አመሪካ፡ ካብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዓርሳ ኣግሊላ

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተፀዋዒት አመሪካ ኣምባሳደር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ,

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተፀዋዒት አመሪካ ኣምባሳደር ኒኪ ሃለይ፤ ቅድም ክብላ ኣጠንቂቐን ነይረን

አመሪካ "መዋህለሊ ፖለቲካዊ ኣድልዎታት" ካብ ዝበለቶ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓርሳ ኣግሊላ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ናይ አመሪካ ተፀዋዒት አመባሳደር ኒኪ ሃለይ፡ ንዓርሱ ብዘይመጠን ሓፍ ኣቢሉ ዝምልከት ፡ንባዕሉ ዘገልግልን፡ ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ዘባጩን ክብላ ነቲ ቤት ምኽሪ አታሒተንኦ።

ከም አቆፃፅራ ኣውሮፓ ብ2006 ኣብ ጀነቫ ዝተመስረተ እዚ ቤት ምኽሪ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ጉድለት አለዎን ንዝበለን ሃገራት ብምነቃፍ ዝፍለጥ እንትኸውን፡ ብሰፊሕ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፍለጣ ሃገራት አባል ክኾና ፈቒዱ ተባሂሉ ድማ ይውቀስ።

ሓደ ሓደ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እዚ ናይ አመሪካ ዓርሳኻ ናይ ምግላል ስጉምቲ፡ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዓቕሚን ምንቅስቓስን ከይድርቶ ስግኣቶም ይገልፁ ኣለዉ።

ኒኪ ሃለይ፡ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፔምፖ ብሓባር ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ እዩ ነዚ ውሳነ መንግስቲ አመሪካ ዕላዊ ዝገበራ።

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንተንዮ ጉተርስ ብወገኖም ኣብ ዝለኣኹዎ መግለፂ፡ አመሪካ ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣባል ኮይና ክትቅፅል ተማሕፂኖም።

ላዕለዋይ ኮሚሽነር፡ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ነቲ ውሳነ መንግስቲ አመሪካ፡ "ብዙሕ'ኳ ዘገርም እንተዘይኮነ ዘበሳጩ እዩ" ኢሎሞ።

አመሪካ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደት፡ ምስ መክሲኮ ኣብ ዘዋስና ዶብ ከባቢ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት፡ ህፃናት ካብ ወለዶም ተፈልዮም ንክቕመጡ እትኽተሎ ዘላ ፖሊሲ ካብቲ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ነቐፈታ ምምፅኡ ስዒቡ እዩ።