ኣብ ኣሶሳ ዝተፈጠረ ናዕቢ ስዒቡ ኣርባዕተ ሓለፍቲ ስራሕ ካብ መዝነቶም ተሰጊጎም

ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ

ኣብ ከተማ ኣሶሳን ከባቢኣን ዝተፈጠረ ናዕብን ጎንፅን ኢድ ኣለዎም ዝተብሃሉን ሓላፍነት ዘይወሰዱን፡ ኣርባዕተ ሰበ-ስልጣን እቲ ክልል ስጉምቲ ከምዝተወሰዶም፡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ፡ ኣይተ እዮብ ሰንበቶ ንቢቢሲ ገሊፆም።

ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ከምኡዉን ኮምሽነር ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ካብ ስረሖም ክእገዱ እንከለዉ፡ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልልን ምክትሎምን ድማ ካብ ስርሖም ተባሪሮም።

ብፍላይ ድማ ምስንባት ኮማንደራት እቲ ክልል ከም ምኽንያት ዘልዕሉ ኣይተ እዮብ፡ "ህውከትን ናዕብን ኣብ ዘጋጠመሎም ከባብታት፡ ናይ ሰባት ህይወት ቅድሚ ምጥፍኡ፡ ስጉምቲ ምውሳድ ምተኸኣለ ነይሩ፤ እቲ ፀገም ድሕሪ ምግጣሙ ድማ ምቁፅፃር እናተኽኣለ፡ ህይወት 14 ሰባት ጠፊኡ። እዚ ድማ ነቶም ትካላት ብግቡእ ስለዘይመረሕዎ እዩ" ኢሎም።

እዚ ፈላማይ ስጉምቲ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፡ ኣብ ቀፃሊ ካብ ክልል ክሳብ ቀበሌ፡ መኣረሚ ስጉምትታት ከምዝውሰዱ ሓቢሮም።

እቲ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ናዕብን ህውከትን፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከምዝተረጋግዐን እታ ከተማ ሰላም ከምዝኾነትን ድማ ገሊፆምልና።

ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ትካላት ንግዲ ስረሐን ከምዝጀመራ ድማ ተዛሪቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ብምስታፍ፡ ነቲ ህዝቢ የዛትዩ ከምዘለዉ ዝገለፁ ኣይተ እዮብ፡ መናእሰይ ዘልዕልዎም ዝነበሩ ሕቶታት ንምምላስ ድማ፡ በብብርኩ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

"ክምለሱ ዝኽእሉ ሕቶታት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንምምላስ፡ መንግስቲ ብቀፃልነት ክሰርሕ እዩ" ክብሉ ሓቢሮም።

ግዳያት ሞት ካብ ዝኾኑ ብተወሳኺ፡ ቀሊል ጉድኣት ዝበፅሖም 80 ሰባት ኣብ ሕክምና ዝርከቡ እንትኾኑ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ጥቁር ኣንበሳ ከምኡዉን ጳውሎስ ሆስፒታል ዝመፁ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ኣብ ሆስፒታል ኣሶሳ ይሕክምዎም ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

"ካብዚ ዝበለፀ ሰላምን ምርግጋዕን ንኽመፅእ፡ ሕዚ ዝጀመርናዮ ምንቅስቓስ፡ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ" ዝበሉ ኣይተ እዮብ፡ ከተማ ኣሶሳ ናብ ዝነበረትሉ ኩነታት ንክትምለስ ቅልጡፍ ስራሕ ክስራሕ እዩ ኢሎም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት