ጣሊያን ስደተኛታ ኣብ ወደብ ሲሲሊ ክወርዱ ኣፍቂዳ

ኣንስትን ቆልዑትን ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ፖዛሎ ክትኣቱ ተፈቂዱላ Image copyright EPA

መንግስቲ ጣሊያን ኣብ ሓንቲ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ዝተጻዕነት መርከብ ዝነበሩ 450 ስደተኛታት ኣብ ወደብ ሲሲሊ ክወርዱ ኣፍቂዱ።

ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ማልታ፡ ፖርቱጋልን ስፓኛን ነፍሲ ወከፈን 50 ስደተኛታት ክወስዳ ድሕሪ ምስምማዐን'ዩ መንግስቲ ጣልያን ነቲ ውሳነ ወሲዱ።

ኣቐዲም ኣቢለን ማልታን ጣልያንን ኣብ ምቕባል'ታ ጀልባ ተሰሓሒበን ነይረን።

እቲ ሓደሽ መንግስቲ ጣሊያን ዋሕዚ ናብ'ታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ንምግታእ፡ ፖሊሲታቱ ከትርር ጸኒሑ'ሎ። እቲ ሓዲሽ መንግስቲ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ድማ ዛጊት 57 ቆልዓ ሰበይቲ ጥራይ ኣብ ወደብ ፖሳሎ ናይ ሲሲሊ ክኣትዉ ተፈቒዱሎም ኣሎ።

እቶም ስደተኛታት ብኽልተ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ህይወት ኣድሕን ጀላቡ'ዮም ካብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም፡ መንግስቲ ጣልያን ግን ኣብ ወደባት'ታ ሃገር ክኣትዉ ፍቓደኛ ኮይኑ ኣይጸንሐን።

እቶም ስደተኛታት ብቐዳም ካብ'ታ ብጣውላ ዝተሰርሐት ጀልባ ቅድሚ ምድሓኖም፡ ማልታ እታ ጀልባ ዘላቶ ቦታ ናብ ወደብ ላምፐዱሳ ናይ ጣልያን ስለዝቐርብ ናባይ ክትመጽእ የብላን ብምባል ምቕባል ኣብያቶም'ያ።

ሚኒስተር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ጣልያን ግን እተን ነቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ጽዒነን ዝነበራ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ጀላቡ ንደቡብ ገጸን ናብ ሊብያ ወይ ማልታ ከምርሓ ኣለወን'ኢሉ ነይሩ።

እንተኾነ ግን ቀዳማይ ሚኒስተር ጣሊያን ጂሰፐ ኮንተ ናብ ኩለን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ሐሒደት ካብቶም ስደተኛታት ክቕበላ ዝሓትት መልእኽትታት ምስ ሰደደ፡ መንግስቲ ጣልያን መርገጺኡ ቀይሩ።

"ጣልያን ኣብ ቅድመ-ግንባር ምድሓን ህይወት ኣብ ባሕሪ ጸኒሓ'ላ። ኣብ'ዚ ጉዳይ'ዚ ኩሉኹም ንጹር ዝኾነ ሓላፍነት ናይ ምስካም ድሌት ከተርእዩ እሓተኩም" ኢሉ ጽሒፉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮንተ።

ፈረንሳን ማልታን ነፍሲ ወከፈን 50 ስደተኛታት ክወስዳ ምዃነን ብቐዳም ክገልጻ እንከለዋ፡ ጀርመን፡ ስፓኛን ፖርቱጋልን ድማ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዳ ምዃነን ብሰንበት ገሊጸን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ቸክ ሪፓብሊክ ኣንድረ ባቢስ ግን ምግዓዝ`ቶም ስደተኛታት `ናብ ገሃነብ ዝነቁት`ዩ` ብምባል ነቲ ጻውዒት ነጺግዎ።

መንግስቲ ሊቢያ ድማ ንዋላ ሓደ ካብቶም ስደተኛታት ከምዘይቅበል ኣፍሊጡ ነይሩ።

"ፍጹም፡ ዝኾነ ይኹን ዝደሓነ ዘይሕጋዊ ስደተኛ ኣይንቕበልን ኢና" ኢሉ ሓደ ኣፈኛ ሓለውቲ ባሕሪ ሊብያ ንማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።

መንግስቲ ኢጣሊያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ፍቓድ ምሃብ ምስ ኣበየ፡ ክልተ ናይ ህይወት ኣድሕን ጀላቡ ወደብ ንምርካብ ተሸጊረን ነይረን'የን። ጸኒሐን ግን ምስ'ቶም ጽዒነንኦም ዝነበራ 860 ስደተኛታት ኣብ ወደብ ቫለንሺያ ናይ ስጳኛን ኣብ ማልታን ከውርድኦም ክኢለን።

መንግስቲ ጣሊያን ኣብ ሓንቲ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ዝተጻዕነት ዝነበሩ 450 ስደተኛታት ኣብ ወደብ ሲሲሊ ክወርዱ ከተፍቅድ`ያ። ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ማልታ፣ ፖርቱጋልን ስፓኛን ነፍሲ ወከፈን 50 ስደተኛታት ክወስዳ ድሕሪ ምስምማዐን`ዩ መንግስቲ ጣልያን ነቲ ውሳነ ወሲዱ።