ኣብ ድሕሪ መጥቃዕትታት ከተማታት ምዕራብ ኦሮምያ ዘሎ መን እዩ?

ኣብ ከተማታት ነቀምቴ፣ ጊምቢን ደምቢደሎን ካልኦት ከባብታት ምዕራብ ኦሮምያን ቅትለትን ኣካል ምጉዳልን ተፈፂሞም

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ከተማታት ነቀምቴ፣ ጊምቢን ደምቢደሎን ካልኦት ከባብታት ምዕራብ ኦሮምያን ቅትለትን ኣካል ምጉዳልን ተፈፂሞም እዮም። መንበሪ ኣባይቲ ተቓፂሎም፡ መንገድታት እውን ተዓፅዮም።

ነባሪ ከተማ ጊምቢ ዝኾኑ፡ ኣይተ መንግስቱ መገርሳ፡ እዘን ከተማታት ብስእነት ሰላም፡ ተሃዊኸን ከምዝቐነያ ገሊፆምልና።

ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ሰዓት፡ እቲ ኩነታት ቁሩብ ብምህድኡ፡ ዋላ እኳ ተሽከርከርቲ ምንቅስቓስ እንተኽኣላ፡ ትማሊ ግን ብዘይተፈለጡ ጉጅለታት መንገዲ ብምዕፃዉ፡ ኣርጆ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ጠጠው ኢለን ከምዝነበራ ኣይተ ጋሪ ዝተብሃሉ ውልቀ ሰብ ሓቢሮምልና።

ጆግር ኣብ ዝተብሃለ ቦታ መንገዲ ብምዕፃዉ፡ ንሓደ መዓልቲ ኣርጆ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ምስ መኪንኦም ኣብ መንገዲ ከምዝሓደሩ ድማ ይዛረቡ።

ኣብ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ኦሮምያ፡ ዋና ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ኣይተ ባይሳ ኩማ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ምዕራብ ኦሮምያ፡ ቅትለት ምፍፃሙን ኣብ ሓይልታት መንግስቲ እቲ ክልል ተኹሲ ከምዝተኸፈተን ንቢቢሲ ኣረጋጊፆም።

ከም ኣገላልፃ እቶም ዳይሬክተር ንሓይልታት መንግስታት እቲ ክልል ዕጥቆም ናይ ምምንጣልን ቦምቧ ኢድ ናይ ምድርባይን መጥቃዕትታት ከምዝተፈፀሞምን ነጊሮምና።

ዘዘራረብናዮም ኣካላት፡ ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ኣካል ኣይፍለጥን ዝብል ምላሽ ዋላ እኳ እንተሃቡና፡ ካብ ዝሓለፉ ቀረባ ኣዋርሕ ጀሚሩ ግና፡ ኣብቲ ከባቢ ብሽም ነፃነት ህዝቢ ኦሮሞ ክንቀሳቐስ ዝፀንሐ ጉጅለ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ይኹን እንበር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ኦነግ (ግንባር ሓርነት ኦሮሞ) ነዚ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ተደጋጊሙ ይግለፅ ኣሎ።

ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ፡ ንወሃቢ ቃል እቲ ግንባር ኣይተ ቶሌራ ኣዳባ ዘዘረራብናዮም እንትንኸውን፡ ኦነግ ነዚ መጥቃዕቲ ከምዘይፈፀመን ኢዱ ከምዘይብሉን ገሊፆም።

ነዞም መጥቃዕትታ ስዒቡ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝወዓሉ ውልቀ ሰባት ከምዘለዉ ዝገለፁ ኣይተ ባይሳ፡ ክሳብ ሕዚ፡ ኣብ ድሕሪ እዚ መጥቃዕቲ መን ከምዘሎ ከምዘይተረጋገፀን፡ ቐፃሊ ምርመራ ይካየድ ከምዘሎን ሓቢሮም።