"ንልኡኽ ኤርትራ ኣቀባብላ ክንገብረሉ ኢና" ሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢ

ወሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳይ ወጻኢ ኣቶ መለስ ኣለም

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ፍሉይ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ክልእኽ'የ ምባሉ ኢትዮጵያ ብጽቡቕ መልክዑ ከምእትርእዮ ወሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ መለስ ኣለም ተዛሪቡ።

"እዚ ጉዳይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጽቡቕ መልክዑ'ዩ ዝርእዮ፡ ብዙሓት ድማ ከም ሓደ ጽቡቕ ዜና'ዮም ወሲደሞ" ኢሉ ኣቶ መለስ።

ካብዚ ብተወሳኺ ዉድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኢጋድን ካልኦት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ትካላትን ሓገዝ ይገብሩ ከምዘለዉ ዝገለጸ እቲ ወሃቢ ቃል፡ ነቲ ዞባ ዓብዪ ግደ ከምዘለዎ ሓቢሩ።

"ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝህሉ ሰላም ንሰላምን ምርግጋእን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣድላይን ካብኡ ዝሓለፈ ትርጉም ዝሓዘን'ዩ" ክብል'ዉን ኣብ መግለጺኡ ኣመልኪቱ።

ስለዝኾነ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ካብ ኤርትራ ንዝመጽእ ልኡኽ ንምቕባል ምድላዉ ከምእትገብር ሓቢሩ።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ኣምባሳደራት ብዘለዎም ፖለቲካዊ ቅዋም ናብ ዓዶም ክምለሱ ጻዉዒት ከምዝተገበረሎም ሕቶ ቐሪቡ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ኣምባሳደራት ብሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢ ናብ ዓዲ ምጽዉዖም ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። ኣካል ስሩዕ ስርሖም ተገይሩ ክዉሰድ ኣለዎ" ኢሉ።

ካብዚ ወጻእ፡ "ተጸዊዖም ተባሂሉ ሽሞም ኣብ ዝተጠቐሱ ኣምባሳደራት፡ ናይቲ ጸብጻብ ትኽክለኛነት ናብ ሕቶ ዝኣቱ'ዩ" ኢሉ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ጎንጺ ንምፍታሕ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ክልቲኦም ንምስምማዕ ዝገበሮ ጻዕሪ ዕዉት ምንባሩ ሓቢሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት