ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ክልል ኢትዮ ሶማል ኣብ ልዕሊ ተሃነፅቲ ሕጊ በፂሑ ዝበሎ ግፍዒ ፀብፂቡ

ኣብ ክልል ኢትዮ-ሶማል ዝተፈፀመ ግፍዒ Image copyright HRW

ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት''ሂዩማን ራይትስ ዋች'' ኣብ ዘውፅኦ በዓል 88 ገፅ ሓድሽ ፀብፃብ፡ ኣብ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተሃነፅቲ ሕጊ፡ ብሓይልታት ፀጥታ መውቃዕትን ምዕማፅን ይበፅሖም ከምዝነበረ ገሊፁ።

እቲ ፀብፃብ ከምዝሕብሮ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከብ ቤት ህንፀት ኦጋዴን ዝሰርሑ ኣካላት ፀጥታን 'ልዩ ፖሊስ' ተባሂሎም ዝፅውዑ፡ ኣባላት ፖሊስን እዮም ነዚ መጥቃዕቲ ፈፂመሞ።

መብዛሕትኦም እሱራት ብዘይ ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝተዳጎኑ እንትኾኑ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ተባሂሉ ተበይኑ ምስ ዝነበረ፡ ግንባር ብሄራዊ ሓርነት ኦጋዴን (ኦብነግ) ርክብ ኣለኩም ብዝብል'ዮም ኣብ ቀይዲ ውዒሎም።

Image copyright HRW

''ሂዩማን ራይትስ ዋች'' ካብ 2003 ክሳብ 2010 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኦጋዴን ዝነበሩ ጥቕዓት ዝበፅሖም ልዕሊ 100 ሰባት፡ ብምዝርራብ እዩ ነዚ ፀብፃብ ኣዳልይዎ።

ኣብቲ ቤት ህንፀት ክዳኖም ንከውፅኡ ከምዝግደዱን፡ ኣብ ቅድሚ እሱራት ከምዝውቅዑ፡ ጥቕዓት ዝበፅሖም ሰባት ተዛሪቦም።

ቅድሚ ሕዚ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ተኣራሚ ዝነበረ ሰብ፡ ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ፀልማት ክፍሊ ከምዝፀንሐን፡ ካብ ክፍሉ ዝወፅእ ምሸት፡ ንሱ እውን ንክውቃዕ ጥራሕ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ብመሰረት እቲ ፀብፃብ፤ ነዚ ተግባር ዝፍፅሙ ሓለውቲ እቲ ቤት ማእሰርትን፡ ፍሉይ ፖሊስን ጥራሕ ኣይኮኑን ነይሮም። ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ቤት ህንፀት እውን ተሳተፍቲ ከምዝነበሩ ተገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ቤት ህንፀት ኦጋዴን ብዙሓት ህፃናት ከምዝተወለዱን፡ ገሊኦም ምስ ምዕማፅ ተኣሳሲሩ ከምዝኾነ እቲ ፀብፃብ ግምቱ የቐምጥ።

ሓደ ሓዲአን ደቂ ኣንስትዮ ተሃነፅቲ ሕጊ፡ ደቀን ኣብ ክፍለን ከምዝወለዳ ዝገለፃ እንትኾና፡ መብዛሕትአን ብዘይ ሓገዝ በዓል ሞያ ጥዕና ከምዝወለዳ ተዛሪበን፡ ይብል እቲ ፀብፃብ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንተሃነፅቲ ሕጊ ምውቃዕ (ምድብዳብ) ልሙድ ከምዝኾነን፡ ብዛዕባ እዚ ካብ መላእ እታ ሃገር ሓበሬታታት ከምዝበፅሖን እዩ ''ሂዩማን ራይትስ ዋች''ዝገልፅ።

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ልዕሊ ተሃነፅቲ ሕጊ ዝበፅሕ ስቓይን መውቃዕትን ዝኣመኑ እንትኾኑ፡ ነዚ ተግባር ዝፈፀሙ ኣካላት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ሓቲቶም እዮም።