ዞባታት ሲዳማን ወላይታን ክልል ናይ ምዃን ሕቶ ኣቕሪበን

ካርታ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ

ምንጪ ስእሊ, WIKI MAP

ኣብ ክልል ብሄር፤ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ኢትዮጵያ ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣህመድ ምስ ወከልቲ ህዝቢ ዞባታት ሲዳማን ወላይታን ዘትዮም። ክልል ናይ ምምስራት ሕቶ ኣነ ኣብ ሓደ ኣኼባ ዝምልሶ ጉዳይ ኣይኮነን ድማ ኢሎም።

ኣብ ባህልን ቱሪዝምን ዞባ ሲዳማ ሓላፊ መምርሒ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ኣይተ ዳጉ ኣገኘሁ፡ ኣስታት 800 ወከልቲ ህዝቢ ዞባ ሲዳማ ምስቶም ቀዳማይ ሚንስትር ኣብ ዝተገበረ ዘተ ከምዝተረኸቡ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብ ዛዕባታት ሰናይ ምምሕዳር ሰፊሕ ዘተ ከምዝተኻየደ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ፡ ንዝሓለፉ 12 ዓመታት ክለዓል ዝፀንሐ ናይ ሲዳማ ክልል ናይ ምዃን ሕቶ'ውን ነቶም ቀዳማይ ሚንስትር ከምዝቐረበ ገሊፆም።

"ሕቶ ክልል ሕገ-መንግስታዊ ኣሰራርሓ ተኸቲሉ ፍታሕ ክረክብ ስለዘለዎ ህዝቢ ሲዳማ ክመያየጠሉን ብደረጃ መንግስቲ'ውን ንምዝርራብ'ዮም ሓሳብ ሂቦም" ኢሎም።

ኣይተ ዳጉ ከምዝበልዎ፡ በዓል ዋና እቲ ሕቶ ዝኾነ ህዝቢ ብሄረሰብ ሲዳማ ንባህሉን ኣወዳድብኡን መሰረት ገይሩ ብሰፊሕን ብዕምቆትን ክዝትየሉ ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ብፅኑዕ ኣታሓሳሲቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓድሽ ዓመት ብሄረሰብ ሲዳማ 'ፍቼ ጫምባላላ' ክኽበር ከሎ ኣብ ድሮን እቲ መዓልትን ንዝተፈጠረ ጎንፂ ብዝምልከት'ውን ሕቶ ከምዝቐረበሎም ሓቢሮም።

"ነቲ ጎንፂ ዘበገሱ ውልቀ ሰባት ብሕጊ ክሕተቱ ከምዝግባእ እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ኣስሚሮሙሉ እዮም" ኢሎም።

ካበይን ብመንን ከምዝተፈፀመ ተፃርዩ ክቐርብ ከምዘለዎ ምግላፆምን ሕብረተሰብ'ውን ኣብዚ ተሰታፋይ ክኸውን ፃውዒት ከምዘቕረቡን ተዛሪቦም።

ነቲ ጎንፂ ዘበገሱ ውልቀ-ሰባት ይኹኑ ዝተወደቡ ኣካላት ንፅቡቕ ምስሊ ብሄረሰብ ሲዳማ ከፀልሙ ዝሃቀኑ ከምዝኾነ ህዝቢ ቅዋሙ ከምዝገለፀ ኣረዲኦም።

ብተመሳሳሊ ኣብቲ ክልል ዞባ ወላይታ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ካብ ዝተፈላለየ ክፋል ሕብረተሰብ ዝተውፃፅኡ ልዕሊ 800 ሰባት ተፋተፍቲ ኮይኖም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሶዶ መምህር ሕጊ ዝኾኑ ተመስገን ላቤና "ካብ ሞንጎ ዝተልዓሉ ሕቶታት እቲ ቀንዲ ንፍትሒ ዝምልከት እዩ። ብፍላይ ኣብ ምኽባር በዓል ጫምበላላ ዝሞቱ፣ ዝቖሰሉን ካብ መንበሪ ቦትኦም ዝተፈናቐሉን ኣለዉ" ኢሉ።

እቶም ሰባት ግዳይ ብሄር መሰረት ዝገበረ ጥቕዓት ከምዝኾኑን መንግስቲ እቲ ክልል ሸለል ብምባሉ ዝተፈጠረ ከምዝነበረን ገሊፁ።

"ኣብቲ ጎንፂ ኣብ ዝተሳተፉ ኣካላት ምርመራ ይጀመር፤ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ተሓተቲ ይኹኑ ዝብል ሕቶ ብበዝሒ ተላዒሉ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ህዝቢ ሲዳማ ኣብቲ ሕዚ ዝርከብሉ ክልል ናይ ምቕፃል ድልየት ስለዘይብሉ፡ ነቲ ሕጋዊ ሕትኡ ተቐቢልካ ወላይታ'ውን ዓርሱ ዝኸኣለ ክልል ክኸውን ዝጠልብ ሕቶ ከምዝተልዓለ ሓቢሩ።

"ካብ ቀዳማይ ሚንስትር ዝተውሃበ መልሲ ኣዕጊቡኒ እዩ። 'ነቲ ጎንፂ ዝፈጠሩ ሰባት ክንሕዞም ኢና፤ ኢዶም ዝሓወሱ ኩሎም ክንቐፅዖም ኢና' ኢሎም" ክብል ገሊፁ።

ክልል ናይ ምዃን ድልየት ነቲ ዘሎ ፀገም ክፈትሕ'ዶ ኣይክፈትሕን ዝብል ሰፊሕ መፅናዕቲ ከምዘድልዮ'ውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ተዛሪቦም።