ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ "ልምዓትናን ዕብየትና ንምትዕንቓፍ ንዝፍትን ኣይክነፍቅደሉን"

ኣብ ሚለኒየም ኣዳራሽ ካብ ዝተዓደሙ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተዳለወ መብሰሪ ሰላም መድረኽ ዝተረኸበ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንዝተጀመረ ሰላማዊ ርክብ ዘዕንቅፍ ሓይሊ ከምዘይህሉ ተዛሪቡ።

ኣብ ልዕሊ ባህልን ረብሓታትን ክልትኡ ህዝቢ ፅልኣትን ዕንወትን ንምንዛሕ ዝተፈተነ ሽርሒ ከምዝተስዓረ ዝገለፀ ፕረዚደነት ኢሳይያስ "ንልምዓት ምዕባለን ምርግጋእን ሓቢርና ተበጊስናለና" ኢሉ።

"ዝኾነ ይኹን ኣካል ንስምምዕናን ፍቕርናን ክዘርግን ክህውኽን ኣይኽእልን። ልምዓትናን ዕብየትናን ንምትዕንቓፍ ክፈታተነና ኣይክነፍቅደሉን" ክብል ገሊፁ።

እቲ ቅድም ክብል ዘጋጠመ ክሳራ ብሓበራዊ ፃዕሪ ክልትኤን ሃገራት ከምዝምለስ ዝገለፀ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ መፃኢ ዓበይቲ ዕማማት ብምውጋን ዓወት ከምዝምዝገብ ኣረጋጊፁ።

Image copyright ETV

ንኣመራርሓ ቀዳማይ ሚንስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዘለዎ ናእዳ ገሊፁ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ "ሰላም ኣዶ ነፃነት፡ ነፃነት ድማ ኣዶ ምዕባለ'ያ" ክብል ተዛሪቡ።

"ኣነን ኢሳይያስን ክንድመር ከለና ክልተ ዘይኮነስ፡ ንሕና ንኸውን" ኢሉ። ድምር ናይ ክልቲኦም ድማ ንወደብ ዓሰብ ብሓባር ምጥቃም ከምዘረጋግፅ ኣረዲኡ።

ኢትዮጵያን ኤርትራን ነንበይነን ንኣፍሪቃ ፅባቐ ዘይብለን ንፅል ገይፂ፡ ክሓብራ ከለዋ ግን ግርማ ፅባቐ ከምዝኾና ሓቢሩ።

ንኢትዮጵያውያን ኤርትራውያንን ዝፈላሊ ዝኾነ ሓይሊ ከምዘይህሉ'ውን ገሊፁ።

"መልክዕና፣ ፍቕርና፣ ልግስናናን ጅግንነትናን ሓደ ዓይነት'ዩ" ዝበለ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ፡ ሕብረት ክልትኤን ሃገራት ንኻልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ተስፋን ልምዓትን ዘምፅእ ከምዝኸውን ተዛሪቡ።

ነዚ ሰላም ድማ ኩሉ ክሕልዎ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

ነቲ ዝተኻየደ መድረኽ ስዕቡ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኬንያ በየነ ርእሶም ኣብ ትዊተሩ "ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንብዓት እናተሓናነቖ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብቋንቋ ኣምሓርኛ መልእኽቲ ኣሕሊፉ። ን40 ዓመታት እፈልጦ'የ፤ ኣምሓርኛ ክዛረብ ግን ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን" ኢሉ።

ክሳብ 25 ሽሕ ሰባት ከምዝተዓደሙ ቅድም ክብል ኣብ ዝተገለፀ መድረኽ ንድምፃዊ ማሕሙድ ኣሕመድ ሓዊሱ ካልኦት ስነ-ጥበባውያን ስራሕቶም ኣቕሪቦም።

ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ናብ ኣስመራ ተመሊሱ።

ተወሳኺ ዛንታ