ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቂሊንጦ፡ ዝተፈጥረ ዕግርግር

ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ Image copyright Getty Images

ምንጭታት ቢቢሲ ከምዝገለፁዎ፡ እሱራት ዝሓቱ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ቤት ህንፀት ቂሊንጦ ናይ ንጎሆ ሰዓት ሰለስተ ኣብቲ ከባቢ ተረኺቦም።

ናብ ውሽጢ እቲ ቐፅሪ ምእታው ኣይተጀመረን ነይሩ።

ካብ ወሽጢ ግና ዝኾነ ድምፂ ይስማዕ ከምዝነበረ ይዛረቡ።

ፍቕረ ማርያም ኣስማማው፡ ምስ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ መዝገብ ግብረ ራዕዲ ዝተሰረዘ ግንቦት ሸውዓተ ተተሓሒዙ፡ ተኣሲሩ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ ወቀረባ እዋን ዝተፈትሐ እዩ።

ፍቕረ ማርያም ካብቶም ኣብቲ ከባቢ ዝተረኸቡ ሓደ እንትኸውን፡ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ወፃኢ ዝነበሩ ሓተትቲ ስድራ እንታይ ከምዝተፈጠረ ሓቲቶም ይብል።

"ክንፍታሕ እናተገበአና ኣይተፈታሕናን፡ ስለዚ ካብዚ ኣይነወፅእን ምግቢ ውን ይንበልዕን" ኢሎም ምእዳሞም ካብቶም ሓለውቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ ምላሽ ተዋሂቡዎም።

"ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ፖለቲከኛታት ክፍትሑ እዮም"

ዶክተር መረራ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም

ካብኡ ድማ ዝተወሰኑ ሰባት፡ ናብቲ ቐፅሪ ክኣትዉ እንተተሓረዩ'ኳ ምሕደራ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኣይፈቐደን፡ ይብል ፍቕረማርያም።

"ካብኡ ንደሓር ኣብቲ ቀፅሪ ውሽጢ፡ መንብዒ ትኪ ተሰዲዱ። መካይን መጥፋእቲ ባርዕ ሓዊ ኣትየን። በተንቲ ኣድማ ድማ ናብቲ ውሸጢ ክኣትዩ ሪእና" ኢሉ።

በቲ ኩነታት ዝተሻቐሉ ሓተትቲ ስደራ እሱራት፡ ብዛዕባ ዝተፈጠረ ኩነታት ንምፍላጥ ሕቶ እንተቕረቡ'ኳ ብፖሊስ ተወቒዖም ከምዝተባረሩ ወሲኹ ይዛረብ።

በቲ ተጓንፎ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝበፅሐ ጉድኣት ምህወላዉን ዘይምህላዉን ሓበሬታ ክንረክብ ኣይከኣልናን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት