100 መዓልታት ስራሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ

ኣቀባብላ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣስመራ Image copyright YEMANE G/MESKEL/TWITTER

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዉሽጢ 100 መዓልታት ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት፣ ጎረባብቲ ሃገራትን ሃገራት ዓረብን ብምዝዉዋር ብርክት ዝበሉ ዉሳነታት ግብራዊ ክኾኑ ገይሩ'ዩ። ዝሓለፈ ሰንበት ድሕሪ 20 ዓመታት ንፈላማ እዋን ናብ ከተማ ኣስመራ ብምኻድ ኣብ ዉሽጢ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ዝፈጠሮ ስምዒትን ተስፋ ሰላም ምጽራሕ ይከኣል።

100 መዓልታት ስራሕ ኣብዪ ኣሕመድ

2018

  • ኤፕሪል 2 2018, ፈላመይቲ መዓልቲ 1 ኣብ ስራሕ
    ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ቃለ መሓላ እንትፍጽም

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቦ መንበር ኢህወደግ ኮይኑ ድሕሪ ምምራጹ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ቃለ መሓላ ፈጺሙ። ኣብዚ ዕለት ብዛዕባ ሓድነትን ለዉጥን ተዛሪቡ።

  • ኤፕሪል 28 2018, ፈላመይቲ መዓልቲ 27 ኣብ ስራሕ
    ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንዓበይቲ ዓዲ ሲዳማ ሰላምታ እናሃበ

    ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ከተማታት ዝተፈላለያ ክልላት ብምዝዉዋር ነበርቲ ከዘራርብ ጀሚሩ። ኣብ ከተማ ሃዋሳ ተረኺቡ ድማ ዘመን ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ 10 ዓመት ከምዘይዛይድ ኣፍሊጡ።

  • ኤፕሪል 29 2018, ፈላመይቲ መዓልቲ 28 ኣብ ስራሕ
    ፕረዚደንት ጅቡቲ ኢስማኤል ኦማር ጊሌ (ጸጋም) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ (የማን)

    ፈላማይ ናይ ወጻኢ ሃገር ጉዕዝኡ ናብ ጅቡቲ እንትገብር፡ ኣብ ቑጠባዊ ምትእስሳርን ዞባዊ ሰላምን ዘትዩ። ኢትዮጵያዉያን እሱራት ድማ ካብ ጅቡቲ ኣፍቲሑ።

  • ሜይ 18 2018, ፈላመይቲ መዓልቲ 28 ኣብ ስራሕ
    ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ (የማን) ምስ ኣንዳርጋቸዉ ጽጌ ሰላምታ እናተለዋወጠ (ጸጋም)

    ብዜግነት ኢንግሊዛዊ ዝኾነ መራሒ ግንቦት ሸዉዓተ ኣይተ ኣንዳርጋቸዉ ጽጌ፡ ካብ ተፈሪዱዎ ዝነበረ ፍርዲ ሞት ብምሕረት ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ። ኣብ ጽባሕ ዝተፈትሐሉ መዓልቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ተራኺቡ።

  • ሜይ 18 2018, ፈላመይቲ መዓልቲ 47 ኣብ ስራሕ
    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ (ጸጋም) ልዑል መሐመድ ቢን ሳልማን ኣብዱል(የማን)

    ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝነበሮ ወግዓዊ ዑደት ስራሕ ክልተ መዓልታት ኣብ ዙርያ ክልትኣዊ ጉዳያትን ዓለምለኻዊ ዛዕባታትን ምስ ልኡል መሓመድ ቢን ሰልማን ኣብዱል ዘትዩ። ኣብዚ እዋን ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኢትዮጵያዉያን እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ኣፍቲሑ።

  • ጁን 4 2018, ፈላመይቲ መዓልቲ 64 ኣብ ስራሕ
    ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘተ

    ባይቶ ወክልቲ ህዝቢ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክጸንሕ ተኣዊጁ ዝነበረ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣልዒሉ።

  • ጁን 6 2018, ፈላመይቲ መዓልቲ 66 ኣብ ስራሕ
    ኣባላት ፈጻሚት ስራሕ ኢህወዴግ ኣብ ኣኼባ

    ገዛኢ ግንባር ኢህወዴግ፡ ኣብ ኢድ ዋንነት መንግስቲ ዝነበሩ ትካላት ቴሌ ኮምዩኒኬሽን፣ መንገዲ ኣየርን ካልኦትን ንሰብ ሃፍቲ ዉሽጢ ዓድን ወጻእን ብኽፋል ክሽየጡ ተወሲኑ። እዚ ዉሳነ ስሉጥ ዕብየት እታ ሃገር ቀጻልነት ክህልዎ ንምግባር ኣድላዪ ኾይኑ ስለዝተረኸበ'ዩ ይብል።

  • ጁን 7 2018, ፈላመይቲ መዓልቲ 67 ኣብ ስራሕ
    ኢታማጆር ሹም ምክልኻል ሃገር ነበር ጀነራል ሳሞራ ዮኑስ

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢታማጆር ሹም ሃገራዊ ምክልኻል ዝነበረ ሳሞራ ዮኑስ ብጀነራል ሰዓረ፣ ሓላፊ ጸጥታን ደሕንነትን ኣቶ ጌታቸዉ ኣሰፋ ድማ ብጀነራል ኣደም መሓመድ ተኪኡ።

  • ጁን 9 2018, ፈላመይቲ መዓልቲ 69 ኣብ ስራሕ
    ዓብይ ኣሕመድ (ጸጋም) ዩዌሪ ሙሴቪኒ (የማን)

    ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝለዓለ ሜዳሊያ ኡጋንዳ ተሸሊሙ፡ ናብ ግብጺ እንተምርሕ ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ዘትዩ። ናብ ኢትዮጵያ እንትምለስ ድማ ግብጺ ዝፈትሐቶም እሱራትን ኣባላት ኣመራርሓ ኦነግን ሒዙ ተመሊሱ።

  • ጁን 18 2018, ፈላመይቲ መዓልቲ 78 ኣብ ስራሕ
    ስእሊ ኢዱን እግሩን ዝተኣሰረ ሰብ

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር መንግስቲ እሱራት የሳቒ ምንባሩን እዚ ከኣ ሕገ መንግስታዊ ከምዘይኾነን ገሊጹ። "ምእሳርን ምስቓይን ዘይ ሕገ መንግስታዊ'ዩ። ሽብርተኝነት እቲ ሕገ መንግስቲ ካብ ዝፈቐረዶ ንላዕሊ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝግበር ስጉምቲ ዝሓወሰ'ዩ" ኢሉ።

  • ጁን 23 2018, ፈላመይቲ መዓልቲ 83 ኣብ ስራሕ
    ኣባለት ቀይሕ መስቀስ ንዝተጎድኡ እንትሕግዙ

    ቀዳም፡ 16 ሰነ ኣብ ኣደባባይ መስቀል ንድጋፍ ዝወጽኡ ሰልፈኛታት ብዝበጽሐ ምፍንጃር ቦንቧ ኢድ፡ ክልተ ሰባት ሞይቶም። ብድሕሪኡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ እቲ መጥቃዕቲ እቲ ዝነበረ ስምዒት ንምቕታል ዝተዋደደ'ዩ ክብል ገሊጹዎ።

  • ጁን 26 2018, ፈላመይቲ መዓልቲ 86 ኣብ ስራሕ
    ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ እናተቐበለ

    ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣቀባብላ ተገይሩሎም። ክልቲኤን ሃገራት ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ተቐራሪበን ኣይፈልጣን። ከም ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወጻኢ እንተኾይኑ፡ መራሕተን ኣብ ቀረባ ክራኸቡ'ዮም።

  • ጁላይ 5 2018, ፈላመይቲ መዓልቲ 97 ኣብ ስራሕ
    ባንዴራ ብሽብርተኝነት ተፈሪጁ ዝነበረ ኦነግ ኣብ መስቀል ኣደባባይ

    ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ዉዳበታት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ)፣ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን (ኦብነግ)ን ግንቦት ሸዉዓተን ተደንጊጉ ዝነበረ ብያነ ጉጅለ ራዕዲ ኣልዒሎም።

  • ጁላይ 08 2018, ፈላመይቲ መዓልቲ 98 ኣብ ስራሕ
    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ (የማን) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ (ጸጋም)

    ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣአሕመድ ናብ ከተማ ኣስመራ ተጓዒዙ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተቐቢሉዎ። ነበርቲ ከተማ ኣስመራ'ዉን ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምሉ። ዒደት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንዝሓለፉ ክልተ ዓሰርታት ዓመታት ሰፊኑ ዝነበረ ወጥሪ ክሃድእ በሪ ዝኸፈተን፡ ኣብ ሞንጎ እዘን ሃገራት ሰላም ምምጽኡ ዘመላኽትን'ዩ ተባሂሉ ኣሎ።

  • ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ቃለ መሓላ እንትፍጽም
    ቃለ-መሓላ ፈጺሙ

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቦ መንበር ኢህወደግ ኮይኑ ድሕሪ ምምራጹ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ቃለ መሓላ ፈጺሙ። ኣብዚ ዕለት ብዛዕባ ሓድነትን ለዉጥን ተዛሪቡ።

  • ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንዓበይቲ ዓዲ ሲዳማ ሰላምታ እናሃበ
    ገደብ ዘመን ስልጣን?

    ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ከተማታት ዝተፈላለያ ክልላት ብምዝዉዋር ነበርቲ ከዘራርብ ጀሚሩ። ኣብ ከተማ ሃዋሳ ተረኺቡ ድማ ዘመን ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ 10 ዓመት ከምዘይዛይድ ኣፍሊጡ።

  • ፕረዚደንት ጅቡቲ ኢስማኤል ኦማር ጊሌ (ጸጋም) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ (የማን)
    ናብ ጅቡቲ ኣምሪሑ

    ፈላማይ ናይ ወጻኢ ሃገር ጉዕዝኡ ናብ ጅቡቲ እንትገብር፡ ኣብ ቑጠባዊ ምትእስሳርን ዞባዊ ሰላምን ዘትዩ። ኢትዮጵያዉያን እሱራት ድማ ካብ ጅቡቲ ኣፍቲሑ።

  • ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ (የማን) ምስ ኣንዳርጋቸዉ ጽጌ ሰላምታ እናተለዋወጠ (ጸጋም)
    እንዳርጋቸው ጽጌ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ

    ብዜግነት ኢንግሊዛዊ ዝኾነ መራሒ ግንቦት ሸዉዓተ ኣይተ ኣንዳርጋቸዉ ጽጌ፡ ካብ ተፈሪዱዎ ዝነበረ ፍርዲ ሞት ብምሕረት ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ። ኣብ ጽባሕ ዝተፈትሐሉ መዓልቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ተራኺቡ።

  • ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ (ጸጋም) ልዑል መሐመድ ቢን ሳልማን ኣብዱል(የማን)
    ቀዳማይ ዕላዊ ጉዕዞ ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ

    ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝነበሮ ወግዓዊ ዑደት ስራሕ ክልተ መዓልታት ኣብ ዙርያ ክልትኣዊ ጉዳያትን ዓለምለኻዊ ዛዕባታትን ምስ ልኡል መሓመድ ቢን ሰልማን ኣብዱል ዘትዩ። ኣብዚ እዋን ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኢትዮጵያዉያን እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ኣፍቲሑ።

  • ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘተ
    ምልዓል ኣዋጅ ህጹጽ

    ባይቶ ወክልቲ ህዝቢ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክጸንሕ ተኣዊጁ ዝነበረ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣልዒሉ።

  • ኣባላት ፈጻሚት ስራሕ ኢህወዴግ ኣብ ኣኼባ
    ዉሳነ ፈጻሚት ስራሕ ኢህወደግ

    ገዛኢ ግንባር ኢህወዴግ፡ ኣብ ኢድ ዋንነት መንግስቲ ዝነበሩ ትካላት ቴሌ ኮምዩኒኬሽን፣ መንገዲ ኣየርን ካልኦትን ንሰብ ሃፍቲ ዉሽጢ ዓድን ወጻእን ብኽፋል ክሽየጡ ተወሲኑ። እዚ ዉሳነ ስሉጥ ዕብየት እታ ሃገር ቀጻልነት ክህልዎ ንምግባር ኣድላዪ ኾይኑ ስለዝተረኸበ'ዩ ይብል።

  • ኢታማጆር ሹም ምክልኻል ሃገር ነበር ጀነራል ሳሞራ ዮኑስ
    ላዕለዎት ኣመራርሓ ጸጥታን ደሕንነትን ምክልኻልን ሃገርን ኣልዒሉ።

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢታማጆር ሹም ሃገራዊ ምክልኻል ዝነበረ ሳሞራ ዮኑስ ብጀነራል ሰዓረ፣ ሓላፊ ጸጥታን ደሕንነትን ኣቶ ጌታቸዉ ኣሰፋ ድማ ብጀነራል ኣደም መሓመድ ተኪኡ።

  • ዓብይ ኣሕመድ (ጸጋም) ዩዌሪ ሙሴቪኒ (የማን)
    ኡጋንዳ-ግብጺ

    ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝለዓለ ሜዳሊያ ኡጋንዳ ተሸሊሙ፡ ናብ ግብጺ እንተምርሕ ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ዘትዩ። ናብ ኢትዮጵያ እንትምለስ ድማ ግብጺ ዝፈትሐቶም እሱራትን ኣባላት ኣመራርሓ ኦነግን ሒዙ ተመሊሱ።

  • ስእሊ ኢዱን እግሩን ዝተኣሰረ ሰብ
    መንግስቲ ኣብ ተግባር ሽበራ

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር መንግስቲ እሱራት የሳቒ ምንባሩን እዚ ከኣ ሕገ መንግስታዊ ከምዘይኾነን ገሊጹ። "ምእሳርን ምስቓይን ዘይ ሕገ መንግስታዊ'ዩ። ሽብርተኝነት እቲ ሕገ መንግስቲ ካብ ዝፈቐረዶ ንላዕሊ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝግበር ስጉምቲ ዝሓወሰ'ዩ" ኢሉ።

  • ኣባለት ቀይሕ መስቀስ ንዝተጎድኡ እንትሕግዙ
    ነታጒ ኣብ ሰለማዊ ሰልፊ

    ቀዳም፡ 16 ሰነ ኣብ ኣደባባይ መስቀል ንድጋፍ ዝወጽኡ ሰልፈኛታት ብዝበጽሐ ምፍንጃር ቦንቧ ኢድ፡ ክልተ ሰባት ሞይቶም። ብድሕሪኡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ እቲ መጥቃዕቲ እቲ ዝነበረ ስምዒት ንምቕታል ዝተዋደደ'ዩ ክብል ገሊጹዎ።

  • ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ እናተቐበለ
    ልኡኽ ጉጅለ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ

    ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣቀባብላ ተገይሩሎም። ክልቲኤን ሃገራት ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ተቐራሪበን ኣይፈልጣን። ከም ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወጻኢ እንተኾይኑ፡ መራሕተን ኣብ ቀረባ ክራኸቡ'ዮም።

  • ባንዴራ ብሽብርተኝነት ተፈሪጁ ዝነበረ ኦነግ ኣብ መስቀል ኣደባባይ
    ራዕደኛታት ኣይኮኑን

    ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ዉዳበታት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ)፣ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን (ኦብነግ)ን ግንቦት ሸዉዓተን ተደንጊጉ ዝነበረ ብያነ ጉጅለ ራዕዲ ኣልዒሎም።

  • ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ (የማን) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ (ጸጋም)
    ኣስመራ ኣትዩ

    ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣአሕመድ ናብ ከተማ ኣስመራ ተጓዒዙ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተቐቢሉዎ። ነበርቲ ከተማ ኣስመራ'ዉን ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምሉ። ዒደት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንዝሓለፉ ክልተ ዓሰርታት ዓመታት ሰፊኑ ዝነበረ ወጥሪ ክሃድእ በሪ ዝኸፈተን፡ ኣብ ሞንጎ እዘን ሃገራት ሰላም ምምጽኡ ዘመላኽትን'ዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ምስጋና

ምዕባለ ገጽ፡ ዊሊያም ሙሊ፣ ዲዛይን፡ ሚሊ ዋቺራ፡ ኣዳላዊ ኣገልግሎት ምብራቕ ኣፍሪቃ

ስእሊ

Getty Images, Fitsum Arega Twitter, Fana broadcasting Facebook Page, EBC Facebook Page, Yidnekew Abreha, HRW,Fitsum Arega

ተመሳሳሊ ዛዕባታት