ድምጻዊ መንእሰይ ክፍሎም ኩዳ ዓሪፉ

ድምጻዊ ክፍሎም ገብረማርያም ብፍላይ ንባህላዊ ደርፍታት ትግርኛ ጠመተ ገይሩ ዝሰርሕን ፅቡቕ ተቐባልነት ዝረኸበን መንእሰይ እዩ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, kiflom G/mariam

መግለጺ ስእሊ,

ድምጻዊ ክፍሎም ገብረማርያም ብፍላይ ንባህላዊ ደርፍታት ትግርኛ ጠመተ ገይሩ ዝሰርሕን ፅቡቕ ተቐባልነት ዝረኸበን መንእሰይ እዩ ነይሩ

ድምፃዊ ክፍሎም ገብረማርያም ብቕድሚ ትማሊ ካብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ግዜ ዕረፍቲ ናብ ትግራይ እንትምለስ ናብ ገዝኡ ናብ ውቕሮ ክኣቱ ኣጉላዕ ምስ በፀሐ ብሓደጋ መኪና ህይወቱ ስኢኑ::

ክፍሎም ምስ ተኽትንፋስ መሓዝኡ ምስ ተወልደ ገብረህይወት ይጋዓዙ ነይሮም::

መሓዝኡ ተወልደ ይዝውራ ዝነበረት መኪና ምስ ሲኖ ትራክ ብምልታመን ክልቲኦም መሓዙት ሽዑ ንሽዑ ህይወቶም ከምዝሓለፈን ተወልደ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ዝተመርዐወ ምንባሩን መታዓብይቶምን መሓዛኦምን ሃይልሽ ተስፋይ ንቢቢሲ ተዛሪቡ:

ክፍሎም ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኮሌጅ ስራሕቲ ንግዲ ብሞያ ምምሕዳር ዕድጊት ብድግሪ ምስ ተመረቐ ንሓፂር እዋን ኣብ መንግስቲ ተቖፂሩ ምስ ሰርሐ፡ ናብቲ ዝፈትዎ ሞያ ሙዚቃ ካብ ዝኣቱ 11 ዓመታት ይገብር::

ክፍሎም ኣስታት 5 ጥዑማት ደርፍታት ንህዝቢ ዘበርከተን ብፍላይ ብባህላዊ ቅዲ ሙዚቃ ብቕልጡፍ ዝተለለየን መንእሰይ ድምፃዊ እዩ ነይሩ::

"ኩዳ ልመዲ" እትብል ጥዕምቲ ደርፉ ብዙሓት ይብህግዋ:: መፀውዒቱ ኮይና ድማ "ክፍሎም ኩዳ" ተሰምዩ::

"ዛ ትግራወይቲ"፡ "ሁራ"ን "መፀለል"ን ድማ ካልኦት ፍቱዋትን ብዙሕ ኣድናቖት ዝረኸበለንን ደርፍታቱ እየን።

መግለጺ ስእሊ,

ክፍሎምን ተወልደን ዝጎዓዘላ ዝነበረት መኪና

ክፍሎም ኣብ ሙዚቃ ዓለም ርሑቕ ንምኻድን ብዙሕ ንምስራሕን ተስፋን ሕልምን ከምዝነበሮ መሓዝኡ ሃይልሽ ይገልፅ::

እኳ ደኣስ ናይ ባዕሉ ባህላዊ ጉጅለ ሙዚቃ ንምጥያሽ ኣብ ልዑል ፃዕሪ ምንባሩ ይዝክር::

ድምፃዊ ክፍሎም ኣብ ስድርኡ ምስ ሰለስተ ኣሓቱ ብሕታዊ ወዲ ምንባሩ: ወዲ 33 ዓመትን ኣቦ ሓደ ወዲ ምኳኑን መሓዝኡ ይገልፅ::

ስነ ስርዓት ቀብሪ ክፍሎምን መሓዝኡን ትማሊ ረፋድ ሰዓት 4 ኣብ ከተማ ውቕሮ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጅወርግስ ኣብ ሓደ መልግብ ተፈፂሙ::

መግለጺ ስእሊ,

ድምፃዊ ክፍሎም ገብረማርያም ምስ ተኽትንፋስ መሓዝኡ ምስ ተወልደ ገብረህይወት

ኮማንደር ተኽለሃይማኖት ደስታ ኣዛዚ ፖሊስ ትራፊክ ወረዳ ክልተኣውላዕሎ፡ ኣብዚ ከባቢ ውቅሮ-መቐለ ትራፊክ ሓደጋ ዝደጋገመሉ ዘሎ ምኽንያት እንታይ እዩ ክብል ሪፖርተርና ግርማይ ገብሩ ንዘቕረበሎም ሕቶ ምላሽ ሂቦም።

እቶም ሓላፊ ከምዝብሉዎ፡ ናይ ገናሕቲ ብትዕግስቲ ናይ ዘይምሽክርካር ጉድለትን ጥንቃቐ ዘይምግባርን ዝነቐለ እዩ።

ከምኡውን ናይቲ አቀማምጣ መሬት አፀጋሚነት ፡ የማናይ ኢድካ ሒዝካ ዘይምጉዓዝን ተደሪብካ ምኻድን ከምቀንዲ መንቀሊ ተደጋጋሚ ሓደጋታት ምዃኖም ወሲኾም። እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ እዋን ክረማት ከምዝገድድ ሓቢሮም።

ንስድራን ንፈተውትን ክፍሎምን መሓዝኡ ተወልደን ፅንዓት ንምነ::