ትራምፕ ኣብ ኣፍሪቃ ንዘለዉ 'ሕሱማት' ጎንፅታት ደው ንምባል ፈኪሩ

ትራምፕ Image copyright AFP

ፕረሲደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኣፍሪቃ ንዘለዉ 'ሕሱማትን ጎነጻውያንን' ግጭታት ንኸብቅዑ ክጽዕት ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

'ኣብዚ ኣዋን'ዚ፡ ኣፍሪቃ ብዙሓት ሰባት ዘይርድእዎ ጸገማት ኣለዉዋ' ኢሉ ንሱ ኣብ መወዳእታ ኣኼባ መራሕቲ ቃል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።

'ኣጋጢምዋ ዘሎ ጸገም ኣዝዩ ሕማቕ'ዩ። ኣዝዩ ሕሱምን ጎነጻውን'ዩ' ኢሉ። ንወተሃደራዊ ሓይሊ ኣሜሪካ ኣደንፊዑ ኣብ ዓለም ሰላም ናይ ምስፋን ዕላማ ከምዘለዎ ድማ ገሊፁ።

ኣሜሪካ ኣብ ወፍርታት ኣንጻር ግብረ-ሽበራን፡ ኣፍሪቃውያን ወተሃደራት ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ንዝርከቡ ጂሃዳውያን ንምቅላስ ዘኽእሎም ኣድላዪ ስልጠና ኣብ ምሃብን ትነጥፍ'ያ።

እቲ ወዲ 72 ዓመት ኣሜሪካዊ መራሒ ኣብ'ቲ ኣብ ርእሰ ከተማ በልጀም ብራስለስ ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ መራሕቲ ኔቶ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣባል ሃገራት ኔቶ ወተሃደራዊ ባጀተን ከዕብያ ምስምምዐን'ውን ገሊጹ።

'ኣብ ኣፍሪቃ ሰላ ክሰፍን ንደሊ ኢና'

እቲ ንኣፍሪቃ ዝምልከት መደረኡ፡ ሓደ ቱኒዝያዊ ጋዜጠኛ፡ ኣሜሪካ ነታ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት እስላማውያን ዝንቀሳቐሱላ ቱኒዝያ ንምሕጋዝ ንእትገብሮ ጻዕርታት ድሕሪ ምምስጋኑ'ዩ ስዒቡ መጺኡ።

እታ ኣህጉር 'ሓደ'ኳ ካብዞም ኣብዚ ክፍሊ ዘለዉ ሰባት ክኣምኖ ዘይክእል' ጸገማት የጓንፋ'ሎ።

'እቲ ኣነ ብመንገዲ ጸብጻባት ትካላት ስለያ ብዛዕባ ኣፍሪቃ ዝርእዮ ኣንተትርእይዎ ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ፣ ኣዝዩ ሕሱምን ጎነጻውን'ዩ' ኢሉ።

'ኣብ ኣፍሪቃ ሰላም ክሰፍን ንደሊ ኢና። ኣብ ምሉእ ዓለም ሰላም ክሰፍን ንደሊ ኢና። ንሱ'ዩ ኸኣ ቀዳማይ ሸቶይ። ኣነ ሓይሊ ተጠቒምካ ሰላም ከተስፍን ከምዝከኣል ስለዝኣምን ከአ ሓያል ሰራዊት ንሃንጽ ኣለና' ድማ ኢሉ።

ኣሜሪካ 'ቅድሚ ሕጂ ወኒናቶ ዘይትፈልጥ ዓይነት ሰራዊት ክትውንን'ያ' ድማ ኢሉ ትራምፕ።

ቅድሚ ሸውዓተ ወርሒ ንፍሪቃ 'ጉድጓድ ዓይኒ ምድሪ' እያ ኢሉ ድሕሪ ምግላጹ ዝመጸ እዚ ናይ ሕጂ መደርኡ ግን ኣብ መራኸቢ ማሕበራዊ ሚድያታት ወቐሳታት ኣስዒቡ'ሎ። ዓሌታዊ ኣይኮንኩን ኢሉ ድማ ክሒዱ።

ወሃብቲ ርእይቶ ኣብ ትዊተር ድማ፡ ትራምፕ እቲ ግጉይ መረዳእታ ምዕራባውያን ብዛዕባ ኣፍሪቃ የደንፍዕ ከምዘሎ ገሊጾም። ሓደ ኬንያዊ ጋዜጠኛ ድማ እቲ ፕረሲደንት ኣብ ኣፍሪቃ 54 ሃገራት ከምዘለዋ ዘይምፍላጡ የዋህ'ዩ ኢሉ።

ሓደ ካልእ ተጠቃሚ ትዊተር ድማ፡ እቲ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ናይ ኣሜሪካ ዝተፈጸመ ዕትቃዊ መጥቃዕቲ ካብ ዝኾነ ናይ ኣፍሪቃ ግጭት ከምዘይንእስ ገሊጹ።

ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ኣሜሪካ ኣስታት 7,000 ሰራዊት፣ 34 መዓስከራትን ኣብ ኣፍሪቃ ከምዘለዋ፡ ካልኦት ምስጢራውያን መሳለጥያታት'ውን ክህልውዋ ከምዝኽእሉ ልኡኽ ቢቢሲ ኣሊስተር ለትሂድ ሓቢሩ።

ኣርባዕተ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ሰራዊት ኣሜሪካ ዓሚ ኣብ ኒጀር ብድቢያ ተቐቲሎም ነይሮም። እዚ ድማ ድሕሪ'ቲ 'ብላክ ሆክ ዳውን' ተባሁሉ ዝፍለጥ ቅድሚ 25 ዓመት ብዙሓት ኣሜሪካውያን ወተሃደራት ተሳፊሮምላ ዝነበሩ ናይ ውግእ ሄሊኮፕተር ኣብ ሶማል ተዊቒዓ ምስ ወደቐት ዘጋጠመ ዝዓበየ ክሳራ ነይሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት