ጀርመን፡ ብጉዳይ ስደተኛታት ዝሓረቑ፡ ዚሆፈር፡ ካብ ስልጣኖም ክለቁ ሓቲቶም

ኣንጌላ ሜርክል (ፀጋም)፤ ሆርስት ዚሆፈር (የማን)፡ ክትዕ ኣብ ፖሊሲ ስደተኛትት ጀርመን Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣንጌላ ሜርክል (ፀጋም)፤ ሆርስት ዚሆፈር (የማን)፡ ክትዕ ኣብ ፖሊሲ ስደተኛትት ጀርመን

ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመን፡ ቻንስለር ኣንጌላ መርኬል ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ብምስምዕመዐን፡ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ከምዝሓተቱ ፀብፃባት ሓቢሮም።

ኣቦ ወንበር ክርስትያናዊ ሶሻል ሕብረት ክርስቲያን ሶሻል ዩኒየን (ሲኤስዩ) ሆርስት ዚሆፈር ቀንዲ ልፍንታዊ ስምረት (መሻርኽቲ) ኣንጌላ መርኬል እዮም። ክልቲኦም ፖለቲከኛታት ኣብ ሞንጎኦም ተፈጢሩ ብዛዕባ ዘሎ ውጥጥ ሎሚ መዓልቲ ክዘራረብሉ እዩ ይበሃል ኣሎ።

ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ዚሆፈር፤ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዶብ ጀርመን ዝርከቡ ፅግዕተኝነት ዝሓትቱ ስደተኛታት ክምለሱ ከምዝግባእ ኣጠንቂቆም ነይሮም፤ ዋላ እኳ ኣንጌላ ሜርክል ምስ ካልኦት መሻርኽተን ሃገራት ኣውሮጳ ስደተኛታት ንምጥያሽ ሓባራዊ ምርድዳእ እንተገበራ።

ውድብ ኣንጌላ መርኬል ክርስቲያን ዲሞክራቲክ ዩኒየን (ሲዲዩ) ግና፡ እተን ቻንስለር ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝሓዘኦ ፖሊሲ ብምድጋፍ፡ ሕብረት ኣውሮፓ ንስደተኛታት ዘምፅኦ ሓድሽ መፍትሒ ጠቓሚ እዩ ክብል ኣፅዲቕዎ እዩ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ሆርስት ዚሆፈር ካብ መሪሕነት ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመንን ካብ መሪሕነት ክርስቲያን ሶሻል ዩኒየንን ክወርዱ ሕቶ ምቕራቦም፡ ካብቲ ገዛኢ ውድብ ዝወፁ ሓበሬታት የረድኡ።

ዚሆፈር ትማሊ ሰንበት ምስ ማርክል ኣብ ዝነበሮም ዕፁው ዘተ፡ ውፅኢታዊ ዝርርብ ከምዘይነበረ ፍልፍላት ይሕብሩ።

ካብ መዝነቶም ክወርዱ ዝደለዩ፡ ንስደተኛታት ክሕግዙ ስለዘይደለዩ እዮም ክብሉ ድማ እቶም ፍልፍላት ወሲኾም ሓቢሮም።

ሓላቓ ባይቶ እታ ሃገር ኣሌክሳንደር ዶብሪንዲት ሓዊሱ፡ ቁልፊ ሰበ ስልጣንን ኣመራርሓ ሶሻል ሕብረት ክርስቲያን ሶሻል ዩኒየንን (ሲኤስዩ)፡ ሆርስት ዚሆፈር፡ ካብ መዝነቶም ንከይወርዱ ከእምንዎም ፈቲኖም እዮም።

መርገፂ ዚሆፈር፡ ልፍንታዊ ስምረት መርኬልን መፃኢ ፖለቲካዊ ዕድለንን ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእተወ ኮይኑ ኣሎ።

ይኹን እንበር፡ ባቫራውያን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣንጌላ መርኬል፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳ ብምዃን፡ ኣብ ስደተኛታት ዘጋጥም ዘሎ ፀገም ዕልባት ንክረክብ፡

ሃገራት ኣውሮጳ ብፍቓደኝነት መዕቖቢ ስደተኛታት ንምጥያሽ ምስምዕመዐን፡ ዚሆፈር ስልጣነይ ክለቅቅ ልዕሊ ምባሎም ዕግበት ሂብዎም ኣሎ።