"መገዲ ሰላም ዘእንፍት ምዕባለ ኮይኑ ይርኣየኒ።" ኣምባሳደር ዓንደብርሃን

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን፣ ኣቶ ዓብዱራሕማንን ኣቶ ኤልያስን

ምንጪ ስእሊ, AMB. ANDEBRHAN/ABDURAHMAN/ELIAS

ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት፡ መግለጺ ሂቡ ኣሎ።

"ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኽሲቱ ዘሎ ምዕባለታት ብቐረባ ክንከታትሎን ናይ ሰራሕ ውጥን ክንስእልን ምእንቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኽ ንስድድ ኣና" ክብል ነቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ክግብረሉ ዝጸንሐ ሕቶ ምላሽ ሂቡ።

ኢትዮጵያን ኤርትራን ድሕሪ እቲ ኣሻሓት ህይወት ዝቐዘፈ ካብ 1998-2000 ዝተኻየደ ኩናት፡ ክሳብ ሕጂ ዝምድነአን ተባላሽዩ፡ ዶባተን ተዓጽዩ ኣብ ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ኣብ ሰንፈላል እየን ጸኒሐን።

መንግስቲ ኤርትራ፡ እቲ ጉዳይ፡ ብመሰረት እቲ ክልቲኦም መንግስታት ዝተሰማማዕሉን ፈትዮም ዝኣተዉዎን ስምምዕ ኣልጀርስ ዘቖምዎ ኮሚሽን ዶባት ዝሃቦ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ክውዳእ ኣለዎ ዝብል'ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጽያ ግን "በቲ ብይን ዝጉድኡ ህዝብታታ ስለዘለዉ ቅድም ንዛተ" ዝብል ቅድመ ኩነት ስለዘቐመጠ እቲ ብይን ክሳብ ሕጂ ከይተተግበረ ጸኒሑ።

ከም ሳዕቤኑ ኩለንትናዊ ማሕበራውን ቁጠባውን ኩነታት ብኸቢድ ተተንኪፉ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ከቢድ ጸገም ተሸሚመን።

ብዝያዳ ግን እቶም ካብ ንቡር ዕለታዊ ህይወቶም ዝተፈናቐሉ፡ ምስ ቀረባ ቤተሰቦም ማዕዶ ማዕዶ እናተረኣኣዩ ክራኸቡን ክበጻጽሑን ዘይክእሉ ኣብ ዶባት ዝርከቡ አህዛብ ተጎዲኦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ንጉዳይ ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ብሰላም ክውድኦ ከምዝደሊ ብምግላጽ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ጻውዒት ሰላም ኣቕሪቡ።

እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ፡ "እቲ ጉዳይ ቅድሚ 16 ዓመታት ብሕጊ ዝተወደአ እዩ፤ ስለዚ እታ ኩዕሶ ኣብ ሜዳ ኢትዮጵያ እያ ዘላ፡ ሓዲሽ ንህቦ መግለጺ የለን" ክብል ጥራሕ ምላሽ ሂቡ ነይሩ።

ፈጻሚ ስራሕ ኢሂወደግ ብ05 ሰነ ንስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶባትን ብዘይ ቅድመ ኩነት ከምዝቐበሎ ብወግዒ ምስ ኣወጀ እውን ብመንግስቲ ኤርትራ ወግዓዊ ምላሽ ከይተዋህበ እዩ ጸኒሑ።

ብፍላይ ኣብ ዶባት ዝርከቡ ህዘቢ ትግራይ ንውሳነ ኢህወዴግ ብምቅዋም፡ ተቓውሞታት ከስምዑ ምስ ጀመሩ 'እዚ ጉዳይ'ሲ እምበርዶ ክቐንዕ እዩ?' ዝብል ሻቕሎት ሓዲሩ።

መንግስቲ ኤርትራ ቅልጡፍ ምላሽ ስለዘይሃበ ከኣ ደላይ ሰላም ክልቲኡ ህዝብታት እወታዊ ምላሽ መንግስቲ ኤርትራ ክሰምዕ ብዓቢ ሃንቀውታ ሻቕሎትን ክጸበ ጸኒሑ።

ሎሚ ንግሆ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኽ ከበግስ ምዃኑ ምስ ሓበረ ዋላ እውን ኣብቲ ደኒንካ ሰማእታትካ ዝዝከሮ ዕለት ህዝቢ ሓጎሱ ብጣቕዒትን ፍሽኽታን ገሊጹ።

ከመይ ይግምገም?

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ (ኣብ ጉዳይ ኢትዮ- ኤርትራ ኮሚሽነር ሕቡራት ሃገራት ነበር) ኤርትራን ኢትዮጵያን ጎረባብቲ ጥራሕ ዘይኮናስ ብስልጣነ፣ ባህሊ፣ ታሪኽን ብናይ ሓባር ረብሓን ዝተኣሳሰራ ሃገራት ምዃነን ይገልጽ።

"ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝያዳ ዝቀራረባ ሃገራት እየን" ዝብል እቲ ኣምባሳደር "ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ ኤርትራ ንጻውዒት ሰላም ኢትዮጵያ ብኣወንታ ከምእትቕበሎ፣ ናብቲ መስርሕ ትግባረ ሰላም ከምእትጽመድን ልኡኻት ካኣ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰድድን ስለዘፍለጠ ናይ ብሓቂ ኣወንታዊ መልሰ ግብሪ ተዋሂቢሎ ማለት እዩ። መገዲ ሰላም ዘእንፍት ምዕባለ ኮይኑ ይርኣየኒ።" ኢሉ።

ክኢላ ኣፈታትሕ ግጭት (ሙሁር ስነ ዕርቂ) ኣቶ ኤልያስ ሃብተስላሰ፡ "ነባሪ ሰላም ክመጽእ እንተኾይኑ ንፖለቲከኛታት ጥራሕ ክግደፍ ዘይኮነ መራሕቲ ሃይማኖት፤ ክኢላታት፡ ማሕበራት ሓፋሽ ዘሳትፈሉ መገዲ ክረአ ኣለዎ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, ELIAS

እዚ እንተዘይተገይሩ ነባሪ ሰላም ክመጽእ ከምዘይክእልን፤ ብዙሕ ዝተገብረ ግፍዕታት ስለዘሎ ደፊንካዮ ክትከይድ ዝከኣል ከምዘይኮነን'ውን ሓቢሩ።

ኣብ ጉዳይ ሰብኣውን ፖለቲካዉን መሰላትን ዝነጥፍ ተንታኒ ፖሎቲካ ቀርኒ ኣፋሪቃ፡ ኣብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሃሺም ብወገኑ "ምስ ምምጻእ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝረኣይ ዘሎ ምዕባለታት ዘሕጉስ ኮይኑ፤ ኣብቲ ዞባ ዓቢይ ኣወንታዊ ለዉጢ ክመጽእ ከም ዝኽእል ዘርኢ ኢዩ።" ክብል የረድእ።

"ኤርትራ ነቲ ብኢትዮጵያ ዝተዋህበ ጻዉዒት፡ ኪንዮ ምቕባል ብዘይ ወዓል ሕደር ልኡኻት ክተሰድድ ምዉሳና ናይ ብሓቂ ቅኑዕ መስመር ሒዙ ከምዘሎ የርኢ" ኢሉ።

ሞንጎኝነት ካልኦት ሃገራት ክህሉ ባህርያዊ'ኳ እንተኾነ፡ ድሩት ክኸዉንን፡ ዋንነት ናይዚ ዕረቂ ኣብ ኢድ እዘን ክልተ ሃገራት ክኣቱን ኣተሓሳሲቡ።

ምንጪ ስእሊ, ABDURAHMAN

ቁጠባዊ ትርጉም

ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ቁጠባዊ ርክብ ሓያል ዝበሃል ክኸውን እንከሎ፡ ሓደ ሓደ ሙሁራት እቲ ቁጠባዊ ርክብ ዕላዊ ዘይኮነ ኮንፌደሬሽን ዝመስል "ናይ ሓባር ዕዳጋ" ገይሮም ይወስዱዎ።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዕርቂ ንክፍጠር ደጋጊሞም ዝጸሓፉ አመሪካዊ ዲፕሎማት ሄርማን ኮህን ጻውዒት ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያ ስዒቡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ "ኣፍሪካን ኣርጉመንት" ኣብ ዘስፈሩዎ ጽሑፍ፡ ቅድሚ እቲ ኲናት ዝነበረ ቁጠባዊን ንግዳውን ርክባት "ናይ ሓባር ነጻ ዕዳጋ ፈጢሮም ነይሮም" ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

ብምዃኑ'ውን እቲ ርክብ እንተተማሓይሹ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ቀዲሙ ጠመተ ክግበረሉ ዝግባእ ዝበሉዎ ንግዳዊ ርክባት፣ ጻጥታን ደሕንነተን ምዃኑ የስምሩሉ።

ብፍላይ ኤርትራ ብ1997 ዓ/ም ናይ ባዕላ ገንዘብ (ናቕፋ) ቅድሚ ምትእትታዋ "ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ንግዳዊ ርክብ ቀረጽ አልቦን ዝኾነ ክልከላ ዘይብሉ ነይሩ" ይብሉ።

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ካኣ "ንክልቲኡ ህዝቢ ብኹሉ መለኪዒታት ናብ ንቡር ዝምድና፤ ፖለቲካዊ ምትሕግጋዝን ቁጠባው ውህደትን ከምርሕ ዘኽእል ምዕባለ'ዩ።" ዝብል እምነት ኣለዎ።

ምንጪ ስእሊ, AMB. ANDEBRHAN

"ዓቕሚ፣ ንብረት፣ ኣቓልቦን ጻዕርን ናይ ክልትኤን ሃገራት ኣብ ክንዲ ኣብ ሓድሕዳዊ ህልኽን ጎንጽን ናብ መሰረታዊ ዕማማት ናይ ልምዓት ክውዕል ባይታ ይፍጠረሉ" ክብል ተዛሪቡ።

ንትግባርኡ ዝወስዶ ግዜ

ከም እምነት ኣምባሳደር ዓንደብርሃን፡ ግዜ ንምትንባህ ይኸብድ እዩ። ይኹን ዳኣ'ምበር ብኽልቲኦም መንግስታት ጽቡቕ ተበግሶ ኣሎ። ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ህግደፍን ዝጸንሐ ምቕርሓን ክሕጸብ ድልየት እንተሃልዩ ንምምላሱ ዘጸግም ኣይኮነን።

"እዚ ጽቡቕ ፖለቲካዊ ድልየት ብኣወንታዊ ግብሪ እንተተሰንዩ ብኽልቲኡ ወገናት ቀልጢፉ ዝፍታሕ ይመስለኒ።" ኢሉ።

"ፍልይ ዝበለ ፖለቲካዊ ዕላማን ራኢን ዘለዎም ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውን ኣብ ውሽጢ ሃገራቶም ኮይኖም ክቃለሱ ዘይንፈግ መሰል ከምዘለዎም ነዚ ዕድል ስለዝሳኣኑ እዮም ካብ ዓዶም ወጻኦም ነዚ ክገብሩ ዝጸንሑ።" ክብል ወሲኹ ገሊፁ።

ኣብዱራህማን ሰይድ ኣቡሃሺም ካኣ "እቲ ዝስዕብ ሕቶ ናይ ምምልካት ዶብ ምስ ህዝብታት እቲ ከባቢ እናተላዘብካ ብሓገዝ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ክግበር ይኽእል ኢዩ።" ክብል ተዛሪቡ።