ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈ ወርቂ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ Image copyright FITSUM AREGA/TWITTER

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ ቀዳማይ ሚኒስርተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብዝገበረሉ ዕድመ፡ ኣብታ ሃገር ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ንምፍጻም ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣትዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ዓበይቲ ዓድን፣ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብን መራሕቲ ሃይማኖትን፣ መናእሰይን ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ከኣ ንኣጋይሾም ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮሙሎም።

ለላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ፌደራል ሓዊሱ፡ ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፣ ፕረዚደንት ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣብዲ መሓመድን ካልኦትን ድሙቕ ኣቀባብላ ዝገበርሉ እንትኾን፡ ምስ ዶክተር ደብረጽዮንን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድን ብቐረባ ተቐሚጦም ክዘራረቡ ተራእዮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ዕስራ ዓመታት ወጥርን ምፍጣጥን ቆጽሊ ኣውሊዕ ሒዙ ንኣስመራ ንዝበጽሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ ልኡኽ ኣብ ኣስመራ ድሙቐ ኣቀባብላ ብምግባር ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ሓሙሽተ ኣገደስቲ ነጥብታተ ሓባራዊ ስምመዕ ፈጺሞም እዮም።

እዚ ናይ ሕጂ ናይ ፕረዚደንት ምብጻሕ መቐጸልታ፡ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኮይኑ፡ ነቲ ብኩናት ዝተኸስረ ዕድልን ብኩናት ዝተፈጥረ ጽልእን ቅርሕንትን ሓጺቡ ሓዲሽ ምዕራፍ ሕውነትን ምትሕግጋዝን ዝኸፍት ክኽውን ህዝቢ ምንዮቱ ክገልጽ ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ኣዚዩ ቅልጡፍ ዝኾነ ጽገናዊ ለውጥታታ እዩ ዝካየድ ዘሎ።

ኤርትራውያን ፖለቲከኛታትን ምሁራትን ከኣ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ጽገናዊ ለውጥታት ኣብ ኤርትራ እውን ክረአ ዓቢ ተስፋ ኣሕዲሮም ኣለው።

Image copyright FITSUM AREGA/TWITTER