ሚኒሰተር ጉዳያት ወፃኢ፡ ዕርቂ ኢትዮ-ኤርትራ መንጎኛ ኢዱ ኣይሓወሰሉን

ሚንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ መለስ ኣለም
ናይ ምስሊ መግለጺ ወሃቢ ቃል ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ፡ ኣይተ መለስ ኣለም ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ዓበይቲ ዓወታት ከምዝተሳለጡ ሓቢሮም።

ወሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ መለስ ኣለም፡ ኣብ ቀረባ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ እና ኤርትራ ዝተበፅሐ ዕርቅን ዝተፈረመ ውዕል ሰላምን ሳልሳይ አካል ኢዱ ዝሓወሰሉ ከምዘይነበረ ገሊፆም።

እቲ ቤት ፅሕፈት፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣብ ዝሓለፉ 100 መዓልታት ዘሳኽዑዎም ዲፕሎማስያዊ ርክባት ኣብ ዝዘከረሉሉ መግለፂ፡ ብፍላይ ምስ ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ንከብቅዕ ኣብይ ኣሕመድ ዓብይ እጃም ከምዝተፃወቱ ሓቢሩ።

እቲ ከይዲ ዕርቂ፡ ዝኾነ ናይ ወፃኢ ሓይሊ ኢድ ኣእታውነት ከምዘይነበሮ ድማ ወሲኹ ሓቢሩ።

"ኣብዚ ሽምግልና ዝኾነ ኢዱ ዝመለሰ ሳልሳይ አካል ኣይነበረን" ኢሎም እቶም ወሃቢ ቃል።

ቅድሚ ምፍራም እቲ ስምምዕነት፡ ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬትስ ዝኣመሰላ ሃገራት ሰላም ንክፍጠር ፃዕሪ ይገብራ ከምዝነበራ ይዝረብ።

ከሃሊጅ ታይምስ ዝተብሃለ ሎሚ መዓልቲ ዝወፀ ፍሉጥ ጋዜጣ እታ ሃገር ግና፡ ዕርቂ ኢትዮ ኤርትራ ኣብዚ ንክበፅሕ ሚኒሰትር ጉዳያት ወፃኢ ወርቅነህ ገበየሁ ንሕቡራት ዓረብ ኢሚሬትስ አመስጊኖም ምዝራቦም ፀብፂቡ።

ተወሳኺ ዛንታ