መንግስቲ ኣሜሪካ ን"ተባዕ መሪሕነት" ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ንኢዱ

Image copyright Getty Images

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ኣብ መንጎአን ዝጸንሐ ግጭት ንምፍታሕን ዝምድነአን ንምምሕያሽን ወሲደንኦ ዘለዋ ስጉምቲ ንኢዱ።

"ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ነቲ ስጉምቲ ምውሳዶም ተባዕ መሪሕነት ኣርእዮም" ክብል እቲ ብክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት (ስቴት ዲፓርትመንት) ዝወጸ መግለጺ ሓቢሩ።

ዘላቒ ሰላም ንዝያዳ ብልጽግናን ምርግጋእን ክልቲኦም ህዝብታት፡ ኣሜሪካን ዓለምን ከም ዝጠቅም'ውን እቲ መግለጺ ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን።

"ከም ምስክር ናይ ስምምዕ ኣልጀርስ መጠን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ንዓወት ናይቲ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለ ምስላጥ ድልዉ ኣሎ" ኢሉ።

ተራ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳያት ጸጥታን ብልጽግናን ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ምዃኑ'ውን እቲ ትማሊ 22 ሰነ ዝወጸ መግለጺ ጠቒሱ'ሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንጻዊቱ ብምቕባል ዝሃቦ መደረ "ታሪኻዊ'ዩ" ክብል ብምግላጽ፡ ሰላም ንምርግጋጽ ምስኡ ሓቢሩ ከም ዝሰርሕ ተዛሪቡ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብኣጋጣሚ 20 ሰነ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ኤርትራ ነቲ ብኢትዮጵያ ዝተገብረላ ጻውዒት ሰላም ኣወንታዊ ምላሽ ብምሃብ፡ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም እትሰድድ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ንውሳነ ኢሂወደግ መሰረት ብምግባር፡ ነቲ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ዘለዋ "ሞት ኣልባ ኲናት" ዝበሎ ናይ ዶብ ግጭት ንምፍታሕ፡ ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝቕበሎን ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ድሉው ከምዘሎ ድሕሪ ምዝራቡ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ድሮ ክመሓየሽ ጀሚሩ'ሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት