ትራምፕ ስደተኛታት ናብ መስርሕ ቤት ፍርዲ ከይኣተዉ ክስጎጉ ፀዊዖም

ኣባላት ፅጥታ ኣሜሪካ ንስደተኛታት መጠንቀቕታ እናሃቡ Image copyright AFP/Getty
ናይ ምስሊ መግለጺ ትራምፕ ኣብ ትዊተሮም ኣብ ዶባት ጥንኩር ሓለዋ ክካየድ ኣተሓሳሲቦም

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ስደተኛታት ጉዳዮም ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረበ ብቕልጡፍ ክስጎጉ ኣብ ትዊትር ገፆም ኣታሓሳሲቦም።

"ዝኾነ ሰብ ምስመፀ ናብ ዳኛን ቤት ፍርድን ከይቀረበ ብቕልጡፍ ናብ ዝመፆ ምለስዎ" ክብሉ ፅሒፎም።

ነዚ መርገፂኦም ዘፍለጡ፡ ንህፃናት ስደኛታት ካብ ወለዶም ንምፍላይ ዝወሰንዎ ውሳነ መሊሶም ካብ ዘልዕሉ መዓልታት ምስተቖፀሩ እዩ።

"እዚ ኹሉ ስደተኛ ንሃገርና ከዕለቕልቕ ክፍቀድ የብሉን። ናብ ዝመፀሉ ክምለስ'ዩ ዘለዎ" ኢሎም።

ስደተኛ ክቕበሉ እንተኾይኖም እውን ብክእለትን ዓቕምን ጥራሕ ከምዝኸውን ሓቢሮም።

ኣብ ወርሒ ጉንበት ብዘይሕጋዊ መገዲ ንዶብ ኣሜሪካ ሰጊሮም ዝኣተዉ ስደተኛታት ብፖሊሲ "ዘይተፃዋርነት" ብገበን ተሓተትቲ ኮይኖም'ዮም።

እቶም ፕረዚደንት ኣብ ሞንጎ ብምኽንያት ቁጠባ ዝስደዱን ሓተትቲ ዕቑባን ዝህሉ ኣፈላላይ ኣየነፀሩን።

ኣብ ትዊተሮም ብዝፀሓፍዎ ፅሑፍ፡ ኣጠቓቕማ ቃላቶም ብዝምልከት ካብ ኣባላት ንሶም ዝመርሕዎ ሰልፊ ሪፐብሊካን ከይተረፈ ነቐፌታ በፂሕዎ።

ቤት ፅሕፈት ስደተኛታት ኣሜሪካ ከምዝሕብሮ ካብ 5 ግንቦት ክሳብ 9 ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ 2,342 ህፃናት ካብ 2,206 ስድራ ተፈልዮም።