ናይጄሪያዊ በዓል ጸጋ አሊኮ ዳንጎቴ በዓልቲ ቤት ትኾኖም ሰበይቲ የናድዩ

አሊኮ ዳንጎቴ Image copyright STEPHANE DE SAKUTIN

ቀዳማይ ናይ ኣፍሪቃ በዓል ጸጋ ኣሊኮ ዳንጎቴ በዓልቲ ቤት ትኾኖም ሰበይቲ የናድዩ ከም ዘለዉ፡ ፋይናንሻል ታየምስ ዝተብሃለ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝሕተም ጋዜጣ ድሕሪ ምጽሓፉ፤ ብዙሓት ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ተጠቀምቲ ትዊተር ንሓዳር ቅሩባት ምዃነን ይገልጻ ኣለዋ።

"ናብ ቁልዕነት ክምለስ ኣይክእልን እየ። ሱሳ ዓመት ቀሊል ኣይኮነን፤ ግና ሱቕ ኢልካ ከኣ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ንሓዳር ኣይሕተትን። ምኽንያቱ ግዜ ብሓደ ክተሕልፍ እንተዘይክኢልካ እንታይ ይዓብስ?" ክብሉ ርእይቶኦም ነቲ ጋዜጣ ተዛሪቦም።

ኣቶ ዳንጎቴ ወሲኾም "ሕጂ ኣዝዩ ወጥሪ ብዝበዝሖ ስራሕ ተታሒዘ እየ ዘለኹ፤ ኣብ ዳህሳስ ነዳዲ፡ ምዉጻእ ማዕድናት፡ ድኹዒ ከምኡ'ዉን ባህርያዊ ነዳዲ ኣብ ምጉዕዓዝ ኢና ንነጥፍ ዘሎና። ቅሩብ ክረጋጋእ ይደሊ" ኢሎም።

ኣቶ ዳንጎቴ ሰበይቲ ይደልዩ ከም ዘለዉ ምስ ተሰምዐ፡ ብዙሓት ተወሳኺ ሓበሬታ ዝደለያ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝደወላሉ፤ ኣፎዳ ሳሙኤል ዝተብሃለ ኣብ ናይጀርያ ፍሉጥ ዝኾነ ጋዜጠኛ ኣብ ኢንስታግራም ጽሒፉ ኣሎ።

ሓደ ተጠቃሚ ትዊተር ድማ፡ 'እቲ ሰብኣይ ጾታ ዘይመርጽ እንተኾይኑ፡ ክምርዓዎ ድልዉ እየ፤ መግቢ ምስራሕ፡ ምእላይ ገዛን ካልእ ዝደልዮ ጠለባትን ከማልእ ድልዉ ኢየ' ብምባል ኣብ ትዊተር ዝጸሓፎ ንብዙሓት ኣገሪሙ እዩ።

ብወገን ተጠቀምቲ ትዊተር ዝመጽእ ዘሎ፡ 'ንዓይ ተመርዖ' ዝብል ጠለባት ዘየሐጎሶ ካልእ ተጠቃሚ ትዊተር፤ ዳንጎቴ ኣብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ንምብጻሕ ክንደይ ከም ዝጸዓረን፡ ዕዉት ንምዃን ክንገብሮ ብዛዕባ ዘሎና 'ዉን እንተተዛረበ፡ ሰባት ግና ኣብቲ ናይ ሓዳር ጥራይ ምትኳሮም፤ ግቡእ ኣይኮነን ኢሉ።

ብዘለዎም ናይ ስራሕ ጸቕጢ ኣብ መዓልቲ ንሓሙሽተ ሰዓታት ጥራይ ከም ዝድቅሱ ዘተዛረቡ፡ ኣሊኮ ዳንጎቴ ንእንግሊዛዊት ክለብ ኣርሰናል ናይ ምዕዳግ ዉጥን ከም ዘለዎም ሓቢሮም ኣለዉ።