ኣብ ባቲ ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ ይበፅሖም ከምዘሎ ግዳያት ይዛረቡ

ምስሊ ካርታ ኢትዯጵያ

ዉሑድ ቑጽሪ ህዝቢ ዘለዋ ከተማ ባቲ፡ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መነባብሮን ዝተፈላለየ ዓሌትን ዘለዎም ህዝብታት ሓቝፋ እያ ትነብር። ኣብዚ ሰሙን ግን ብሄር ተኮር ጥቕዓት ከምዘተኣናገደት ንዓሰርተ ዓመታት መነባብረኦም ኣብኡ ዝገበሩ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ግዳያት ይዛረቡ።

ኣብዛ ከተማ ዓብዪ፣ ፊደል ቖጺሩ ኣብ ሆቴልን ሬስቶራንትን ተዋፊሩ ዝመሓደር ወዲ 27 ዓመት መንእሰይ ነዛ ከተማን ህዝባ እምበር ነቲ ሕዚ ብምኽንያት ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ ሃዲሙ ተዓቝቡሉ ዘሎ ከባቢ ዘለዎ ፍልጦ ኣይከርንኡን።

ሽሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ወላዲ ትግራዋይ እዚ መንእሰይ'ዉን እንተኾነ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣብዛ ከተማ እንትነብሩ፡ ኣብ ዓዉዲ ንግዲ ተዋፊሮም ናብርኦም ይመርሑ ነይሮም።

ሕዚ ብቲ ኣብዚ ሰሙን ኣጋጢሙ ዘሎ በብሄር ተኮር መጥቃዕቲ እዚ ስድራ ኣብ ልዕሊ ንብረቱ ካብ ዝበጽሐ ዕንወት ብዝሰገረ ኣካላዊ ጥቕዓት ተፈጺሙዎ ንግዚኡ ነብሱ ሓቢኡ ናብ ዘድሕነላ ከባቢ ምስ ካልኦት ግዳያት እዚ መጥቃዕቲ ተመዛቢሉ'ሎ።

ብፍላይ ኣብ ከተማታት ባቲ፣ ከሚሴን ሮቢትን ኣጋጢሙ ዘሎ እዚ ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ፡ ዝሓለፈ ቐዳም ከምዝተልዓለ ንብረቱ ዝዓነዎ መንእሰይ ሰለሞን ይዛረብ።

"ቐዳም 16 ሰነ፡ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንምድጋፍ ኣብ ዝተደላወ ሰልፊ ዝወጽኡ ሰባት'ዮም ኣብ ህይወትን ንብረትን ተወለድቲ ትግራይ መጥቃዕቲ ምብጻሕ ጀሚሮም" ዝብል መንእሰይ ሰለሞን፡ ዓሌታዊ ጥቕዓት ይፍጸም ከምዘሎ ይገልጽ።

ኣካላት ጸጥታ ነዚ ጉዳይ ንምህዳእ ዝገበርዎ ጻዕሪ ከምዘይነበረ ድማ ቃሎም ንቢቢሲ ዝሃቡ እዞም ግዳያት ይዛረቡ።

"ወደይ ወዲ 27 ዓመት መንእሰይ'ዩ። ኣብታ ዝዓበየላ ከተማ ሆቴልን ሬስቶራንትን ወኒኑ'ዩ ዝሰርሕ። እዞም መጥቃዕቲ ዘብጽሑ ዘለዉ ኣካላት ናቱ ስእሊ ብምሓዝ ናብቲ ሆቴል ከይዶም መጥቃዕቲ ከብጽሑ እንትብሉ፡ ኣብኡ ዝሰርሕ ዝነበረ ሰብ ወደይ መሲሉዎም ብሽም ትግራዋይ ቐቲለሞ" ይብሉ እቲ ኩነታት ዳግም ኣልዒሎም ንምዝራብ'ዉን እናጽልኦም።

ኣብዘን ዝተጠቕሳ ከተማታት ተላዒሉ ብዘሎ መጥቃዕቲ፡ ዓሌት ተኮር ብዝኾነ፡ ኣብ ትካላት ንግዲ፣ ሆቴላትን እንዳ ወርቅን ዘረፋን ዕንወትን ዝበጽሐ እንትኾን፡ ብረክት ዝበሉ ኣባይቲ'ዉን ምቅፃሎም ካብቲ ከባቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ነበርቲ እተን ከባቢታት ኣብ ልዕሊ እዞም ሰባት ዝበጽሕ ብሄር ዝፈለየ መጥቃዕቲ ንምድሓን ዝገበርዎ ጻዕሪ ዝንእዱ እዞም ግዳያት፡ ኣካላት ጸጥታ ዝቐርበሎም ዝነበረ ጻዉዒት ኣብ ምቕባል ግና ድልዉነት ይጎድሎም ከምዝነበረ ገሊጾምልና።

"ኣካላት ጸጥታ ኣብ ኣኼባ ኢና ብዝብል ክበጽሑልና ኣይከኣሉን። ሕዚ ኣእምሮይ ብትኽክል ኣይሰርሕን ዘሎ። ብዘይ ዝኾነ መንቀሳቐሲ ደቀይ ሒዘ ብምህዳም ንግዚኡ ህይወተይ ከዉሕሰሉ ኣብ ዝኽእል ከባቢ ተዓቝበ ይርከብ" ኢሎም።

ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ክህበና ንቤት ጽሕፈት ፖሊስ ከተማ ባቲ ብስልኪ ተወኪስናዮ'ኳ እንተነበርና፡ ኣብ ስራሕ ኢና ብዝብል ምላሽ ክህበና ፍቓደኛ ኣይኮነን።

ሓላፊ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን ግና እዚ ጉዳይ ኣብዚ ሰሙን ኣብዘን ዝተገለጻ ከባቢታት ጎንፂ ከምዝነበረ ብምእማን፡ እዚ ጉዳይ ዝፍጽሙ ዘለዉ ኣካላት ዘጻሪ ኮሚቴ ተጣይሹ ስራሕ ከምዝጀመረ ሓቢሮም።

"ኣብዚ ሰሙን ብዝተፈጠረ ጎንፀዒጉድኣት በፂሑ እዩ። እዚ ጠጠው ንምባልን ንምፅራይን ብሓላፊ ጉዳያት ፀጥታን ምሕደራን ክልል ዝምራሕ ሓደ ጉጅለ ተላኢኹ ኣሎ። መልክዑ እንታይ ይመስል? መንከ እዮም እዚ ጉድኣት ዘብፅሑ ዘለዉ? ዝብል ኣፃርዩ ከፍልጥ እዩ" ዝብል ምላሽ ሂቦምና።

ኮይኑ ግና ኢሎም እቶም ሓላፊ፡ ዝኾነ ኣካል ብዘለዎ ኣመለኻኽታ፡ ብሄር ኮነ ሃይማኖት ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕቲ ክበጽሖ የብሉን ብማለት ነቲ ተግባር ኮኒኖሞ።

በዚ ምኽንያት ብርክት ዝበሉ ሰባት ካብተን ከባቢታት ተመዛቢሎም ናብ ከተማ መቐለን ካልኦት ከባብታትን ዝኣተዉ እንትኾኑ ካልኦት መጥቃዕቲ ኣካል ዝበጽሖም ኣብ ሆስፒታላት መቐለን ደሴን ናይ ሕክምና ሓገዝ እናተገበረሎም ከምዝርከቡ እቶም ግዳያት ሓቢሮምልና።

ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝቢን መንግስትን ክልል ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ብወገኖም፡ እዚ ኩነታት ንምፅራይ መንግስታት ክልቲአን ክልልላት ብቐረባ ይሰርሑ ከምዘለዉ ሓቢሮም።