መንግስቲ ኡጋንዳ ኣብ ልዕሊ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ቀረፅ ኣንቢሩ

ማሕበራዊ ድረ ገጻት
ናይ ምስሊ መግለጺ ማሕበራዊ ድረ ገጻት

ብርክት ዝበሉ ኡጋንዳውያን መንግስቲ እታ ሃገር ካብ ዘቐመጦ ቀረፅ ማሕበራዊ ሚድያታት ንምህዳም ገፆም ናብ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ቪፒኤን መሊሶም ኣለዉ።

መንግስቲ ኡጋንዳ ካብ ትማሊ ሰንበት ጀሚሩ፡ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያትት 200 ሽልንግ (ኡጋንዳ) ንክኸፍሉ ዘገድድ ሓድሽ ቀረፅ ኣንቢሩ።

ብመሰረት ሓድሽ ሕጊ መንግስቲ ኡጋንዳ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያታት፡ ፌስቡክ፣ ዋስኣፕ፣ ትዊተርን ቫይበርን፡ በብመዓልቱ ብዝተጠቐሙ ቁፅሪ እቲ ዝተወሰነ ገንዘብ ክኸፍሉ ግድን እዩ።

ፕረዚደንት ዩሪ ሚሶቬኒ፡ ፡ ማሕበራዊ ሚድያ ሓሜት ዘተባብዕ እዩ ብምባል እዮም ነዚ ሓድሽ ቀረፅ ንክትግበር ደንጊጎም።

ይኹን 'ምበር እዚ ሓድሽ ሕጊ መንግስቲ ኡጋንዳ፡ መሰል ሓሳብካ ብነፃነት ምግላፅ ዝግህስ እዩ ብምባል ብዙሓት ይኹንንዎ ኣለዉ።

Image copyright Twitter

ግልጋሎት ኢንተርኔት ቪፒኤን ግና ብመንግስቲ ሳንሱር ክኸውን ዝነበረ (ኣጠቓቕማ ኢንተርኔት) ናብ ካልኦት ሃገራት ናብ ዘለዉ ኮምፒዩተራት ብምዛር ነፃነት ዝህብ እዩ።

መንግስቲ እታ ሃገር ዘውፅኦ ሓድሽ ሕጊ ብምቅዋም፡ ኡጋንዳውያን ናብ ካልእ ኣጠቓቕማ መይላ ኢንተርኔት ዋላ እኳ እንተኣተዉ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ግና ነቲ ከም መማረፂ ዝወስድዎ ግልጋሎት ከምዝዓግቶ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ኡጋንዳ፡ ንግልጋሎት ኢንተርኔት ቪፒኤን እውን ከምዝዓግቶ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኡጋንዳ ኣብ ልዕሊ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ዜጋታቱ ስጉምቲ እንትወስድ እዚ ፈለማዩ ኣይኮነን።

ኣብታ ሃገር ኣብ 2016፡ ኣብ ዝነበረ መረፃ፡ ናይ ሓሶት ወረታት ንከይንዛሕ ማሕበራዊ ሚድያታት ተዓጊቶም ከምዝነበሩ ፕረዚደንት ሚሶቬኒ ኣዘካኺሮም።