊ ሓሸዉየ ሓደ ምኽንያት'ዩ።

"ኣብ ዓድና ለይትን መዓልትን ብግዘ ደርጊ ዝነበረ ዓመጽ፣ ግፍዕን ዉግእን'ዩ ብድራማ ዝስራሕን ተደጋጊሙ ዝቐርብን። ድሕሪ እቲ ዉግእ ዝዓበና እንፈልጦ ከይንዛረብ ከኣ ኣብቲ ነገራት ዝርድእሉ ዕድመ ምስ በጽሑ ናብ ዉትድርና ስለዝኸዱ ዝመሃርሉ ኩነታት ኣይተፈጠረን" ክትብል ትገልጾ ዶክተር ሳራ።

እዚ ኣተሓሳስባን ርድኢትን ኣሉታዊ ተራ ከምዝነበሮ እተዘንቱ ዶክተር ሳራ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሓት ብኢትዮጵያ ኣቢሎም ናብ ደገ ዝወጽኡ መናእሰይ እቲ ክዉንነት ከምዝገርሞም ትዕዛብታ ትገልጽ።

"ብቲ ናይ ዉሽጢ ዓዲ ፖለቲካ ሓደ ኢትዮጵያዊ ቀታሊ ገይሮም ይርእዩዎ ስለዝነበሩ ምስቲ ወጺኦም ዝርእዩዎ ዝገርሞም'ኳ እንተሃለዉ እቲ ጸገም ኣብ ሓንጎሎም ዘሎ'ዉን ኣለዉ'ዮም። ኢትዮጵያዊ ጸላኢ፡ ኤርትራዊ ዘይጋገ ገይሮም ዝርእዩ ኣለዉ። እዚ ርድኢታት እዚ ነቲ መንእሰይ ብትኽክል ኣብ ርትዓዊ ወይ ጭብጢ ዝተመርኮሰ ስጉምታትን ዉሳኔታት ክወስድ ኣየኽእሎን" ትብል ዶክተር ሳራ።

Image copyright Sara Ogbai

ኣብዘን ሃገራት ዘለዉ ፖለቲካዊ ትካላት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መናእሰይ ዝፈጥርዎ ናይ ባዕሎም እጃም ኣለዎም።

"ናይዞም ትካላት ፖለቲካዊ ሓሸዉየ እንተዘይህሉ ነይሩ እቲ ዉግእ ኣይመጋጠመን" እትብል ዶክተር ሳራ፡ እቲ ፖለቲካዊ ጽልዋ ኣብቲ መንእሰይ ስለዝጸንሐ፡ ሞት ይኣክል ናጽነት መጺኡ ኣብ እትብለሉ ግዘ ሕጂኸ ናበይ ክብል ምኽኣለ ነይሩ ትብል።

ብወገን ኢትዮጵያ ኤርትራ ኸይዳ ዝብል ርድኢት ዝተፈጠረሉ ሃዋህዉ ከምዘሎ'ዉን ዘልዓለት ዶክተር ሳራ፡ እቲ ዝግበር ዝነበረ ፖለቲካ ነቲ ህዝቢ ኣብ ዘይከዉን ጽልእን ቂምን ዘዉደቖ ተሪፉ ናይ ሕጂ መናእሰይ ከምቲ ሃገራት ኢንግሊዝን ፈረንሳይን፡ ጀርመን፣ ቤልጅምን ሆላንድን ዝነብረኦ ክንነብር ከምእንኽእል ክፈልጡ፣ ዘሎ ይኣክል ዝብሉ መናእሰይ ክኾኑ ንጽበዮም ትብል።

መዝሙር ሰላም

"ብጽባሕ እምበር ብዝሓለፈ ክትዛረብ ኣይትኽእልን" ዝብል መንእሰይ ሚኪኤለ እዘን ሃገራት ሰላም ከዉርደለን ይምነ።

"ብሕጂ ሰብ ክጠፍእ ኣይደልን። ኣብ ደገ እኮ ኢትዮጵያዊ ወይ ኤርትራዊ ዲኻ ኢሎም ኣይሓቱኻን፡ ሓበሻ ዲኻ እዮም ዝብሉኻ። ስለዝኾነ ብሃይማኖት፣ ባህልን ካልእን ተኸባቢርና ክንነብር ይደሊ። ሰብ ከም ድሌቱ ኣትዩ ዝወጸሉ ሃዋህዉ ክፍጠር ኣለዎ" እዩ ዝብል።

ንእስቲ እየሩሳሌም ካብዚ ዝፍለ ሓሳብ የብላን። "ሰላም መጺኡ ኣብ ዓዲ ገዲፈዮም ዝመጻእኹ ኣደይ ኣቦይ ክረክብ፣ እቲ ፎቖዶ በረኻን ባሕርን ዝጠፍእ ዘሎ መንእሰይ ሩፍታ ክረክብ እምነ" ትብል።

መንእሰይ ምክብባር፣ ቅንዕናን ፍቕርን ሰነያን ክሓስብ እምበር ጽልኣት ክስበኽ የብሉን። ህዝቢ ነባሪ ስለዝኾነ ብግዚያዊ ዓንቀፍቀፍ ክንፈላለየ የብልናን ክብሉ'ዉን ነዚ ዛንታ ርኢይቶኦም ዘካፈሉና መናእሰይ ይዛረቡ።

ዶክተር ሳራ ዕቑባይ፡ ናይ ካልእ ሰብ ሓሳባት ከመይ ኣቢልኻ ተተኣናግድ? ዲሞክራሲ እንታይ'ዩ? ምስ ኢትዮጵያ ብሰላም ከመይ ኢልካ ምንባር ይከኣል? ዝብሉ ነጥብታት ዝግንዘቡ መናእሰይ ክፍጠሩ ንጽበ ትብል።

ኢትዮጵያ ድማ ዝፈረመቶ ስምምዕ ክትትግብሮ ትጽቢት ትገብር።

ተወሳኺ ዛንታ