ኡጋንዳ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዓለመ ቀረጽ ትኽልስ

ሙዚቀኛን ኣበል ባይቶ ኡጋንዳ ዝኮነ ሮበርት ኣንጻር እቲ ቀረጽ ሰለማዊ ሰልፊ ከመርሕ እንከሎ Image copyright AFP

መንግስቲ ኡጋንዳ ንተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን (ሶሻል ሚድያ)ንምዝውዋር ገንዘብ ብተንቀሳቐሲ ተሌፎንን ቀረጽ ንምኽፋል ዘውጽኦ ሕጊ ይኽልሶ`ሎ።

እቲ መንግስቲ፡ ብህዝቢ ድሕሪ ዝወረዶ ቁጠዐ`ዩ ነዚ ዳግመ ግምት ክገብር ጀሚሩ።

ፖሊስ ነቶም ቀረጽ ንምቅዋም ንሰላማዊ ሰልፊ ዝወጹ ሰባት ምስ በተንዎ`ዩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሩሃካና ሩጉንዳ ነቲ ናይ መንግስቲ ናይ ክለሳ ውሳነ ዕላዊ ገይሩ።

`ሻቕሎት ናይ ህዝቢ ኣብ ግምት ብምእታውን ጽልዋኡ ኣብ ባጀት መንግስትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ መንግስቲ ነቲ ቀረጽ ይኽልሶ ኣሎ` ኢሉ።

ብተወሳኺ `ፕረሲደንት ሙሰቨኒ ኣብ`ቲ ጉዳይ መምርሒ ድሕሪ ምሃብ፡ ባጀትና ንምሽፋን እቲ ዝድለ ኣታዊታት ብኸመይ ክንረኽቦ ከም እንኽእል ኣብ`ቲ ጉዳይ ምርድዳእ ንኽህሉ ተወሳኺ ልዝብ ክህሉ ድማ ኣተባቢዑ`ሎ` ኢሉ።

Image copyright AFP

ዳግመ ክለሳ ዝተገብረሉ ባጀት ናይ`ታ ሃገር ድማ ን19 ሓምለ ናብ ፓርላማ ክቐርብ`ዩ።

ፕረሲደንት ዮወሪ ሙሰቨኒ ኣታዊታት መንግስቲ ንምኽዕባትን ብመንገዲ ዎትስኣፕ፣ ፈይስቡክን ትዊተርን ንምቁጽጻርን ኢሉ`ዩ ነቲ ቀረጽ ኣታኣታትይዎ ነይሩ።

ነቐፍቲ ግን እቲ ወዲ 75 ዓመት ፕረሲደንት ዝተፈለየ ሓሳብ ንዘለዎም ዘባት ሓሳባቶም ብነጻ ንኸይገልጹ ንምዕፋን ክጥቀመሉ ከምዝደለየ ወቒሶሞ።

እቲ ቀረጽ ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ንተጠቀምቲ`ቲ ብኦቨር ዘ ቶፕ (ኦ ቲ ቲ) ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ `ቮይስ ኤንድ መሰጂን ኦቨር ዘ ኢንተርኔት` ኣገልግሎት ዝህብ ክፋል ዒላማ ዝገበረ`ዩ ይበሃል።

ተጠቀምቲ ድማ ኣቐዲሞም ብኤለክትሮኒካዊ መንገዲ ናይ 200 ሽልን ናይ ኡጋንዳ (0.05 ዶላር) ክኸፍሉ ይሕተቱ።

እቲ ዝኽፈል መጠን ቀረጽ ሒደት`ኳ እንተኾነ፡ ዓቢ ክፋል ስኡናት ሕብረተሰብ ኣብ ኢንተርኔት ንምእታው (ኦንላይን ንምዃን) ናይ ዝኸፍልዎ መጠን ገንዘብ ምዃኑ ተሓለቕቲ ይዛረቡ።

እዚ ድማ ነቶም ኣገልግሎት ባንክ ዘይጥቀሙ ስኡናት ኡጋንዳውያን ይሃስዮም።

Image copyright Reuters

እቲ ሓድሽ ቀረጽ ኣብ ፈለማ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ`ዩ ተግባራዊ ኮይኑ። እቲ መንግስቲ ግን በዚ መንገዲ`ዚ ክንደይ ዝኣክል ኣታዊ ክረክብ ከምዝዓለመ ፍሉጥ ኣይኮነን።

ገለ ሰባት ግን እቲ ቨርቹዋል ፕራይቨት ኔትወርክ ዝበሃል ኣገልግሎት ብምጥቃም ካብ`ቲ ቀረጽ ክሃድሙ ጸኒሖም ኣለዉ።

ብመሰረት ጸብጻብ ማኦከን ዜና ኤ ኤፍ ፒ፡ ፖሊስ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ጠያይትን ተጠቒሞም ነይሮም፡ ክልተ ሰባት ድማ ኣሲሮም።

እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ በቲ ብኣፍቀርቲ ደርፍታቱ ቦቢ ዋይን ተባሂሉ ዝፍለጥ ህቡብ ኡጋንዳዊ ደራፋይን ኣባል ፓርላማ`ታ ሃገርን ዝኾነ ሮበርት ቻጉላኒ`ዩ ተመሪሑ።

ፖሊስ ካኣስርዎ ከምዝፈተኑን እንተኾነ ግን ሰልፈኛታት ኣክቢቦም ስለዝዓገትዎ ክሰልጦም ኣይከኣለን።

ኣፈኛ ፖሊስ ሉክ ኦዎየሲጊረ ግን እቲ ሰልፈ ሕጋዊ ኣይነበረን፡ ገለ ኣባላት ፖሊስ ድማ መጥቃዕቲ ወሪድዎም ኣሎ ኢሉ።

Image copyright AFP

ፕረሲደንት ሙሰቨኒ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ንሚኒስትሪ ፋይናንስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ `ንሳዕቤናት ሓሜት ንምቁጽጻር` ቀረጽ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ክተኣታቶ ከምዘለዎ ሓቢሩ ነይሩ።

ጸኒሑ ድማ ምክትል ፋይናንስ ሚኒስተር ዴቪድ ባሃቲ እቲ ሓድሽ ቀረጽ ኡጋንዳ ንዘለዋ ሃገራዊ ዕዳ ንምኽፋል ከምዝሕግዛ ንፓርላማ ሓቢሩ።