ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማንዴላ ንምሕዳር 250,000 ዶላር

ማንዴላ ኣብ ማእሰርቲ Image copyright AFP

ደቡብ አፍሪቃውያን ኔልሰን ማንዴላ ንናፅነት ኣብዝቃለስሉ እዋን ተኣሲርሉ ኣብ ዝነበረ ክፍሊ ሓደ ለይቲ ክሓድሩ ዕድል ተቐሪቡሎም ኣሎ።

እዚ ብመልክዕ ጨረታ ዝወፀ ዕድል ግን ንርኹባት እዩ፤ እቲ ዝተሓተ ክፍሊት 250,000 ዶላር እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ደሴት ሮበን ዝርከብ እዚ ቤት ማእሰርቲ፡ መራሒ ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ኔልሰን ማንዴላ ን 27 ዓመታት ተኣሲሩሉ ዝነበረ እዩ።

ኣብቲ ጨረታ 67 ሰባት ከምዝሳተፉ ተገሊፁ፤ ብውሕዱ ድማ 250,000 ዶላር ክኸፍሉ ትፅቢት ይግበረሎም።

እዚ ን 12 መዓልታት ዝፀንሕ ጨረታ ኣብ መዕልቲ ውልደት ኔልሰን ማንዴላ ውፅኢቱ ብወግዒ ክግለፅ እዩ።

ካብቲ ጨረታ ዝርከብ ኣታዊ፤ ተሃነፅቲ ሕጊ ናይ ዩንቨርሲቲ ትምህርቲ ክረኽቡ ንዝገብር ትካል ክዝወሃብ ተገሊፁ።

ማንዴላ ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሐ ብ 1990 እንትኾን፤ ድህሪ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ዝተገበረ መረፃ ስዒሩ ቀዳማይ ፀሊም ደቡብ ኣፍሪቃዊ ፕሬዝደት ክኸውን ክኢሉ።

ብዙሓት ኣቦ ናፅነት ክብሉ ዝገልፅዎ ኔልሰን ማንዴላ ቅድሚ 5 ዓመት ኣብ 95 ዓመቱ እዩ ዓሪፉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት