ተጋዳላይ ኩሩቤል "ንሂወት ብምርካበይ ሰላም ረኺበ - ንሓንጎለይ ከኣ ከፊቱዎ"

ሓዳር ኩሩቤልን ሂወትን Image copyright KIRUBEL

እዚ ዛንታ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ሓዳር ኩሩቤልን ሂወትን ይግበረልኩም ኢሉ ብምጅማሩ ምኽንያት ኣሎዎ። ቀስ ኢልካ ምግንጻሉ ይሓይሽ።

"ኣብዛ ዓለም እቲ ዝዓበየ ጸጋ ሰላም ምርካብ'ዩ፣ ሰላም ከኣ ናብ ሓድሕዳዊ ፍቕርን ሓልዮትን የምርሕ። ዉግእን ቅርሕንትን ጊዜኦም ዝሓለፎም ኣምራት'ዮም። ነዚ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ፈለኽ ዚብል ዘሎ ሓድሽ ተበግሶ ሰላም ክዕወት ከኣ ተስፋ እገብር።"

"ንሕና ደቂ ሰብ ሰላም ከነስተማቕርን ናብራና ከነጣጥሕን መሰላትና'ዮም። መብዝሕትኡ ጊዜ ድማ ብእኦም ኢና ንምራሕ።

መራሕትና ኸኣ ኣብ ዉሽጢ ሃገር መሰልና እናሓለዉ ከንቡሩና፡ ምስ ጐራባብትና ብሰላም ከጻምዱና ግቡኦም'ዩ ... ኣባና ዝተጋህዱ ተርእዮታት ግን ኣይግድን። ንሰላም ዝጻረሩ ባህርያት ነይሮም፡ ኣሎዉ፡ ክህልዉ ድማ'ዮም።

"ንረብሓ ህዝቢ ያኢ ተባሂሉ መራሕቲ ሓቂ ሰዊሮም ንህዝቢ ኣብ መዓት ክኸቱ መሰል የብሎምን። ዉግእ በደል'ዩ፣ ንገሊኦም ድማ መገበቲ ስልጣን'ዩ።

"ንገለ-ገለ ኸኣ ዉግእ መዐንደሪ ባይታ ስለ ዝፈጥረሎም ሰላም ክመጽኣ ኣይደልዩን - እቲ ብውግእ ዝመጽእ ዕዳ ህዝቢ ከም ዝስከሞ ስለ ዝፈልጡ።

"ኣብ ዞባና ዚቀላቐል ዘሎ ናይ ሰላም ሃዋሁው ዝጻብእዎን ዝዕንቅፍዎን ባእታታት ኣይክሰኣኑን'ዮም - ካብ 'ኣይዉግእ- ኣይሰላም'፡ ካብ ናዕብን ሕንፍሽፍሽን ዝረኽቡዎ ረብሓ ስለ ዘሎዎም። ክንደይ ዘይረኣና!" ... እቲ ዕላል ብኣስተንትኖ ይዅለፍ።

እዚ ዘረባ'ዚ ካብ'ቲ ምስ ኩሩቤል ተስፋልደት ዝተኻየደ ዕላል ዝተወስደ'ዩ። መሸም ኣብ ዓንኬላት ኤርትራውያን ብሃንቀውታ ሰላምን ብሰውራ ኤርትራን ምዝራብ ዝውቱራት ዛዕባታት'ዮም።

እዚ ኸኣ ብረታዊ ቃልሲ ዳርጋ ንዅሉ ቤተ-ሰብ ኤርትራ ብቀረባ ስለ ዝተንከፎን ሳዕቤናት ስእነተ-ሰላም ከኣ ስለ ዝተሞከሮን'ዩ ክበሃል ይከኣል። ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ሰላም'ዩ ዝደሊ፡ ኣካይዳ መንግስቲ ግን ሓንኰልኰል ክንል'ዩ ጸኒሑ።

"ንቅሳነት ንነዊሕ እዋን ደልየያ ... ንሂወት ምስ ረኸብኩ ቀሰንኩ ... ሰላም ከኣ ኣባይ ዓሰለ።" ኩሩቤል ከምዚ ኢሉ ክምስክር ዘኽኣሎ ንምርዳእ ድሕረ-ባይትኡ ምግንጻል የድሊ።

"ኵልፈተ ሰውራ"

"ብረታዊ ቃልሲ ናብ ሰላማውን ብልጽጉን ናብራ ከሰጋግረና'ዩ ብዚብል እምነት ብዙሕ ሰብን ንዋትን'ዮም ሓሊቖም፣ ድሕሪ እቲ ህልቒት ድማ ናብ ሰላማዊ ናብራ ክንሰጋገር ኣይከኣልናን።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ መናእሰይ ተጋደልቲ ተሰውኡ፡ ሰንከሉ፡ ከምኡ'ውን ክንድኦም ዝዀኑ ገባር-ህዝቢ ጠፍኡ፡ ማእለያ ዘይብሉ ንብረት ተደምሰሰ፡ ስደትን ኵብለላን ከኣ ኣኸተለ፡... ሰላም ግን ኣይመጸን።

ጠንቂ ናይ'ዚ ሓዲግ ናብራ ራእይ-ኣልቦ ምሕደራን ሕምቀት መራሕትናን'ዩ" እናበለ ንዝሓለፈ ገድልን ንዘሎ ኵነታትን ይጭልግፎም።

ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ሰውራ ብኣድንቖት፡ ብኣስተንትኖ፡ ሓድ-ሓደ እዋን ከኣ ብቅርታ ዝለዓል ዛዕባ'ዩ። ካባታቶም ንሰውራ ከም ሓደ ዝተዀልፈ ሕልሚ ገይሮም ዝገልጹዎ'ውን ኣሎዉ።

ኩሩቤል ተስፋልደት ሓደ ካብ'ቶም "ሰውራ ተዀሊፉ" ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት'ዩ። ከምኡ ዘብሎ ምኽንያት ድማ ቃልሲ ብዘላቒ ሰላም ብዘይምድምዳሙ'ዩ - "ኣብ ሓድሕድና ዀነ ምስ ጐረባብትና ሰላም ኣይተረኽበን!" እናበለ ይገልጾ።

ቀጺሉ፡ "ብግዜ ሰውራ ብቑዓት መራሕቲ ዝነበሩና ይመስለኒ ነይሩ ግናኸ ኣይከምዝተጸበኹዎምን፡ ንህዝቢ ኣሳልዮም ናብ ዓውደ ዲሞክራሲ ከብጽሑዎ'ኳ ነይከኣሉ! ናጽነት ብመስዋእቲ ጀጋኑ ተጋደልቲ ምስ መጸት እቶም መራሕቲ ስልጣን ክብሕቱን፡ ቪላ ክግብቱን፡ ብኣርባዕተ-መንኰርኰር ዝድፍኣ ቶዮታ መካይን ሒዞም ካብ ባር-ናብ-ባር ክረኣዩን ነቲ ሰላምን ራህዋን ዝጽበ ህዝቢ ረሰዑዎ" ክብል ክሩቤል ቅሬታኡ ኣስመረሉ።

ኣስተንትኖኣዊ ዕላል

ጥቓ ቮክስሆል ስተሽን ዝበሃል ዕሙር ቦታ ለንደን ተራኺብና እናዕለልና ልብናን ቀልብናን ግን ብዘይ መደብ ናብ ሳሕል - በረኻታት ኤርትራ - ወፈረ።

ኣዘንቲኻ ዘይውዳእ፡ መስተንክር ዝዀነ ዕላል! ንድሕሪት ተመሊስካ ክትበጽሖን ከተዕልለሉን ቀሊል ይመስል - ኣኻውሕ ሳሕልስ'ምበር ክንደይ ደማት መናእሰይ ኤርትራ ዝሰተዩን ኣዕጽምቶም ዝቘራጠሙን 'ዮም!

Image copyright KIRUBEL

ምስ ኩሩቤል ዘራኽበና ምኽንያት ሓደ ፍሉይ ዛዕባ'ዩ፣ ምስ ክንዮ-ዶብ ዝሰፍር ሰብ ክትፋቐርን ሓዳር ክትገብርን ብዙሕ ዝውቱር ኣይኰነን - ምናዳ እተን ሃገራት፡ ከም ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ተጻረድቲ ምስ ዝዀና።

እዚ ሓደ ካብ'ቶም ዉግእ ዘፍርዮም ባህርያት'ዩ ክበሃል ይከኣል። ይዅን'ምበር፡ እዚ ባህርይ'ዚ ቀያዲ ኣይኰነን። ብዉሑዱ ንኩሩቤልን ንመርዓቱን ኣይቀየዶምን።

ኩሩቤል ምስ ሂወት መርዓቱ ጌና ሓደ ዓመት ዘይመልኦ ዉሉዶም እናዕበዩ ኣብ ከተማ ለንደን'ዮም ዝነብሩ። ንሱ ካብ ኤርትራ ንሳ ኸኣ ካብ ኢትዮጵያ። ዛንትኦም ድማ ፍቕሪ ገደብ ከም ዘይብሉ'ዩ ዘርኢ።

"ብእዋን ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ኣብ ቤት ትምህርቲ-ሰውራ'የ ዓብየ" እናበለ ክሩቤል ዛንታኡ ይጅምር። ብእዋን ብረታዊ ቃልሲ ካብ ፈቐድኡ ቦታታት ዝተኣከቡ መንእሰያት - ኵሎም ትሕተ-ዕድሜ - ብኣካየድቲ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ዝናበይሉ ዝነበረ እዋን'ዩ።

ናብራ ኣባላት ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ቀሊል ኣይነበረን። ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ኣብ ፈቐዶ በዓትን ኣጻድፍን ጫካን ሽንጭሮን'ዮም ተኣኪቦም ዝነብሩ ነይሮም፣ እሞ ኸኣ ካብ ወለዶምን መቕርቦኦምን ርሒቖም።

"ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ሕልሚ እንሃንጸሉ ዝነበረ እዋን'ዩ ነይሩ - ሕልሚ ጽባ'ሕ-ናጽነት። ኣነ ብወገነይ ትሕልንተኛ'የ ነይረ 'ዶ ኢለ ንነብሰይ ክገልጻ?

ይዅን'ምበር ትሕተ-ዕድመ መንእሰይ ስለ ዝነበርኩ ኵነታት ክመሚ'ውን ኣይክእልን ነይረ - ሓደ ሓቂ ካብ ዝተጋነነ ሓቂ ክፈልዮ ኣይክእልን ነይረ። ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ናይ ቀለም ትምህርቲ ጥራይ ዘይኰነስ ብፖለቲካ ዝተኸለሰ ትምህርቲ ዘንት-እለት ንመሃር ነርና።

"ምስ ብጾተይ ኣብ ካልእ ዓለም እንታይ ይካየድ ከም ዝነበረ ንምፍላጥ ረድዮ ክንሰምዕ፡ ገሌና ድማ ዝረኽብናዮም መጻሕፍቲ ጊዜ ወሲድና ከነንብብ ይዝከረኒ - ብሕልፊ'ኳ ብጆርጅ ኦርወል ዝተጻሕፈት 'ኣኒማል ፋርም' ዘርእስታ ልበ-ወለድ ኣብ ሞንጎና ህብብቲ ነበረት" እናበለ ዕላሉ ይቕጽል።

እታ መጽሓፍ ሓለፋታት-ሓለፍቲ ብንጹር እትገልጽ ኣድማዒትን ኣብ መላእ-ዓለም ኣዝያ ዉርይትን መጽሓፍ'ያ።

"ኣፍና መሊእና'ኳ ኣይንዛረበሉ መዛረቢ ነገራት፡ ማለት ኣዕጋቢ ዘይኰነ ሸነኻት መሪሕነት ሰውራ በታ መጽሓፍ ኣቢልና ክንርዳእ ጀመርና።

ዋላ'ኳ መምሃራንና ሃገራውነት ከድግሙና ህርድግ እንተበሉ ንሕና መናእሰይ ምንባርና ኣይተረፈናን፣ ኣነ ንባዕለይ ፍርቁ ቀልበይ ኣብ ካልእ ዓለም ይነብር ነይሩ ክብል እኽእል" እናበለ ንድሕረ-ባይታኡ ይብድሆ።

ክሩቤል ኣቀራርብኡ ህዱእ'ዩ ... ቃላቱ ፈቒዱ፡ ሓሳቡ እናመመየ ብዕምቘት'ዩ ዝዛረብ። ይዅን'ምበር፡ ተጓንፎታት ህይወቱ ኣብ ዉሽጡ ከም ዘዕሎብጡ ንመስተውዓሊ ሰብ ርዱእ'ዩ።

ማህሰይቲ ዝብል ቃል ደርጒሑ ምስ ገደፎ ንሰማዒኡ ሰገጥ'ዩ ዘብል።

"ኣብ እዋን ሰውራ ዘጥረናዮም ሕልምታት ሃሰይቲ'ዮም ክብል እኽእል ... ብዉሑዱ ንዓይ ሃስዮምኒ'ዮም።

ሕልምታተይ በኒኖም ! እቶም ሕልምታት ምስ ተዀልፉ ንእስነተይ ዝሃብኩሉ ቃልሲ ጕንዲ-እዝነይ ከም ዝሃረመኒ ኰይኑ ተሰሚዑኒ።

ኣነ ይዝከረኒ'ዩ ... በዓል ቢተወደድ ኣብርሃ፡ በራኺ ገብረስላሴ፡ ኣይነኣለም ማርቆስ፡ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ኣብርሃም ተኽለ ክምህሩና ከሎዉ ሚሳልነት (ኣይድያሊዝም) ከነው'ቢሉ ሒዙኒ ከም ዝነበረ - እቲ ኢጦብያነታዊ (utopian) ሸነኻት ቃልሲ ግን ድሒረ'የ ተገንዚበዮ፣ እወ፡ ዉጽኢት ቃልስና ምስ ተጨውየ። ሕጂ እዞም ስሞም ዝረቛሕኩዎም ዓበይቲ ተጋደልቲ ኣበይ ኣበሉ?

ገሊኦም ተኣሲሮም፡ ገሊኦም ከርተት እናበሉ ሓሊፎም፡ ገሊኦም ከኣ ወሰን-ወሰን ይብሉ ኣሎዉ" እናበለ የስተንትን።

"ኣብ ሰውራ ብሕልምታት ዲሞክራሲ እኹል-ትሩፍ ተማሂርና፡ ምእንት'ቲ ሕልሚ ክንብል ከኣ ተቓሊስና። ድሕሪ ናጽነት ግን ኣይኰነንዶ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ክዓስል ኣንፈቱ'ዉን ኣይረኣናን" ክብል ኩሩቤል ኣተንፈሰ።

ናጽነት ዘኸተሎ ስደት

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኻየዱ ዉግኣት ዘየናሕስዩ፡ ጭካኔ ዝመልኦም፡ ብዓሰርተታት-ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዝቐዘፈ፡ ህይወት ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ዘማዛበለ፡ ኣብ ከባቢና ሓዊ ዝኣጐደን ኣብ መንጎ ህዝብታት ከኣ ጽልኢ ዝፈጠረ'ዩ።

"ብረታዊ ቃልሲ ብሓደ ሸነኹ ኣዕብዩኒ፡ ግናኸ ንሓንጐለይ ክኸፍቶ ኣይከኣለን። ሰጥለበጥ ኢልና፡ ዕዉር እምነት ኣብ ልዕሊ መራሕትና ኣንቢርና ግንባርና ንጥይት ኣወፊና ኢና ኣሕሊፍናዮ ክብል እኽእል" እናበለ ክሩቤል ዕላሉ ይቕጽል።

"ኣብ ገድሊ ኣፍላ መንእሰይ ከሎኹ ምስ ካልኦት ብጾተይ ኰይነ መሃይምነት ህዝቢ ንከነጥፍእ ኣብ ፈቐዶ ቦታ እወፍር ነይር። ክሳብ እዚ ሕጂ ባድመ (ወረዳ ሽላሎ) ተባሂሉ ሰብ ሆ! ዝብለሉ ቦታ'ውን ከይደ ምሂረ'የ።

"ናጽነት ምስ መጸ ግን መራሕትና ንስልጣን ክጓየዩ ክብሉ ብቀረባ ተዓዚበ'የ፣ ንነብሰይ ከኣ ብዙሕ ሕቶታት ሓቲተ።

ንሕና ተራ ተገደልቲ ግን ኣብ እንታይ ዓይነት ናይ ሕሰም ኵነታት ንነብር ከም ዝነበርና ኵሉ ተጋዳላይ ክምስክረሉ ይኽእል'ዩ።

ዘመድ ዝነበሮ፡ ኣብ ወጻኢ ቀረባ ሰብ ዝነበሮ ሰለይ ክብል እቶም ዝበዝሑ ግን ተደርብዮም" እናበለ ኩሩቤል ኣብ ተዘክሮታት ቀደም ይጥሕል።

"ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዕድል ኣይገበረትን ... ናብራ ከነበ፡ ህዝቢ ኣፉ ተዓብሰ፡ ብዙሓት ተጋደልቲ ሰላሕ ኢሎም ክስደዱ ጀመሩ።

ስድራ-ቤታት ተበታተኑ፡ መንእሰይ ብዳግማይ ዉግእ ተንከላበተ፡ ብሽሾ ኸኣ ሃገሮም ገዲፎም ንስደት ኣምርሑ።

"ኣነ ኸኣ ከም ሰበይ ነታ ሓራ ዘውጻእክዋን ዝፈትዋን ሃገረይ ገዲፈ ናብ ስደት ምምራሕ መረጽኩ" እናበለ ናብ ዛንታ ስደቱ ሰገረ።

"ንሂወት ብምርካበይ ንሓንጎለይ ከፊቱዎ"

ኩሩቤል ድሕሪ ነዊሕ ጕዕዞ ኣብ ሃገረ እንግሊዝ በጽሐ። ሀ ኢሉ ድማ ናብራኡ ክሃንጽ ጀመረ። ከም ናቱ ድሕረ-ባይታ ዘሎዎም ተጋደልቲ-ነበር ሰባት ከኣ ረኸበ።

ዛንታኡ ብስደት ክድምደም ጨሪሱ ኣብ ሓሳቡ መጺኡዎ ኣይፈልጥን፡ ዀነ ግን።

ኣይሓመቐን፡ ንሓዲስ ናብራኡ ተታሓሓዞ፡ ጻዕሩ ድማ ፍርያት ክርከቦ ጀመረ። ዛንታኡን ተዘክሮታት-ሜዳን ግን ካብ ሓሳቡ ርሒቖም ኣይፈልጡን።

ከመይ ኢሉ ካብ ከረን ብ1978 ንሜዳ ከም ዝወረደ፡ ኣብኡ እንታይ ከም ዘጓነፎ፡ መዓልቲ ናጽነት፡ ከምኡ'ውን ትዕዝብትታት ድሕሪ ናጽነት ኵሉ'ዩ ዝዝከሮ።

ኣብ ዓዲ ስደት ምስ ሂወት ምስ ተራኸበ ህይወቱ ኣወንታዊ ለውጢ ኣርኣየ ...'ንሂወት ብምርካበይ ንሓንጐለይ ከፊትዎ' ዝበለሉ ምኽንያት እንታይ ኰን'ዩ?

ሂወት መበቈላ ካብ ሽዋ'ዩ። ርግጽ'ዩ ኤርትራውን ኢትዮጵያን ክመራዓዊ ሓዲስ ተርእዮ ኣይኰነን። ብኣሽሓት ዝቝጸረሩ ናይ ክልቲኦም ሃገራት ጽምድታት ነይሮም'ዮም።

እቲ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራ ደም ምፍሳስ ንዝጸንሐ ህዝቢ-ምስ-ህዝቢ ዝምድናታት በቲኹዎ'ዩ።

ክልቲኦም ህዝብታት ኣብ ሓድሕዶም ጽልኢ ሓዲሩዎም ኣብ ዘይምለስሉ ጐደናታት ከም ዝኣትዉ ተገይሩ፣ ክልቲኦም መንግስትታት'ውን ዝተጻወትዎ ተራ ኣይግድን።

መራሕቲ መንግስቲ ኸኣ፡ ሕሳቡ ንኽጥዕመሎም ፡ 'ምስ ህዝቢ ኤርትራ ጽልኢ የብልናን / ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጽልኢ የብልናን' እናበሉ ንህዝቢ ግን ብዉሽጠ-ዉሽጢ ኣስኪሮምዎ'ዮም።

ገርሂ ህዝቢ ድማ ንጽልኢ ኣምሪሖም ሆ! ኢሎም'ዮም። ጌና'ውን ይብሉ ኣሎዉ። ዶብ-ሰገር ምምርዕዓው ከም ሓጥያት ገይሮም ዝርእይዎ'ውን ኣሎዉ።

መሸም ዝነበሩ ዝምድናታት ንኽዕረዩ ጊዜ ክወስድ'ዩ።

ኩሩቤልን ሂወትን ግን በቲ ኣብ ሓድሕዶም ዝዓሰለ ፍቕሪ ተመሪሖም ነቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያንን ዝተተኽለ ጽልኢ ሓቢሮም ክምክትዎ ኸኣሉ፣ እቲ ሙዉቕ ፍቕሮም ድማ ኣብ ዉላድ ኣብጺሑዎም።

ፍቕሮም ንመራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓቢይ ኣብነት'ዩ ክበሃል ይከኣል።

"እወ፡ ንሰላም ዝመስልዎ ጸጋ የለን። ደጊመ ኸኣ እዚ ሓድሽ ተበግሶ ሰላም ክዕወት ተስፋ እገብር" እናበለ ኩሩቤል ዕላሉ ይድምድም።