ኣብ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ምኽኑይ ከምዘይነበረ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ይገልጽ

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደግዮርጊስ Image copyright Andebrhan

ኣብ ታሕሳስ 2009 ባይቶ ጸጥታ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ ንእስላማዉያን ዕጡቓት ኣብ ሶማል ትተሓጋገዝ ኢያ ብዝብል ክሲ እገዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣንቢሩ።

ወላ'ኳ ነቲ ጉዳይ ክተጻሪ ዝቖመት ሶማል-ኤርትራ መርማሪት ጉጅለ፤ ጭብጢ ከም ዘይረኸበት ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብተደጋጋሚ ነርባዕተ ዓመታት እንተገለጸት፤ እቲ እገዳ ከይተላዕለ ቀጺሉ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ 9 ሓምለ፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኤርትራ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምኽታሙ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ክለዓል ናብ ዋና ጸሓፊ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ወግዓዊ ሕቶ ኣቕሪቡ። ዋና ጸሓፊ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ 'ዉን እቲ እገዳ ክለዓል ከም ዝኽእል ኣሚቱ ኣሎ።

ብዛዕባ 'ዚ፡ ንገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ጉዳይ ዶብ ኢትዮ ኤርትራ ኮምሽነር ኮምሽን ዶብ ኮይኑ ዘገልገለ፡ ሕጂ ድማ ደላይ ደሞክራስያዊ ለዉጢ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ዝንቀሳቐስን ፕረሲደንት ኤሪ-ፕላትፎርም ዝበሃል በርጌሳዊ ማሕበር፤ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ኣዘራሪብናዮ ኣሎና።

ፈለማ ሓፈሻዊ መብርሂ ብዛዕባ እገዳ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ ኣተሓሒዝካ ክተገልጸለና?

እገዳ ክበሃል ከሎ ብፍላይ እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ፡ ናይ ኣጽዋር እገዳ ኢዩ። ናብ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ኣጽዋር ብሕጋዊ መንገዲ ከይኣቱ ዝኽልክል ኮይኑ ኣብ 23 ታሕሳስ 2009 ዝሓለፈ ብውሳነ 1907 ዝፍለጥ ኢዩ።

ቅድሚኡ ንኤርትራ ዘይምልከት፡ ብውሳነ 1844 ዝፍለጥ ኣብ 2008 ዝወጸ እገዳ ነይሩ፤ ንሱ ከኣ ዝተወሰኑ፡ ኣስማቶም እተዘርዘረ ሶማላዉያን ዉልቀሰባት ንኸይገሹ ዝእግድን ናይ ባንክ ሕሳባቶም ንምድስካል ዝዉስንን ኢዩ።

ስለዚ እቲ እገዳ ነዚአን የጠቓልል ኣብ ኤርትራ ግን፡ ብግብሪ እቲ ናይ ኣጽዋር እገዳ ጥራይ ኢዩ ጸኒሑ። እዚ ናይ ነፍሰምክልኻል ዓቕሚ ናይ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዘዳኽም ኢዩ።

ግን ኩላትና ከም ንፈልጦ ናይ ጸሊም ዕዳጋ ሸመተ ኣጽዋር መሊኡ ኢዩ። ካብቲ ብሕጋዊ ትረኽቦ ግና እቲ ካብ ጸሊም ዕዳጋ ትገዝኦ ዝተዓጻጸፈ ዋጋ ዘለዎ ኢዩ።

ኤርትራ ዘተኣማምን ናይ ነፍሰ ምክልኻል ዓቕሚ ምእንቲ ክህልዋ ኣጽዋር ክትገዝእ ነይርዋ። እዚ ኣጽዋር ብሕጋዊ መንገዲ ክተምጽኦ ስለ ዘይትኽእል፡ ኣብቲ ናይ ጸሊም ዕዳጋ ክትገዝእ እንከላ፡ 50-60% ዝያዳ ኪትከፍል ትግደድ ኔራ ማለት ኢዩ።

እዚ ዝያዳ ዝኽፈል ኣብ ክንዲ ኣብ መዓላ ምህናጽ ትሕተ ቅርጺ፡ ምምዕባል መነባብሮ ህዝቢ ዝዉዕል ኣብቶም ኣማለድቲ ናይ መሸጣ ኣጽዋር ንዕኦም መኽሰብ ይኸውን ማለት ኢዩ።

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ካብ 2009 ጀሚሩ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ክለዓል ብኢትዮጵያ ወግዓዊ ሕቶ ቀሪቡ ኣሎ። እቲ እገዳ ክንበር ዘገደደ ምኽንያት እንታይ ኢዩ? ማዕረ ክንደይ'ከ ፍትሓዊ ነይሩ?

ንዝያዳ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣብቲ 'ኤርትራ ኣብ ቀራና መንገዲ' ዝብል ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ተሓቲሙ ዝወጸ መጽሓፈይ ኣንቢረዮ ኣለኹ።

ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት'ዉን 'The Case for Lifting the Sanctions on Eritrea' ብዚብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረብኩዎ ጽሑፍ ብዝርዝር ኣቐሚጠዮ ኣለኹ። ኣብዚ ኣሕጽር ኣቢለ ንምቕራብ ግን፡ ቅድም ቀዳድም እቲ እገዳ ክግበር ኣይነበሮን። እቲ ከም ናቱ መመኽነይታ ወይ መመሳመሲ ኮይኑ ዝቐረበ ክልተ ነገራት ግን፦

1. ኤርትራ ምስ ጅቡቲ ንዝነበራ ግጭት ንኽትፈትሕ ቅርብቲ ኣይኮነትን

2. ነቶም ናይ ሶማልያ ግብረ ራዕዲ ዘካይዱ እስላማዊ ምንቅስቓስ ደገፍ ትገብር ኢያ ዝብል ኢዩ።

ክልቲኡ ግና ናይ ብሓቂ ሰረት ዘይብሉ ክስታት ኢዩ።

ጅቡቲ መሬታ ብኤርትራ ከም ዝተጎበጠ ከሲሳ። ብግብሪ ክትሪኦ ከለኻ ብመሰረት እቲ ብ 1900 ዓም፡ ኣብ መንጎ ፈረንሳን ጥልያንን ከም ገዛእቲ ናይ ጅቡትን ኤርትራን ዝተከተመ ብ 'ዉዕል ሮም' ዝፍለጥ ስምምዕ፤ ኣብቲ demilitarized zone ማለት ካብ ሰራዊት ነጻ ክኸዉን ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኢያ ኤርትራ ሰራዊት ኣንቢራ። ኣብኡ ሰራዊት ምንባር ግን መሬት ጅቡቲ ወሪርካ ምሃዝ ኣይኮነን።

ካልኣይ ድማ ንምንቅስቓስ መንእሰያት ሙጃሂዲን ናይ ሶማል ደገፍ ትህብ'ያ ዝብል ክሲ ወላ ሓንቲ ጭብጢ ኣይተረኽቦን፤ ሽዑ'ዉን ጭብጢ ኣይነበሮን፤ ብድሕሪኡ'ዉን እቲ ናይ ሶማል-ኤርትራ ተኸታታሊ ጉጅለ፡ ኣብ ኣርባዕተ ዝተዋህቦ መዝነታት ወላ ሓንቲ ነቲ ክሲ ዘረጋግጽ መርትዖ ከም ዘይረኸበ ኣረጋጊጹ ኢዩ።

ስለዚ ቅድም ቀዳድም መበገሲ እቲ ክሲ መርትዖ ዘይብሉ ኣብ ሓቅነት ዘይተሞርከሰ ኢዩ።

ኣነ ምስ ዓለምለኻዊ ጉጅለ ቅልዉላዉ (International Crisis Group) ከም ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኮይነ ኣብ ዝሰራሕኩሉ ኣብ 2008 ዓም፡ '2000 ኤርትራዉያን ወተሃደራት ኣብ ሶማል ኣትዮም።

ኤርትራ ንዕጡቓት ሶማል ትሕግዝ ኣላ' ዝብል ጸብጻብ ምስ መጸ፤ ምስ ሓደ መሳርሕተይ ብምዃን ነቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ሶማል-ኤርትራ ተኸታታሊ ጉጅለ ዓዲምና እዚ ሓበሬታ ካበይ ከም ዝረኸብዎ ሓቲትናዮም ነይርና። ካብ ስለያ ናይ ኢትዮጵያ ከም ዝረኸብዎ ምስ ገለጹልና፤ ኤርትራን ኢትዮጰያን ኣብ ተጻብኦ ኢየን ዘለዋ፤ ከመይ ኣቢልኩም ከም እሙን ምንጪ ትጥቀምሉ ዝብል ሕቶ ኣልዒልናሎም።

እቶም ሓለፍቲ ናይቲ ተኸታታሊ ጉጅለ'ዉን እቲ ሕቶ ምኽኑይ ምዃኑ ተረዲእዎም።

ሰለዚ እቲ ዝቐረበ ክሲ ብቐንዱ ኣብ ስለያዊ ሓበሬታ ናይ ኢትዮጵያ ዝተሞርኮሰ ኮይኑ ንኤርትራ ንምንጻል ንምድኻም፡ ዝተፈጥረ ክሲ ኢዩ።

ብጠንቂ'ቲ ምስሓብ ኣባልነት ኤርትራ ካብ ኢጋድ ብዝተፈጥረ ጉድለት፡ ኢትዮጵያ ጉድለታት መዝሚዛ ኢያ እቲ ዉሳነ ብምሉእ ድምጺ ኣብ ሰለስቲኡ መጋባእያታት ከምዝሓልፍ ገይራ።

ካልኣይ ምኽንያት ከኣ፤ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ወላ እቲ ክስታት ሓቂ እንተዝኸዉን ኔሩ፡ ድርብ መምዘኒታት ኢዩ ተጠቒሙ።

Image copyright Andebrhan

ኢትዮጵያ እቲ ዝከተመቶ ኣህጉራዊ ዉዕል ኣልጀርስ ቀያድን ወሳንን ኢዩ ኢላ ኣትያቶ ክተብቅዕ፡ ንእኡ ነጺጋ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ክትግህስ ኣብ ዝተራእየትሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝኾነ ስጉምቲ ኣይተወስደን።

ኤርትራ ግና ነቲ ኣብ ዶብ ኤርትራን ጅቡቲን ካብ ወተሃደራዊ ህላወ ነጻ ክኸዉን ኣለዎ ዝተብሃለ ቦታ ሰራዊት ስለ ዘስፈረትሉ ተኸሲሳ። ስለዚ እዚ'ዉን ሓደ ካብቲ ጉድለታት ኢዩ።

ሳልሳይ፤ እቲ እገዳ ኤርትራ ንነብሰ ምክልኻል ዝዉዕል ኣጽዋር ብሕጋዊ መንገዲ ገዚኣ ከይተእቱ ዝኽልክል ኢዩ።

እቲ ዞባ ከኣ ናይ ህዉከትን ኲናትን ዞባ ስለዝነበረ፡ ሓይልታት ምኽልኻል ኤርትራ ከኣ ዘድልዮ ዕጥቒ ንኸይረኽብ ብምዕንቃፍ፤ ንእኡ ኣዳኺምካ፡ ንሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘዉድቕ ዉሳነ ኢዩ ነይሩ።

ራብዓይ፤ ኣብቲ ዞባ ኣብ ልሊ ኤርትራ እገዳ ኣጽዋር ምግባር፡ ነቲ ዝነበረ ወትሃደራዊ ሓይሊ ብምምዝንባል፡ ነቶም ህዉከት ክቑስቕሱ ዝደልዩ ተጻባእቲ ሓይልታት ዘተባብዕ ኩነታት ኢዩ ነይሩ።

ሓሙሻይ፤ እቲ ዝተገብረ እገዳ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ብሓቒ ንጡፍ ዲፕሎማስያዊ ጽምዶ ገይሩ፡ ነቲ ዝመጽእ ሕቶታት ከኣ ኣዕጋቢ መልሲ ሂቡ ብምቅዋም፡ ኣቐዲሙ ክኸላኸሎ ይኽእል ነይሩ ኢዩ።

ግን በቲ ዝነበሮሕጽረታትን ድኻማትን፡ እቲ እገዳ ኣብ ሰለስቲኡ መጋባእያታት፣ ማለት ኣብ ኢጋድ፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ጸጥታዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፣ ብምሉእ ድምጺ ክሓልፍ ክኢሉ።

እቲ እገዳ ምስ ተነብረ ከኣ፡ ነቲ ብሰንኪ ግጉይ ቍጠባዊ ምሕደራ ናይቲ ስርዓት ንዝተኸስተ ሽግራት መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ፤ 'ብጠንቂ እገዳ ኢና ናብ ከምዚ ዚኣመሰለ ዓይነት ቍጠባዊ ሽግር ወዲቕና' ኢሉ ከመሳምሰሉ ዕድል ሂብዎ።

ምናልባት ኣብዚ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ፡ ነቲ ናይ እገዳ ውሳነ እቲ ዝነበረ ስርዓት ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ገለ ካብቶም በቲ ስርዓት ዝድገፉ ዚነበሩ ኮነ ካልኦት ተቓወምቲ ኤርትራውያን፡ ነቲ እገዳ ብምድጋፍ ብግብሪ ከም መቐጸልታ ናይ ሜላ ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኮይኖም ከገልግሉ ጸኒሖም ኢዮም።

እዚ ኣሉታዊ ሕላገት ዘለዎ ዘይሃገራዊ መርገጺ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ረብሓ ሃገረ ኤርትራን፡ ረብሓ ናይቲ መንግስቲ ወይ ስርዓትን ዚህሉ ፍልልይ መሚኻ ምርኣይ ካብ ዘይምኽኣል ዚተበገሰ ይመስለኒ።

ንምንታይ ኢዩ ንኤርትራ ነጺልካ ንምውቃዕ ተደልዩ?

ሓደ ከም ውጽኢት ናይቲ ዶባዊ ኲናት፡ እቲ ዚሰዓበ ኩነተ 'ኣይ ኲናት ኣይ ሰላም' ኢዩ። ከም ሓቂ እቲ ሽግር ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣይነበረን። ኣብ መንጎ ህወሓትን ህግደፍን ኢዩ።

እቲ ናይ ዶብ ግጭት ባድመን ከባቢኣን ዝበሃል፡ ክሳብ 1997 ብደረጃ መንግስታት ኣካቲዑ ዘይፈልጥ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ዝነበረ ኢዩ።

ኣብ 1997 ኣብቲ ክሊ ናይ ዓባይ ትግራይ ኣብ ካርታ ኣእቲኻ ደሓር ኣብ መሬት ሓድሽ ሓቅታት ንምፍጣር ዝተገብረ ፈተነታት ኢዩ። እቲ ፈተነታ ብግቡእ ብሰላማዊ መንገዲ ብልዝብ ክፍታሕ ስለዘይተኻእለ ናብ ዘየድሊ ኣዕናዊ ኲናት ተበጺሑ።

ስለዚ እቲ ንኤርትራ ንምንጻልን ንምድኻምን ዝመጽእ ዕላማ፡ ካብዚ ዝብገስ ኢዩ። ንኤርትራ ብቁጠባ፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ኣዳኺምካ ምናባት ኣብ መወዳእታ ንምጉባጣ ኢዩ።

ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ ብዝተፈላለዩ መራሕቲ ናይ ህወሃት ዝግለጽ ዝነበረ ሕልምታት ከም መቐጽልታ'ዩ። እዚ ብወገን'ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ስርዓት ክኸዉን ከሎ፤

ብወገን ኣህጉራዊ ኮም ከኣ ምስ ኤርትራ ዘሰሓሕብ ጉዳያት ነይርዎ። ድሕሪ'ቲ ናይ ዶብ ኲናት፡ ኣብ ኣብ 2000-2001 ኣብ ዉሽጢ'ቲ ታሪኻዊ መሪሕነት ናይ ህዝባዊ ግንባር፡ ምፍልላይ መጺኡ።

ቅድም ቀዳድም፡ እቲ ኲናት ኣይመድለየን ነይሩ፤ ካብ ተኣትወ ድማ፡ ኣብ ኣትሓሕዛ፡ ኣብ ኣከያይዳ ናይቲ ኲናት ንርእሱ፡ ጉድለታት ነይሩ፤ ገምጋም፡ ክንገብር ኣሎና' ዝብል ሕቶታት መጽዩ።

ነቲ ሕቶታት ብግቡእ ኣብ ክንዲ ምፍታሕ፡ ማእሰርቲ ናይቶም ተቓወምቲ ወይ ዝተፈልየየ ርእይቶታት ዘቕረቡ ላዕለዎት ሰብ መዚ፣ መራሕቲ ናይ ህግሓኤ ዝነበሩን፤ ኣብቲ መንግስቲ'ውን ሚኒስተራት፡ ጀነራላት ዝነበሩ ሰዒቡ።

ብዘይካ'ዚ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ምዕጻው፡ ቅዋም ዘይምትግባር፤ እቶም፡ ሰባት ብዘይ ክሲ፡ ብዘይ ግቡእ ተኣሲሮም፡ ከብቅዑ፤ ተኸሲሶም ቤት ፍርዲ ኣይቀርቡ፡ ወይ ኣይተፈትሑ፤ እዚ ኹሉ ነቲ ኣህጉራዊ ኮም ምስ ኤርትራ ብዙሕ የሰሓሕቦ ነይሩ። ስለዚ እቲ ዉሽጣዊ ድኻማት ናይ ኤርትራ ንገዛእ ርእሱ ኣበርክቶ ገይሩ ኢዩ።

ብሓጺሩ፡ ሓደ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ስርዓት ዝፍጸም ዝነበረ ሽርሕታት፡ ካልኣይ ዉሽጣዊ ድኻም፡ ሳላሳይ ከኣ ሕጽረታት ናይ ዲፕሎማስያዊ ኣሰራሓ ናይ ኤርትራ፤ እዞም፡ ስለስተ ረቛሒታት ንኤርትራ ፍጹም ከም ትንጸል ገይሮም።

እታ ነቲ ጕዳይ ከተጻሪ ዚቘመት መርማሪት ጅለ ሶማልያ ኤርትራ ንኣርባዕተ ተኸታታሊ ዓመታት፡ ብዛዕባ'ቲ ኤርትራ ተኸሲሳትሉ ዚነበረት ጕዳይ ኣብ ባይታ ጭብጢ ከም ዘይረኸበት እኳ እንተገለጸት፡ እቲ እገዳ ግና ክሳብ ሕጂ ከም ዝቕጽል'ዩ ተጌሩስለምንታይ'ዩ ከምኡ ኮይኑ?

ብሓፈሽኡ ኣብ ታሪኽ ናይ እገዳታትን ስርዓተ እገዳታትን እንተርኢኻ፡ እገዳ ሓንሳብ ምስ ተነብረ፡ ንኸተልዕሎ ብጣዕሚ ኣጸጋሚ ኢዩ።

ምኽንያቱ ንኽለዓል እተን ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ፡ ከምኡዉን ኣርባዕተ ካብተን ዓሰርተ ዘይቀወምቲ ኣባላት ወሲኽካ፡ ብናይ ትሽዓተ ኣባል ሃገራት ድምጺ ክድገፍ ክኽእል ኣለዎ። ሓያል ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ዚነበረ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ንውሽጣው ድኻማትን ግዳማዊ ተነጽሎን ኤርትራ ብምምዝማዝ፡ እቲ እገዳ ንኸይለዓል ብቐጻሊ ይሰርሓሉ ነይሩ።

እቲ ኣቐዲመ ዝገልጽክዎ ምኽንያታት ኣብ ቦትኡ እናሃለወ፡ እቲ ጂኦፖለቲካዊ ረብሓ ናይተን ሓያላት ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣመሪካ ምስ ኢትዮጵያ ደው ስለዚበለት፣ ኢትዮጵያ ከኣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ቀንዲ መደባር ናይቲ ኣመሪካዊ 'ኲናት ጸረ-ሽበራ' ኰይና ተገልግል ስለዚነበረት፣ ብድሕሪ እዚ ዉሳነ'ዚ ናይ ኣመሪካ ደገፍ ነይሩ ማለት ኢዩ።

ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ሰላም ስምምዕ ድሕሪ ምኽታመን ኣብ ሒደት ሰዓታት ኣብ ልዕሊ ኤረትራ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ክለዓል ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣሎ ነዚ ብኸመይ ትርእዮ?

እቲ ክሲ ኣብ መርትዖ ዘይኮነስ ኣብ ተጻባኢ መርገጺ ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተሰረተ ምንባሩ፤ ከምኡዉን እቲ ኩነተ ኣይ ኲናት ኣይ ሰላም ንገዛእ ርእሱ ጠንቂ ከም ዝነበረ ኢዩ ዘርኢ።

ሕጂ ምስ ምቕያር ናይቲ ስርዓት፡ ኢትዮጵያ ነቲ ዝኣተወቶ ኣህጉራዊ ዉዕል ብምኽባር፡ ስምምዕ ኣልጀርስ ብዘይቕድመ ኩነት ምቕባልን ምትግባርን ዝብል ዉሳነ ምውሳዱ፤ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ነዚ ተቐቢሉ ንትግባሪኡ ቅሩብ ምዃኑ፤ ንዑደት ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ኣስመራ ዝነበረ ኣቐባብላን ዝተበጽሐ ስምምዓት ክትሪኦ ከለኻ ብሓፈሽኡ፤ ምትእምማን ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን መንግስቲ ኢትዮጵያን መጽዩ ኣሎ። ሰናይ ድሌት ናይ ጽቡቕ ጉርብትና ሒዙ ዚመጽእ ይመስል ስለ ዘሎ ደገፍ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ናይ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ናይ ኣመሪካ፡ ናይ ዚተፈላለዩ መንግስታት ዚረኸበ ሓድሽ ምዕባለ ኢዩ።

ኢትዮጵያ ንባዕላ ኣቕራቢት ናይቲ ናይ እገዳ እማመ እንድሕሪ ይለዓል ኢላ፡ በዓልቲ ጉዳይ ንሳ ስለ ዝነበረት፡ ተወዲኡ ማለት ኢዩ። ዓለም ከኣ ነዚ ተቐቢላ ክተልዕሎ'ያ።

ተወሳኺ ክትብሎ ትደሊ ዘይተንከፍናዮ ነጥቢ እንተሎ• • •

ኣብዚ ዝሓለፈ ቅሩብ ኣዋርሕ ዋዜማ ሰላም ዶ፡ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምቅርራብ ዶ ንምትዕራቕ ዝብል፡ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ክግበር ዝጸንሐ ንጥፈታት፤ ዋላ ሕጂዉን ኣብ መንጎ እቲ ክልቲኡ ህዝብታት ርክባት ክግበር ዝበሃል ዘረባታት ኣለዉ።

ከም ናተይ እምነት፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጽልኢ የለን። እቲ ዝጸንሐ ጽልኢ፡ ተጻብኦ ኰነ ቅርሕንቲ ኣብ መንጎ'ቲ ስርዓታት ኢዩ።

ሕጂ እቲ ሓደ ስርዓት ስለ ዝተኣልየ፡ እቲ ዝነበረ ቅርሕንቲ፡ ብውሑዱ ብሓደ ወገን፡ ጸግዑ ከም ዚሕዝ ተገይሩ ኣሎ።

ካብቲ ከሰሓሐብ ዝጸንሐ ጉዳያት፡ ሓደ ጉዳይ ዶብ'ዩ። ካልእ ምስቲ ናይ ዶብ ኲናት ኰነ ምስቲ ክሳብ ሕጂ ዚጸንሐ ኩነተ 'ኣይኲናት ኣይሰላም' ተተሓሒዞም ዚጸንሑ፡ ብቕልጡፍ ኪፍትሑ ዚግብኦም ጕዳያት ኣለዉ፦

•ልኡላውነትን መሬታዊ ምሉእነትን ናይ ክልቲአን ሃገራት ዘረጋግጽ ምምልካት ዶብ ኣብ ባይታ ብዚቐልጠፈ ኪረጋገጽ፤

•እቲ ነቲ ኣብቲ ዶባት ዚነብር ህዝቢ ከሳቒ ዚጸንሐ ሕቶታት፡ ጕዳያት ኰነ ሽግራት ቅልጡፍን ፍትሓውን ፍታሕ ኪግበረሉ፤

•ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ናይ ብሓቂ ነባሪ ሰላም ዘረጋግጽ ኣሰራርሓ ክመጽእ፤

•ክልቲአን ሃገራት ናብ ንቡር ዝምድና ጥራይ ዘይኮነ ናብ ጥቡቕ ፖለቲካውን ቍጠባውን ምትሕግጋዝ ኪሰግራ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዚ ዓይነት ዝምድና እንተድኣ ኣምጺአን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሕመረት ናይ ዞባዊ ቁጠባዊ ዉህድት ኪዀና፤ ኪኖ ዞባና'ውን፡ ብደረጃ ክፍለ ዓለምና ኣገዳሲ ምዕባለታት ከምጽእ ዝኽእል፡ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ኮይኑ ስለ ዝስመዓኒ፡ ኣብ ኣተገባብራኡ ዓቢ ልቦናን ፍሉይ ውሕልነትን ከም ዘድሊዮ ከተሓሳስብ እደሊ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ