ሰሙን ኣፍሪቃ ብስእሊ፡ 22-28 ሰነ 2018

ቢቢሲ ዝሓረዮም ብሉጻት ስእሊታት ኣፍሪቃ እዚ ሰሙን ነዚኦም ይመስሉ።

ኣብ ሶማሊያ ዝተመዛበለት ህጻን፡ ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ባድባዶ ኣይ ዲ ፒ ዝወሃብ ትምህርቲ እናተኸታተለት Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብዚ ሰሙን ዕለተ ሰኑይ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማሊያ ኣብ ዝርከብ መዕቖቢ ትምህርቲ እንትወሃብ "ኽምስ" እናበለት ዘርኢ ምስሊ
25 ሰነ 2018 ካብ ሞንጎ እቶም ትምህርቲ ዝወሃቦም ዝነበሩ ህጻናት ኣብ ቅድሚ ጸሊም ሰሌዳ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ስደተኛታት ዝዓቑቡሎም ቦታታት ብምኻድ ከባቢ 600 ህጻናት ኣብ ሞቓድሾ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ምሂሮም
23 ሰነ 2018፡ ኬኒያዉያን መጻምዲ መገዲ ባቡር ኣብ ዝህነጸሉ ከባቢ እናደነሱ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ኬኒያ ካብ ናይሮቢ ናብ ኔይቫሻ ዝዝርጋሕ ዘሎ ፕሮጀክት ባቡር ንምዕዛብ ኣብ ዝመጽአሉ እዋን ኬኒያዉያን መጻምዲ እንትስዕስዑ
ነዊሕ ድልድል መገዲ ባቡር ኬኒያ እንታይ ከምዝመስል ሓንቲ መኪና መሽን እናዉረደት ዘርኢ ምስሊ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ነዊሕ ድልድል መገዲ ባቡር ኬኒያ እንታይ ከምዝመስል ሓንቲ መኪና መሽን እናዉረደት ዘርኢ ምስሊ
ዝሓለፈ ሰሉስ ሄሊ ኪፕተር ኣብ ብሄራዊ ፓርክ ናይሮቢ እናበረረት Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ሄሊ ኪፕተር ኾይኑ ሓሪሽ ዓሊሙ ንምዉቓዕ ዝተዳለወ ሃዳናይ። እዚ እቲ ሓሪሽ ካብ ብሄራዊ ፓርክ ናይሮቢ ናብ ደቡብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ንክዛወር ዝዓለመ'ዩ
ኣብ ሞተር ሳይክል ዝሰርሑ ኬኒያዉያን ግጥም ዋንጫ ዓለም እናተኸታተሉ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ኬኒያዉያን ኣብ ሓንቲ መኪና ኣብ ዝተዘርግሐ መርኣዪ ምስሊ ናይጀርያን ኣርጀንቲናን ዝነበረን ግጥም ዋንጫ ዓለም እናርኣዩ
ቪክቶር ሞሰስ ጋንትኡ ናይጀሪያ ማዕረ እትገብራ ሸቶ ምስ ኣቑጸረ ተሕጓሱ እንትገልጽ ፡26 ሰነ 2018 Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ቪክቶር ሞሰስ ጋንትኡ ናይጀሪያ ማዕረ እትገብራ ሸቶ ምስ ኣቑጸረ ተሕጓሱ እንትገልጽ
ኣብ ላጎስ፡ ደጋፊ ጋንታ ናይጀርያ እናነብዐ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኾይኑ ግና እዚ ደጋፊ ላጎስ፡ ኣርጀንቲና ክልተ ሸቶ ኣቑጺራ እንትትዕወት ናይ መብዛሕትኦም ኣፍሪቃዉያን ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ሓዘን ገሊጹ
ሰዉነቶም ቀለም ዝተለኸዩ ደገፍቲ ሰኔጋል ኣብ ሩሲያ ሓሙስ 28 ሰነ 2018 Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰኔጋል እታ ናይ መወዳእታ ተስፋ ዝተገበረላ ኣፍሪቃዊት ጋንታ'ያ ነይራ። ኣብ ሩሲያ ዝነበሩ ደገፍታ ቅድሚ ናይጀሪያ ምስ ኮሎምቢያ ዝነበራ ጸወታ ምጅማሩ ሰላምታ እናሃቡ
ደገፍቲ ሰኔጋል ብዓብዪ መርኣዪ ምስሊ ምስ ኮሎምቢያ ዝነበራ ግጥም እናተኸታተሉ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ሰኔጋል ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደገፍቲ እታ ጋንታ እቲ ጸወታ ክከታተሉ'ኳ እንተጸንሑ ሸቶ ተቖጺሩ ሰኔጋል ካብቲ ምድብ ምስንባታ ምስኣረጋገጸት ግና ልቦም ብሓዘን ተሰይሩ
ደገፍቲ ሞሮኮ፡ ምስ ስፔን ዝነበረ ጸወታ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ስታዲየም ሰኑይ 25 ሰነ 2018 Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ደገፍቲ ሞሮኮ፡ ምስ ስፔን ዝነበረ ጸወታ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ስታዲየም ሩሲያ
ኣቡጃ፡ ሰንበት ሰኔጋል ምስ ጃፓን ዝነበራ ግጥም ዝርእዩ ዘለዉ ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣይቬሪኮስት ኣብ ዋንጫ ዓለም እትሳተፈሉ ዕድል ክተሳኽዕ ኣይክኣለትን። ኣፍቀርቲ ስፖርት ግና እቲ ገዕጥማት ብመስኮት ቴሌቪዥን ይከታተሉዎ'ዮም ዘለዉ።
ኣብ ማእኸል መገዲ ኩዕሶ ዝጻወቱ መናእሰይ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ርእሰ ከተማ ላይቤሪያ ሞንሮቪያ፡ እቲ መገዲ ናጻ ብምንባሩ መናእሰይ ኩዕሶ እናተጻወቱ
ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እኩባት ከራባት ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ኔልሰን ማንዴላ ኣብ ዝርከብሉ መደብር ተረኺባ። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ መበል 100 ዓመት ጀመርቲ ምንቅስቓስ ኣንጻር ኣፓርታይድ ንምብዓል ትዳሎ ኣብ ዘላ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እኩባት ከራባት ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ኔልሰን ማንዴላ ኣብ ዝርከብሉ መደብር ተረኺባ።
ሰዓብቲ "ማማን ኦላንጊ" ተባሂላ እትፍለጥ ሰባኺት ኤልዛቡጥ ዎሾ፡ ዝሓለፈ ቐዳም ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝነበረ ስነ ስርዓት ቐብራ ተረኺቦም Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰዓብቲ "ማማን ኦላንጊ" ተባሂላ እትፍለጥ ሰባኺት ኤልዛቡጥ ዎሾ፡ ዝሓለፈ ቐዳም ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝነበረ ስነ ስርዓት ቐብራ ተረኺቦም
ሰዓብቲ "ማማን ኦላንጊ" ተባሂላ እትፍለጥ ሰባኺት ኤልዛቡጥ ዎሾ፡ ዝሓለፈ ቐዳም ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝነበረ ስነ ስርዓት ቐብራ ተረኺቦም Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ኣብ ኪንሻሳ ሓዘን ሃብታም መስራቲት ቤተ ክርስቲያን ፔንተኮስታል ንምክፋል ጻዕዳ ኽዳን ተኸዲኖም
ኣልጀሪያዊት ክዋተር መሃኒ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣልጀሪያዊት ተጻዋቲት ኩዕሶ መርበብ ገምገም ባሕሪ ዝሓለፈ ሓሙስ ምስ ስፔን ኣብ ዝነበረ ጸወታ ኣብ ከተማ ስፔን ካምብሪልስ
ግብጻዉያን ኣብ ባሕሪ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ መወዳእታ ግብጻዉያን፡ መጠን ዋዒ እታ ሃገር 40 ዲግሪ ሴልሽየስ ብምብጽሑ ፈረስ ሒዞም ነብሶም ንምዝሓል ኣብ ጥቓ ካይሮ ናብ ዝርከብ ገምገም ባሕሪ

ስእሊ፡ ካብ ኤኤፍፒ፣ ኢፒኤን ሮይተርስን

ተመሳሳሊ ዛዕባታት