ቅብፀተ ተስፋ ሰኔጋላዉያን ኣብ ዋንጫ ዓለም ብስእሊ

ተኸላካሊ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ሳሊፍ ሳኔ፡ ኣብ መወዳእታ ብዘጋጠሞም ስዕረት ሕርቃኑን ሓዘኑን ብኸምዚ ገሊፁ Image copyright Getty Images Sport
ናይ ምስሊ መግለጺ ተኸላካሊ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ሳሊፍ ሳኔ፡ ኣብ መወዳእታ ብዘጋጠሞም ስዕረት ሕርቃኑን ሓዘኑን ብኸምዚ ገሊፁ

ናብ 16 ሃገራውያን ጋንታ ክትሓልፍ ኣብ መወዳእታ በፂሓ ዝነበረት ሰኔጋል ዕድል ኣይቀንዓን። ምስ ፓጃን ተመሳሳሊ ውፅኢት'ኳ እንተነበሮም ዝበዝሕ መጠንቀቕታ ካርዲ (ቢጫ) ዝተወሃቦም ተፃወትቲ ስለዝነበርዋ ግን ካብቲ ውድድር ተሰንያ።

ንኣፍሪቃ ዝወከላ ሓሙሽተ ሃገራውያን ጋንታታት፡ ቱኒዝያ፣ ሞሮኮ፣ ግብፂ፣ ሰኔጋልን ናይጀርያን ካብ ናይ ምድብ መፃረዪ ክሰግራ ኣይከኣላን።

ካብ 1982 ንደሓር፡ ዋላ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ናብ ፀዋታታት ኣውዲቅካ ምሕላፍ ዘይከኣለትሉ ፈላማይ ዋንጫ ዓለም ኮይኑ'ሎ።

ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም'ውን ብሰንኪ ብዝሒ ቢጫ ካርድ ወይ ድማ 'ፌር ፕለይ' ብዝባሃል ሕጊ ተመሳሳሊ ነጥቢ ንዘለወን ሃገራውያን ጋንታታት ምፍልላይ ዝተኽኣለሉ እዩ።

ሰኔጋል ብኮሎምቢያ 1 ን 0 ዝተስዓረትሉ ፀዋታ ነዚ ይመስል።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ደገፍቲ ክልትኤን ጋንታታት ቅድሚ ፀዋታ ሕጉሳት ነይሮም
Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ "ናይ ቴራንጋ ኣናብስ" ዝብል ቅፅል ስም (ሳጓ) ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ንምግላፅ ነዚ ክዳንን መሸፈኒ ገፅን ተጠቒሙ
Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰኔጋል ኣብ ልዕሊ ዳስዮ ማኔ ብዝተፈፀመ ጥፍኣት ፍፁም ቅላዕ'ኳ ረኺባ እንተነበረት፡ ዳኛ ብቪድዮ ተሓገዚ ኣብ ዝገበሮ ምፅራይ ነቲ ወሲንዎ ዝነበረ ፍፁም ቅላዕ ውድቂ ገይሩ
Image copyright Alex Duval Smith/BBC
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ርእሰ ከተማ ሰኔጋል ዳካር ኮይኖም ነቲ ፀዋታ ይሪኡ ዝነበሩ ሰኔጋላውያን፡ ዳኛ ብዝወሰና ፍፁም ቅላዕ ብኸምዚ ታሕጓሶም ገሊፆም ነይሮም
Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰኔጋል ብተደጋጋሚ ዕድላት'ኳ እንተነበረት፡ ይኹን ዳኣ'ምበር'ውን እቲ ብሉፅ ኣጥቃዓይ ሳድዮ ማኔ (ፀጋም) ንክፍሊ ምክልኻል ኮሎምቢያ ክሓልፍ ኣይከኣለን
Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ተፃዋቲ ሰኔጋል ምባየ ኒያንግ ኣብ ለሊ ኮሎምቢያዊ የሪ ሚና ብዝፈፀሞ ጥፍኣት ቢጫ ካርዲ ረኺቡ፤ ይኹን ዳኣ'ምበር ንሰኔጋል ዘድከመ እዚ ቢጫ ካርዲ ኣይኮነን
Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኮሎምቢያ ኣብ መበል 73 ደቒቓ የሪ ሚና ብርእሱ ብዝወቕዓ ኩዕሶ ናይቲ ፀዋታ ብሕታዊት ሸቶ ኣመዝጊባ
Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣሰልጣኒ ሰኔጋል ኣሊዩ ሲሴ ኣብ ወሰን ሜዳ ኮይኒ ተፃወትቱ ክረጋግኡ ምልክት እናሃበ
Image copyright Alex Duval Smith/BBC
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰኔጋላውያን ነታ ናይ መወዳእታ ሰዓት ብሃንቀውታ ይፅበዩ ነይሮም
Image copyright Getty Images Sport
ናይ ምስሊ መግለጺ እታ ናይ መወዳእታ ፊስካ ኣብ ዝተነፍሓትላ ህሞት ሓዘንን ሕርቃንን ተፃወትቲ ኣብ ገፆም ይረኣይ
Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰኔጋላውያን ካብ ዋንጫ ዓለም 2018 ክሰናበቱ ከለዉ
Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ናይ ሰኔጋል ካብቲ ፀዋታ ምስንባት ኣብቲ ውድድር ዝተረፈት ወኪል ኣፍሪቃ ከምዘየላ ናይ መወዳእታ መረጋገፂ ነይሩ