ኣብ ባቲን ኣሶሳን ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ጉድኣት በፂሑ

ክልል ቤንሻንጉል

ኣብዚ ሰሙን ይቕረታ ተዋሂቡዎም ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ህንጸትን ዝነበሩ ተኣረምቲ ናብ ስድርኦም እንትጽምበሩ ኣብ ከተማ ባቲ ኣብ ዝተዳለወ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ስዒቡ ጎንፂ ከምዝተልዓለ ሓላፊ ቢሮ ኮምዩኒኬሽን ክለል አምሓራ ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብዝተልዓለ ጎንፂ፡ ሰባት ቀሊል ከቢድን ጉድኣት ዝበጽሖም እንትኾን፡ ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ከምዝርከቡን ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ሰባት ከምዘለውን ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

ምኽንያት ኣብ ባቲ ዝተልዓለ ጎንጺ ኮሚቴ ተጣይሹ ይጻረ ምህላዉ ሓላፊ ቢሮ ኮምዩኒኬሽን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ብምክንያት እቲ ጎንፂ 11 እንዳ ወርቂን 4 ሆቴላትን ጉድኣት ዝበጽሐ እንትኾን፡ 6ተ ሰባት ቀሊል ክልተ ድማ ከቢድ መጉዳእቲ ኣካል በጺሑዎም ኣብ ሆስፒታል ባቲ ሕክምና ይረኽቡ ምህላዎም ኣይተ ንጉሱ ተዛሪቡ።

"ኣብቲ ስነ ስርዓት ብዝተፈጠረ ጎንፂ ኣብ ንብረትን ህይወትን ሓደጋ ኣብጺሑ ኣሎ። ሆስፒታል ሕክምና ዝረኸቡን ተሓኪሞም ዝወጽኡን'ዉን ኣለዉ። በዚ ሰጊኦምን ጉድኣት በጺሑዎምን ናብ መጎራባቲ ከተማ ሰመራ ዝኸዱ ተወለድቲ ትግራይ ድማ ኣለዉ" ኢሉ።

ኣብ ኣሶሳ ብዝተፈጠረ ናዕቢ ኣርባዕተ ሓለፍቲ ካብ መዝነቶም ተሰጊጎም

ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ከሚሴን ጨፋ ሮቢትን ተመሳሳሊ ሓደጋ ከይበጽሖም ሰጊኦም ካብቲ ከባቢ ዝወጽኡ ነበርቲ ከምዘለዉ ዘልዓለ ኣቶ ንጉሱ፡ በዚ ኩነታት ዝሃደሙ ኾነ ኣብ ስግኣት ዝርከቡ ሰባት ንምግርጋእ መንግስቲ እቲ ክልል ምስ ኣመሓደርቲ እቲ ዞባ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

"ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕቲ ይስርሑ'ዮም ዘለዉ። እዚ ጉዳይ ገና ዝጻረ ኾይኑ፡ ሰለስተ ሰባት ተታሒዞም ምስክር ክቐርበሎም ተገይሩ'ሎ። እቲ ከባቢ ንምግርጋእ ድማ ምስ ዓበይቲ ዓዲ ተዘትዩ ኣሎ። ኣመራርሓ ድማ ጉድኣት ዝበጽሖም ከባቢታት ዘይሮም ይርእዩ ኣለዉ"።

ኣብታ ከተማ ብዝተልዓለ ጎንፂ፡ ተወለድቲ ትግራይ ጉድኣት በጺሑዎምን ተመዛቢሎምን'ዮም ይብል ኣቶ ንጉሱ።

ኣብ ባቲ ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ ይበፅሖም ከምዘሎ ግዳያት ይዛረቡ

"ተወለድቲ ትግራይ እዚ ክልል ክልሎም ስለዝኾነ ክመዛበሉ የብሎምን። ብቐጻሊ ብዘይ ስግኣት ክነብሩ ዝኽእልሉ ምርድዳእ ንምፍጣር ጽባሕ ምስ ተወለድቲ ትግራይ ዘተ ክካየድ'ዩ" ዝብል ሓበሬታ ሂቡና።

እቲ ኣብ ቤንሻንጉል ዘጋጠመ ጎንፂ ድማ፤ ናይ ክልተ ሰባት ጽልኢ ምክንያት ከምዝኾነ ዝገልጹ ኮሚሽነር ፖሊስ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዓብደላ ሸይድ፡ እዚ ብዙሓት ናብ ስምዒት ኣትዮም ክጓነጹ ከምዝገበረ ሓቢሮም።

ቅድሚ ክልተ ቕነ ኣቢሉ ድማ ሰለስተ ኣባላት ብሄረሰብ በርታን ተወለድቲ ትግራይን ብዘይተፈለጡ ሰባት ተጨዉዮም ከምዝተወሰዱ ኮሚሽነር ዓብደላ ይሕብሩ።

"እቲ ጸገም ብቕድሚ ትማሊ'ዩ ኣጋጢሙ። ትማሊ ደሓን ዉዒሉ'ኳ እንተነበረ ሎም መዓልቲ ዳግም ተላዒሉ ኣሎ። ሰለስተ ተጋሩን በርታን ዝጠፍኡ እንትኾን ደሃዮም ንምርካብ ጻዕሪ ይግበር'ዩ ዘሎ" ኢሎም።

ክሳብ ሕዚ ዝተረጋግአ ኩነታት የለን ዝበሉ እቶም ኮሚሽነር፡ መብዛሕትኡ ብዘይተጨበጠ ነገር ይጋጮ'ኳ እንተሃለወ ምስ መናእሰይ ኣብ ዝተገበረ ዘተ ግና ምጥፋእ እዞም ሰባት ካብቶም ምኽንያታት ሓደ ከምዝኾነ ምርዳእ ተኻኢሉ'ዩ ኢሎም።

ኣብቲ ክልል ቅድም ኢሉ ከምዚ ዓይነት ጸገም ኣጋጢሙ ከምዘይፈልጥን ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ብሰላም ዝነብርሉን ከባቢ ከምዝኾነ'ዉን ገሊጾም።

እዚ ጸገም ንምፍታሕ ምስ ክልል ኦሮሚያ ብሓባር ንሰርሕ ኢና ዘለና ክብሉ ድማ ገሊጾም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት