መራሕቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ 'ገለ' ጉዳያት ስምምዕ በጺሖም

ሪክ ማቻር (ጸጋም) ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር (የማን) ምስ መራሕቲ ዩጋንዳን ሱዳንን Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሪክ ማቻር (ጸጋም) ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር (የማን) ምስ መራሕቲ ዩጋንዳን ሱዳንን

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪርን መራሒ ተቓዋሚ ጉጅለ ሪክ ማቻርን ኣብ ካርቱም ርእሰ-ከተማ ሱዳን ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ሰላም ኣብ ኣፈናዊ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ኣብ "ገለ ነጥብታት" ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሑን፡ ዝርዝሩ ረቡዕ ክግለጽ ምዃኑን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ ኣል ዲርዲሪ መሓመድ ኣሕመድ ተዛሪቡ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ'ዞም ክልተ መራሕቲ ዘሎ ምትህልላኽ ዝፈጠሮ ኲናት ሓድሕድ ኣሽሓት ሰባት ሂወቶም ሲኢኖም፡ ልዕሊ 4 ሚልየን ድማ ተፈናቒሎም።

እቲ እማመ ሰላም ብዞባዊ ውድብ ኢጋድ'ዩ ቀሪቡ።

ክልቲኣቶም ወገናት ቀዋሚ ምቁራጽ ረጽሚ ክገብሩ ከም ዝተሰማምዑ ገለ ጸብጻባት ካብ ኣፍሪቃ ይሕብሩ'ለው።

ፕረዚደንት ኪርን ተቓዋሚኡ ማቻርን ድሕሪ ክልተ ዓመት ንመጀመርታ እዋ'ዮም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ገጽ ንገጽ ተራኺቦም።

እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣላይነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝተፈተነ ልዝብ ብዘይ ፍረ ድሕሪ ምውድኡ'ዮም ክልቲኦም መራሕቲ ንቐጻሊ ዝርርብ ናብ ካርቱም ኣቕኒዖም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት