ትዊተር ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ትምኑያት ዋንነት ተጠቀምቲ ዓጽዩ

ሎጎ ትዊተር Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ትዊተር ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣትሒዙ ኣስታት 70 ሚሊዮን ትምኑያትን ጥርጡራትን ዋንነት ተጠቀምቲ ዓጽዩ

መርበብ ሓበሬታ ትዊተር ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣትሒዙ ኣስታት 70 ሚሊዮን ትምኑያትን ጥርጡራትን ዋንነት ተጠቀምቲ (ኣካውንትስ) ከምዝዓጸወ ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ሓቢራ። ብመሰረት ጸብጻብ'ታ ጋዜጣ፡ እቲ ስጉምቲ ኣካል ናይ'ቲ ንትዊተር ንምንጻህ ዝዓለመ ዝተወሃሃደ ጻዕሪ'ዩ።

መብዛሕትኦም እቶም ጥርጡራት ተጠቀምቲ ብሕቡእ ብዕሉግን ካልእ ነውራም ጽሑፋትን ዝዝርግሑ (ትሮልስ) ወይ ከአ ንኻልኦት ፕሮግራማት ዝውክሉ ናይ ኮምፒዩተር ፕሮግራማት (ቦትስ) እዮም ይበሃል።

ትዊተር ብዛዕባ'ቲ እታ ጋዜጣ ዝበለቶ፡ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ'ሎ። እንተኾነ ግን ናይ ተጠቀምቲ ምልውዋጥ ሓበሬታ ንምምሕያሽ ይጽዕት ከምዘሎ ሓቢሩ።

ድሙን ኣንጭዋን

ትዊተር ንዓመታት ዝኣክል ነቲ ስሉጥ (ኣውቶማቲክ) ትዊት ናይ ምግባር ተግባራት ሸለል ኢልዎ ከምዝጸንሐ፡ ኣብ ኮሌጅ ዩኒቨርሲቲ ሎንዶን (ዩ ሲ ኤል) ተመራማሪ ዝኾነ ሁዋን ጉዝማን ይገልጽ።

"ክሳብ'ዚ ቀረባ እዋን፡ ትዊተር ቦትስ ጸገማት ዝፈጥሩ ኣይመሰሎን ነይሩ። በዚ ምኽንያት ድማ ንምልላዮም ጻዕሪ ኣይገበረን"ኢሉ ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ።

"ድሕሪ`ቲ ብሪጣኒያ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ንምውጻእ ዝገበረቶ ውሳነ ህዝቢን (ብረግዚት)ን ናይ 2016 ምርጫን ድማ'ዮም እቶም ቦትስ ጸገም ክፈጥሩ ጀሚሮም፡ በዚ ድማ ትዊተር ይኹን ፈይስቡክ ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ክርእይዎ ጀሚሮም" ኢሉ።

"ተጠቀምቲ ድሕነት ዘይስምዖም እንተደኣ ኮይኑ፡ ብነጻ ሓሳብካ ምግላጽ ማለት ብዙሕ ትርጉም የብሉን"ኢላ ሓላፊት ክፍሊ እምነትን ድሕነትን ትዊተር ደል ሃርቪ።

ሓደ ኣፈኛ ናይ ትዊተር ድማ እቲ ጸብጻብ ናይ ጋዜጣ ዋሺንግተን ፖስት ሓድሽ ነገር ኣይኮነን ኢሉ። እቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ድማ "ንጥዕና ህዝባዊ ምይይጥ ኣብ ትዊተር ንምምሕያሽ ክካየድ ዝጸንሐ'ዩ" ኢሉ።

ትዊተር ኣብ ልዕሊ 130 ሚሊዮን ትሑት ብቕዓት ዘለዎም ዘይድለዩ መልእኽትታት (ስፓምስ) ትዊት ዝገበሩ 142,000 ኣፕሊኬሽናት'ውን ስጉምቲ ከምዝወሰደ ሓቢሩ።

ትዊተር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ውን ንተጠቀምቲ፡ ስፓም፣ ገንዘባዊ ምትላልን ጸርፍን ንምቅላስ ዝሕግዞም ስማይት ዝተባህለ ትካል ወኒኑ'ዩ።

ጉዝማን ግን፡ ዘይተደልዩ ኢመይላት (ጃንክስ) ንምቁጽጻር፡ ንትዊተር እናሓየሎ ከምዝኸይድ'ዩ ዝገልጽ።

"ኣብ መንጎ መርበብ ሓበሬታታትን ሰራሕቲ ቦትስን ናይ ድሙን ኣንጭዋን ዝዓይነቱ ጸወታ'ሎ። እቶም ሰራሕቲ ቦትስ ንኸይርከቡ/ንኸይፍለጡ ክብሉ ቀልጢፎም'ዮም ኣሰራርሕኦም ዝቕይሩ" ኢሉ ንሱ።

"ክትርእዩ ኢኹም፡ ኣብ መጻኢ ነዞም ቦትስ ንምምቁጽጻር ክሳብ ክንደይ ከቢድ ከምዝኸውን" ድማ ኢሉ።

እቲ ጸብጻብ ናይ ጋዜጣ ዋሺንግቶን ፖስት ነቲ ናይ ትዊተር ናይ ዕዳጋ ዋጋ (ስቶክ ፕራይስ) ብ8.5 ሚእታዊት ክወደቕ ምኽንያት ከምዝኾነ ድማ ይንገር ኣሎ።

ተንታኒ ናይ ሞርኒንስታር ኣሊ ሞጋራቢ ድማ እቲ ውድቀት ናይ'ቲ ዋጋ ውሑድ ቁጽሪ ተጠቀምቲ ውሑድ ኣታዊታት ናይ መወዓውዒ (ኣድቨርታይዝመንት) ከስዕብ ይኽእል'ዩ ካብ ዝብል ኣምር ክኸውን ከምዝኽእል ግምቱ ሂቡ።

ተወሳኺ ዛንታ