ፕረዚደንት ዚምባብወ ምናንግዋ፡ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብ ልዕሊኦም ፈተለ ቅትለት ከምዝፈፀመ ይኣምን

ምናንግዋ መረፃ ሃገሮም 30 ግንቦት 2018 ከምዝካየድ ኣፍሊጦም Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ምናንግዋ መረፃ ሃገሮም 30 ግንቦት 2018 ከምዝካየድ ኣፍሊጦም

ፕረዚደንት ዚምባብወ ኤመርሰን ምናንግዋ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈፀመ ፈተነ ቅትለት፡ ኢድ ናይቶም ንግሬስ ሙጋቤ ይድግፉ ዝነበሩ ጉጅለታት ምህላዉ ከምዝጥርጥር ኣፍሊጦም።

እቶም ፕረዚደንት ኣብ ዝተረኸቡሉ ህዝባዊ ሰልፊ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ ልዕሊ 40 ቆሲሎም።

ምናንግዋ ንቢቢሲ ከምዝገለፅዎ፡ ግሬስ ሙጋቤ ንፕረዚደንትነት ክዕወታ ይድግፍ ዝነበረ ተጠርጣሪ ጉጅለ (G40)፡ ነቲ መጥቃዕቲ ፈፂሙ'ዩ።

ንግሬስ በዓል ቤተን ዝኾኑ ሮበርት ሙጋቤ ካብ ስልጣኖም ኣብ ዝተኣለዩሉ እዋን፡ ኣብ ስልጣኖም ንምትካእ ድልየታት ከምዝነበራ ይግለፅ።

ምናንግዋ፡ ኣብቲ ፈተነ ቅትለት ንግሬስ ሙጋቤ ተሓታቲት ኣይገበሩን።

ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕትት፡ እቶም ጥርጡራት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝውዕሉ ተዛሪቦም።

"ሓደ ሰብ ዝፈፀሞ'ዩ ክብል ኣይክእልን፤ ካብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ ከምዝኾነ እግምት። ብዝሓረቑ ሰባት ዝተፈፀመ ፖለቲካዊ ስጉምቲ'ዩ ኢለ እሓስብ" ኢሎም።

ምናንግዋን ግሬስ ሙጋቤን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ስልጣኖም ንዝተኣለዩ ሮበርት ሙጋቤ ንምትካእ ሕፁያት ኮይኖም ቀሪቦም ምንባሮም ይዝከር።

እቲ ንግሬስ ሙጋቤ ዝድግፍ ጉጅለ ድማ 'ጀነሬሽን 40' ወይ ድማ G40 እናተባሃለ ይፅዋዕ ነይሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት