ዩኒቨርሲቲ መቐለ: ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ፈላሚ ፀወታ ዩኒቨርሲታት ኣፍሪካ ኣሰናዲኡ

ተሳታፊት ጋንታ ስፖርት ዩኒቨርስቲ ማከረረ (ኡጋንዳ)
መግለጺ ስእሊ,

ተሳታፊት ጋንታ ስፖርት ዩኒቨርስቲ ማከረረ (ኡጋንዳ)

ካብ 18 ሃገራት ኣፍሪካ 57 ዩኒቨርሲታት ዝተሳተፍሉ 9ይ ስፖርታዊ ፃውቲ ዩኒቨርሲታት መላእ ኣፍሪካ ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ኣብ ከተማ መቐለ ይካየድ'ሎ::

ኣብቲ ብኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ (ግእዝ) ካብ 24 ክሻብ 29 ሰነ ዝዘልቕ ስፖርታዊ መድረኽ 980 ስፖርተኛታት ብ10 ዓይነታት ስፖርት ከምዝነሓንሑ ኣተሓባባሪ እቲ መድረኽ ዶ/ር ከሰተ ለገሰ ንቢቢሲ ገሊፆም::

መግለጺ ስእሊ,

ጋንታ ተሳታፊት ስፖርታዊ ውድድር ዩኒቨርስቲ መቐለ

ኣብቲ ትማሊ ዝተገብረ ድሙቕ መኽፈቲ በዓል ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት ኣብ ዝተዛረብዎ መልእኽቲ "ዩኒቨርሲቲ መቐለ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምውንጣሕ ኣብ ንገብሮ ዘለና ልዑል ፃዕሪ እቲ ሕዚ ነሰናድኦ ዘለና ስፖርታዊ ፃውቲ ዩኒቨርሲቲታት ኣፍሪካ ሓደ ኣብነት እዩ" ኢሎም።

መግለጺ ስእሊ,

ብሕብሪታት ባንዴራ ኢፌዴሪ ዝደመቐ መኽፈቲ በዓል

ኣብቲ ስፖርታዊ ፃውቲ ንኣብነት ካብ ኣብ ናይጀርያ፥ ኡጋንዳ፥ ቦትስዋና፥ ሞሪሸስ፣ ማዳጋስካር ዝርከባ ዩኒቨርሲታት ዝመፁ መናእሰይ ተምሃሮ ብኩዕሶ እግርን ኢድን ከምኡ እውን ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣትሌቲክስ ክሳተፉ ክነሓንሑ እዮም::

ኣብዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ንፈላማ ዝካየድ ዘሎ ፌስቲቫል ስፖርቲ ኣፍሪካ፡ ካብ ዓሰርተ ሓደ ንላዕሊ ዓይነታት ውድድራት ከምዝሳለጡ ምፍላጥ ተኻኢሉ።