ጉዳይ ዘተ ሰላም ብዓይኒ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ
ጉዳይ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ድሕሪ 20 ዓመታት ወጥርን ምፍጣጥን ብምብጽጻሕ ልኡኻት ሰላም ክልቲአን ሃገራት መልክዕ ሒዙ ኣሎ።
ልኡኻት ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብጉዳይ ዶባት ከምዘይሰሓሓቡ ገሊጾም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ እውን ኣብ ናይ ድራር እንግዶት ኣብ ኣስመራ ጉዳይ ዶባት ብድልድል ፍቕሪ ተደምሲሱ ኣሎ ኢሉ። ህዝቢ ድማ ብድሙቕ ጣቕዒት ኣሰንዩዎ።
እዚ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ሰላም ዝርርብ ነቶም ኣብ ግንባራት ተሰሊፎም ዘለዉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት እንታይ ትርጉም ኣለዎ? እቶም 'ሃገራዊ ኣገልግሎት ነዊሑና! ኢሎም ዝተሰዱኸ? እንታይ ይብሉ፡ እቶም ናይ ኤርትራ ስሞም ክዕቀበሎም ሓቲቶም ኣለው ርእይቶኦም ግን እነሆ።
ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ መረብ ዓሊቴና
ካብ ግንባር ዓሊቴና መረብ ንዕረፍቲ መጺኡ፡ ንታሪኻዊ ኣቀባብላ ልኡኽ ሰላም ጉጀለ ኢትዮጵያ መሪሑ ዝመጽአ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ክምስክር ዕድል ዝረኸበ መንእሰይ በቲ ዝረኣዮ ፍጻሜ ብልቢ ከምእተሓጎሰ ብምግላጽ፡ " ኩናት ዶባት ኣብ ዕድመይ ካብ ዝረኣኹዎ ኩናት ዝኸፍአ ዘሕዝን ኩናት ክልተ አሕዋት እዩ።
ዋላ'ኳ ሽዑ፡ በቲ ዝነበረ ረስኒ ዓው ኢለ እንተዘይበልኩዎ፡ ብውሽጠይ ግን ይስመዓኒ ነይሩ እዩ።
ትማል ክልቲኦም መራሕቲ ተሓቛቒፎም ክሰዓዓሙ ምስረኣኹዎም ግን፡ ስለምንታይ ቅድሚ እቲ ኹሉ ጥፍኣት ኣቐዲሙ ዘይተሓስበሉ ብማለት ኩሎም እቶም ኣብቲ ኩናት ዝተሰውኡን ዝሰንከሉን ብጾተይ ዘኪረ" ይብል በቲ ዝረኣዮ መንፈስ ሰላም ትስፉው ምዃኑ ብምግላጽ።
ሩማና ብርሃኑ ካብ ስዊድን
ኣብ ኩናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ኣብ ግንባር መረብ ሰቲት ጸጋመይቲ ኢዳ ዝሰኣነት፡ ማለት ካብ ምናታ ብሞቕረጽቲ ዝሰንከለት ውርይቲ ገጣሚት ሩማና ብርሃኑ ብወገና "ኩናት ዕንወትን ጥፍኣትን እዩ፤ ግን ከኣ ኩናት ሰላም ንምርግጋጽን ንምውሓስን እውን ይካየድ እዩ።
እቲ ናይ ትማል ኩናት ዶባት ግን ብዘተን ልዝብን ክፍታሕ ዝነበሮ ግን ብሰንኪ ዋሕዲ ልቦና መራሕትና ዘጋጠመ ሃገራዊ ክሳራ እዩ" ብምባል ኢዳ ንዝኸፈለትሉን ብሉጻት ብጾታ ንዘሕለፈትሉን ኩናት ዶባት ብመሪር ሓዘን ከምእትዝክሮ ትሕብር።
ቀጺላ ሩማና፡ ሰላም መዳርግቲ ዘይብላ ውህበት ምዃናን ኣብ ትሕቲኣን ጽላላን ብፍቕሪ ኩሉ ነገር ክግበር ከምዝከኣል ትገልጽ።
"እዚ ዕርቀ ሰላም እዚ ንመዳውብቲ ጎረባብቲ ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ዘቕስን ክኸውን ኣለዎ። ድሕሪ ሕጂ መጻኢ ወለዶታትና ተመሳሳሊ ጥፍኣት ክርእዩ የብሎምን፡ እቲ ጉዳይ ብኣና ክውዳእ ኣለዎ" ክትብል ጉዳይ ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ብሕጋውን ርትዓውን መገዲ ክውዳእ ዘለዋ ምንዮት ትሕብር።
ምንጪ ስእሊ, ዳዊት ዘርአዝጊ ንሩማና ብርሃኑን
ዳዊት ዘርአዝጊ( የማን) ምስ ሩማና ብርሃኑ (ጸጋም)
መንእሰይ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ተሰነይ
ቅድሚ ሰሙን እየ ካብ ኣስመራ ንተሰነይ ተመሊሰ፡ "ትማል ሰንበት ኣብ ኣስመራ ዘይምውዓለይ ቁሩብ ተሰሚዑኒ። ምኽንያቱ እዚ ን20 ዓመታት ቀይዱና ዝጸንሐ ማሕለኻ ንዝፈትሐ ተባዕ መራሒ ኣቢይ ኣሕመድ ክቕበሎ ነይሩኒ።
እቲ መስርሕ ተጀሚሩ እምበር ንትግባረኡን ፈጽሙን ብዝምልከት ነዊሕ ጉዕዞ ክህሉ ከምዝኽእል ኣይስሕቶን እየ- ግን እንቋዕ ተጀመረ" ብምባል ንሰላም ዘለዎ ጽምእን ናፍቖትን ይገልጽ።
ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጸኒሑ ከምዘሎ ዝገልጽ እቲ መንእሰይ፡ "ኣበይ እሞ እዛ ዕለት እዚኣ እንተወሓደ ቅድሚ 10 ዓመት ኮይና እንተትነብር" ብምባል ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝተኸስረ ክሳራ ብሓዘን ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ድሕሪ 20 ዓመታት ኩናትን ወጥርን ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሰላምን ክልተኣዊ ርክባትን ክዝቲ ንኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ብህዝቢ ኤርትራ ዝተገብረሉ ኣቀባብላ ኣዚዩ ከምዘደነቖ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝወዓለ መንእሰይ ካብ ግንባር መረብ ዓሊቴና፡ "ህዝቢ ኤርትራ ጽምኢ ናፍቖቱ እዩ ገሊጹ። ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ዘይምዘን ጽምኢ ሰላም እዩ ዘለዎ። ደቁ ካብ ሕቖፎኦም ነነፊጾም ንሰሃራን ባሕርን ካብ ዝጓረቱ ዓመታት ኮይኑ።
ኣብዛ ሰዓት እዚኣ እውን እንተኾነ ሰላም ከናድዩን ናይ ግዜ ገደብ ካብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ክወጽኡ ዝጠየስሉ ዕለትን ሰዓትን ሃነቀው ዝብሉ መዛኖይ ይፈልጥ እየ። ኩላትና ናብ ሰላማዊ ህይወትና ተመሊስና ናብራና ክንመርሕ ኢና ንደሊ" ብምባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብቲ ንቡር ግዜኡ ናብ 18 ኣዋርሕ ክምለስን እቶም ነዊሕ ዝገበሩ ከኣ ክጣየሱን ይትስፎ።
ዳዊት ዘርአዝጊ
ካብ 1997-2015 ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ዝጸንሐ ጸኒሐ፡ ኣብ ብዙሕ ዘስካሕከሕ ወግእ ተሳቲፉ፡ ኣካላት ሰባት ክበታተንን ኣግራብን አእማንን ብመዳፍዕ ክፈናጨል ዝረኣየ ኣባል ሻድሻይ ዙር ዳዊት ዘርእዝጊ፡ "ፈለማ እቲ ሃገርካ ምልማዕ ዝብል ጎስጓስ ሃገራዉነት ደፊኡኒ'የ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ወሪደ።
ድሕሪኡ ግና እቲ ኩዉንነት ካልእ ኮይኑ ምስጸንሓኒ፡ ምንዋሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጠንቂ ዶብ ከምዘይኾነ ተገንዚበ።
ብድሕሪኡ ዝኾ ነገር ዝሓተተ ሰብ ክእሰር፣ ጸጊሙዎ ናብ ስድርኡ ዝኸደ ክእሰር ምስርኣኹ፡ ኩሉ ወዮ ምስኮነኒ ራኢ ዝበሃል ምስ ሰኣንኩ እየ ካብ ሃገር ወጺአ" ብምባል ምኽንያት ስደቱ ዘረድእ ዳዊት፡ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሰላም ከምዘሐጎሶ ይሕብር።
ብዓንተብኡ እውን ናብ ኩናት ዘእቱ ምኽንያት ከምዘይነበረ፡ ብኹሉ መገዲ ክተሓጋገዛ ዝኽእላ ሃገራት ዓቢ ዕድል ከምዝኸሰራን ሕጂ ናብቲ ቅድሚ 1997 ዝነበርኦ ኩነታት ምትሕብባር ክምለሳ ዘለዎ ምንዮት ይገልጽ።
ይኹን እምበር፡ እቲ ኹነታት ቅልጡፍን ግሉጽነት ይውሕዶን ስለዘሎ፡ "ካልእ ዉሽጣዊ ኣጀንዳ ከይህልዎ ይሰግእ" ክብል ስክፍትኡ ኣፍኢሙ።
ምንጪ ስእሊ, ዳዊት ዘርአዝጊ
ዳዊት ዘርአዝጊ ኣብ ግምባር
መብርሂኡ ብምቕጻል ዳዊት፡ ኢትዮጵያ መብዛሕትኡ ጉዳያታ ዓጽያ'ያ እያ ከምዝመጽአትን ኣብ ኤርትራ ግን እንታይ ይግበር ከምዘሎ ምሉእ ሓበሬታ ዘይምህላዉ ብምሕባር፡ "ኣብ ኤርትራ እንታይ ይግበር ኣሎ ክንፈልጥ ንደሊ ኢና። ኮይኑን ገይርናን ጥራሕ'ዩ ክበሃለና ኣይንደልን ኢና" ብምባል ዜጋታት ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ዝሳተፍሉ ዕድላት ክፍጠርን ንቡር ስርዓተ ምሕደራን ክተኣታቱ ይምሕጸን።
ኣብ መወዳእታ፡ " ከም ህዝብን ሃገርን ዝሓለፈ ገዲፍና ንቅድሚት ክንሓስብ እንተኾይንና፡ እቶም ንዓመታት ዝተኣሰሩ፣ ብርሃን ዘይርኣዩ ሰባት ክፍትሑ ኣለዉዎም።
እቲ ተወንዚፉ ዘሎ ንኩሉ ሰብ ማዕረ ዝገብር ሃገራዊ ቅዋምን ዕርቅን ክትግበር ኣለዎ። ኩሉ ሰብ ከኣ ንዕርቂ ድልዉ ክኸዉንን እቶም ብኵናት ዝተመዛበሉ ህዝብታት ናብ በቤቶም ክምለሱ ይግባእ" ብምባል ሓሳቡ ዛዚሙ።