ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ "ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ፡ ኣብ ክልል ሶማል ዝፍፀም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይቃወሙ ነይሮም"

ኣይተ ኣብዲ ኢሌ Image copyright BBC Somali

ርእሰ-ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣይተ ኣብዲ ሞሓመድ ብፍላይ ብዛዕባ ኣይተ ጌታቸው አሰፋ ንመራኸቢ ሓፋሽ ክልሎም ዝተዛረቡዎ አዘራራቢ ኮይኑ።

ኣይተ ኣብዲ 100 መዓልታት ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣመልኪቶም እቶም ዝመፅኡ ለውጥታት ከምዝድግፉ ገሊፆም።

"ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ንህዝቢ እቲ ክልል ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ሰሪሕና ኢና። ኣብ ከይዲ እዚ ስራሕ እውን ስሕተተት ፈፂምና ኢና። እዚ ግዘ ናይ ይቕረታ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ንዝሰራሕናዮ ስሕተት ይቕረታ ንሓትት። ስሕተቱ ዘይቕበል ሰይጣን ጥራሕ እዩ" ኢሎም።

ካብ መግለፂ ኣይተ ኣብዲ፡ ቀልቢ ብዙሓት ዝሰሓበ ግና፡ ቅድም ኢሎም ዋና ዳይሬክተር ብሄራዊ መረዳእታን ድሕንነትን ኣገልግሎት ንዝነበሩ ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ኣመልኪቶም ዝሃብዎ መግለፂ እዩ።

"ጌታቸው ሙሰኛ፣ ሌባን ንዓርሱ ዝፈትውን እዩ" ኢሎም ተዛሪቦም።

ኣይተ ኣብዲ፡ "ምምሕዳር ክልል ኮይነ ናብ ናይ ጌታቸው ቢሮ ክኣቱ ዝኸኣልኩ ድሕሪ 10 ዓመታት እዩ። ኣይተ ጌታቸው፡ ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ንምንታይ ካብ መራኸቢ ሓፋሽ ተሓቢኡ ፀኒሑ? ሓላፊ ስለላ ኣሜሪካ እኳ፡ ናብ ህዝቢ ወፅዩ መግለፂ ይህብ እዩ። ንሱ ግና ተንኮል እንተዘይሰሪሑ ንምንታይ ተሓቢኡ?" ኢሎም።

"ወላዲየይ ኣብ መገዲ እናተጉዓዘ ከሎ እዩ ብጥይት ተቐቲሉ"

ዘይተዛዘመ ጉዳይ ኦሮሚያን ሶማሌን

ጎንፂ ኦሮሚያን ሶማሌ ኢትዮጵያን፥ ሓሙሽተ ቀንዲ ዛዕባታት

"ነቲ ነዳዲ ናይ ምውፃእ ስራሕ ደው ንምባል ዝከኣለና ክንገብር ኢና"

ኣብ 2006 ዓ/ም 29 ሕዳር ኣብ ክልል ሶማሌ ከተማ ጅግጅጋ ኣብ ዝተኸበረ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ነበር ኣይተ ኃይለማርያም ደሳለኝ ንከይርከቡ ዝኸልከሎም፡ ኣይተ ጌታቸው እዩ ኢሎም ኣይተ ኣብዲ።

"ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮፍ ኢሉ፡ ምምሕዳር ክልላት ይሸይም" ዝበሉ ኣይተ ኣብዲ፡ ኣይተ ጌታቸው፡ ነዚ ሕዚ ዝመፅእ ዘሎ ለውጢ ዕንቅፋት ክኸውን እዩ" ብምባል ተዛሪቦም።

ክሲ ኣይተ ኣብዲ፡ ንምንታይ ሕዚ?

ኣይተ ኣብዲ ኣብ ክልል ሶማሌ ዝተፈፀመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ብዙሓት ይኹንንዎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ተፀዋዕነቶም ነቶም ፕረዚደንት ብዝኾነ፡ ፍሉይ ፖሊስ እታ ክልል ዝፍፀሙ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት፡ ኣይተ ኣብዲ ኢለ ተሓታቲ ክኾኑ ከምዝግበኦም፡ ሂውማን ራይትስ ዎች ሓዊሱ፡ ዝተፈላለዩ ኣካላት የገንዝቡ።

ኣብ ቀረባ እዋን ሂውማን ራይትስ ዎች፡ 'ዊ ኣር ላይክ ዘዴድ' ( ዳርጋ ዝሞትና ኢና) ብዝብል ርእሲ ኣብ ዘውፅኦ ሓድሽ ፀብፃብ፡ ኣብ ክልል ሶማሌ ዝርከቡ እሱራት፣ መግረፍቲ፣ ምዕማፅን፡ ወድሰብ ልዕሊ ዝሓስቦ ስቅያት ከም ዝበፅሖምን፡ ከምዝንገላትዑ ሓቢሩ።

ነዚ ብድዐ ይፍፅሙ ዝነበሩ ድማ፡ ሓለይቲ እቲ ቤት-ማእሰርትን ፍሉይ ፖሊስ ክልል ሶማሌን ከምዝኾነ እቲ ፀብፃብ ኣቃሊሑ እዩ።

ኣይተ ኣብዲ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሓላፍነቶም ንክለዓሉ ንዝተገበሩ፡ ዋና ዳይሬክተር ሃገራዊ መረዳእታን ድሕንነትን ኣገልግሎት ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ንምንታይ ብልዑል ብርኪ ክኹንኑ ደልዮም? ዝብል ሕቶ ብዙሓት ኮይኑ ኣሎ።

ውሽጣዊ ምምሕዳር ክልል ሶማሌን ኣይተ ኣብዲን ኣፀፅየ እየ ዝፈልጦ ዝብሉ፡ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ኣይተ ሙስጠፋ ዑመር፡ ኣይተ ጌታቸው ኣብቲ ክልል ክፍፀም ዝፀንሐ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ስርዓት ኣልቦነትን ይቃወሙ ምንባሮም ንቢቢሲ ኣረዲኦም። "ንነዊሕ እዋን ኣብ መንጎኦም ፅቡቕ ርክብ ኣይነበሮምን"።

ኣይተ ኣብዲ፡ ሐዚ ከምኡ ዝበልሉ ብዋናነት፡ ክልተ ምኽንያታት የቐምጡ።

ሐዚ ከምዚ ዓይነት ምኹናን ዝመረፅሉ ምኽንያት፡ " ኣካል እዚ ሓድሽ ፖለቲካዊ ለውጢ ኮይኖም ኣብ ስልጣን ክፀንሑ ስለዝደልዩ እዮም። ኣይተ ጌታቸውን ካልኦት ውልቀ ሰባትን ይፅምዎም ዝነበሩ ዝበልዎም ዕላዊ ምግባሮም ' ተኣማንነት የትርፈለይ' ኢሎም ብምእማኖም እዩ" ይብሉ።

"ቅድሚ ዝተወሰኑ መዓልታት፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እቲ ክልል ኣብ ዝተኣከበሉ እዋን፡ ኣይተ ኣብዲ ሓደ ፀሊም ሳንጣ ሒዞም መፂኦም። ካብኡ፡ ኣብዚ ሳንጣ፡ ብዙሕ ሚስጥራት ኣለዉኒ። ሰበ-ስልጣን እቲ ክልልን ፌደራል መንግስትን ዝፈፀምዎ ሚስጢራት ኣብ ኢደይ ኣሎ ኢሎም የፈራርሑ ነይሮም" ክብሉ ይዛረቡ።

ከምኡ ድማ ኣይተ ጌታቸው፡ ኣይተ ኣብዲ ካብ መዝነቶም ክለዓሉ ክልተ ሰለስተ ግዘ ፈተነ ከምዘካየዱ ይዛረቡ።

"በዚ ምኽንያት፡ ሕነ ንምፍዳይ ክኾን ይኽእል እዩ" ኢሎም።

ኣብ መግለፂኦም፡ "ኣይተ ጌታቸው ምስተባረረ ድዩ ከምዚ ዝብል ኢሉ ዝጠራጠረኒ ኣይህልውን" ዝበሉ ኣይተ ኣብዲ፡ ንኩሎም ኣባላት ማእኸላዊ ኮሚቴ ኢህወዴግ ጥርዓን ምቕራቦም ወሲኾም ሓቢሮም።

ምክትል ኣደ-መንበር ህወሓትን ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ኢህወዴግን ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገብረ እግዚኣብሔር፡" ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝፈልጦ ነገር የለን። ብውልቀይ ድማ ዝሰማዕኹዎ ነገር የለን። ከምዚ ዓይነት ቅረታ እንድሕር ኣለዎ፡ ዝቐርበሉ ሕግን ስርዓትን ኣሎ። ከምዚ ዓይነት ጥርዓን ንማእኸላይ ኮሚቴ ዝቐርብ'ውን ኣይኮነን" ዝብል መልሲ ሂበናና።

እዚ ጉዳይ ኣመልኪትና ሕቶ ዘቕረብናሎም ካሊእ ሓላፊ ኮምኒኬሽን ቤት ፅሕፈት ኢህወዴግ ኣይተ ሳዳት ብወገኖም ፡ "ኣይተ ኣብዲ ዝሃቡዎ መግለፂ ሪአዮ ኣለኹ ። ይኹን'ምበር ብፅሑፍ ኮነ ኣብ አኼባ ብግሉፅ ብቃል ከምዚ ዓይነት ጥርዓን ከቕርቡ ሪአን ሰሚዐን ኣይፈልጥን" ኢሎም።

ኣይተጌታቸው አሰፋ መን እዮም?

ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ግልጋሎት ሃገራዊ ሓበሬታን ድሕንነት ንነዊሕ እዋን ብዋና ዳይሬክተርነት ዝመርሑ እንትኾኑ ብዛዕባ መንነቶም ብዕሊ ዝፍለጥ ነገር የለን።

ኣብ መቐለ ዝተወለዱ ኣይተ ጌታቸው፡ ኣብ ዕድመ ንእስነቶም ትምህርቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ዊንጌት ከምዝተኸታተሉ ይዝረብ።

ፀረ ስርዓት ደርግ ኣብ ዝተኻየደ ብረታዊ ቓልሲ ተሳቲፎም እዮም። ሐዚ ድማ ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ህወሓትን ኢህወዴግን እዮም።

ንነዊሕ እዋን ነዚ ቤት ፅሕፈት ዝመርሑ ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ፡ ምስ ምምፃእ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ተኣሳሲሩ ካብ መዝነቶም ተልዒሎም፡ ብጀነራል ኣደም መሓመድ ድማ ተተኪኦም።

ተወሳኺ ዛንታ