ኤርትራዉያን ስለምንታይ ብቃላት መራሕቲ ይካትዑ'ለዉ?

መራሕቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዙርያ ክልትኣዊ ጉዳያት ስምምዕ ፈሪመን Image copyright YEMANE G/MESKEL/TWITTER

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኮነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ካልኦት መራሕትን፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታትን ኣኣብ ሃገሮምን ንዘሎ ርክባት ንምግላጽ ዝጥቀምሎም ዘለዉ ቃላትን ኣባሃህላታትን ንብዙሓት ኤርትራውያንን የካትዑ ኣለዉ።

ፓለቲከኛታት፡ ምሁራት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ዜጋታትን ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ሰላምን፡ መግለጺታትን ርእይቶታቶም ይህቡ'ለዉ።

"ኣይከሰርናን ኣይጠፍኣናን ንብረትናብምሉኡ መሊስና ኢና"

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንኣብነት ንዶር ኣቢይ ኣብ ዝገበረሉ ናይ ድራር እንግዶት፡"ኣይከሰርናን፡ ኣይጠፍኣናን፡ ንብረትና፡ ብምሉኡ መሊስና ኢና" ኢሉ።

ምናልባት ንሱ፡ ነቲ ኣብ ዶባዊ ኵናት ክልቲአን ሃገራት ዝጠፍአ ሂወትን፡ መጉዳእትን ዕንወትን፡ ከምኡ'ውን ነቲ ኣብተን ዝሓለፉ ዓመታት ዝተኸስረ ዕድላት በቲ ተሪኺቡ ዘሎ ሰላም ከምዝተደበሰ ንምግላጽ ዝበሎ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ይኹን እምበር ንብዙሓት፡ ኣብቲ ዶባዊ ኲናት፡ ደቆም፡ አሕዋቶም፡ መቕርቦም ዝኸፈሉ ስድራቤታት ኣጉህዩዎምን ኣተሓሳሲቡዎም ኣሎ።

ተስፋልደት ስብሃቱ፡ ካብ ስድርኡ ራብዓይ ርእሱ ንናጽነት ዝተቓለሰ ተጋዳላይ እዩ። ሓደ ሓው ኣብ ሜዳ ተሰዊኡ፡ ካብ ብሱል ጥረ ኮይኑ ዝኣተወ ምንኣሱ ሓዉ ከኣ ኣብዚ ሕጂ ዘዛርብ ዘሎ ናይ ዶብ ኲናት ተሰዊኡዎ።

ተስፋልደት እቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተጠቕመሉ ኣገላልጻ እናቖንዘዎ "እቲ ዝኸሰርናዮ ኣምሊስናዮ ኢና ማለት እንታይ ማለት እዩ? እቶም ዝኸፈልናዮም ልዕሊ 19 ሽሕ ሰማእታት ኩናት ዶባት እኮ ኣቕሓን ንብረትን ኣይኮኑን።

ክንደይ ፍቕሪ ወለዶም ዝጽበዩ ዕሸላት፡ ክንደይ ጠዋሪ ዘይብሎም ኣረጋውያን ወለዲ፡ ክንደይ ሓዳር ውጻእ መርዑ ገዲፎም እዮም ሓሊፎም" ብምባል እቲ ኣባሃህላ ከም ዘሕዘኖ ይገልጽ።

ካልኦት እውን፡ ኣባሃህላ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቶም ብቐጥታ በቲ ዶባዊ ኵናት ዝተተንከፉ ዜጋታት ኣብ ግምት ዘይእተወ ስምዒታዊ እዩ ክብሉ ይነቕፉዎ።

"ኣብ ኩናት ዶባት እቲ መንግስቲ ባዕሉ ብዝተኣመነሉ ጥራሕ 19 000 መንእሰያት ሞይቶም፡ ብዙሓት ሰንኪሎም፡ ብዙሕ ዕንወት እውን ወሪዱ፡ ብሰንኪ'ቲ ኩነታት ከኣ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ተሰዲዶም፡ ኣሽሓት እውን ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ኣብ ሰሃራን ባሕርን ሞይቶም ብሸፋቱ ተጨውዮም፡ ተሳቕዮም፡ ተገፊዖም፡ ተዋሪዶም፡ ብዙሓት እውን ኣይሲስ ተሰይፎም።

"ፕረዚደንት ምስ'ዚ ኩሉ ግፍዕን መከራን ሓላፍነት ዝጎደሎ ዘረባ ምዝራቡ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ንዕቀት ዘርኢ'ዩ" ክትብል ኪኢላ ኣፈታትሓ ግጭት ዝኾነት ሳባ ተስፋዮሃንስ ትገልጽ።

Image copyright FITSUM AREGA/TWITTER
ናይ ምስሊ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ተመሊሱ ይርከብ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ቅድሚ ህዝብን ሚድያን ከይተዳለወ ብዝሃቦ ስምዒታዊ ዘረባ፡ንኹሉ ነገር ብናቱ ውልቃዊ ድሌትን ኣተሓሳስባን ከም ዝገብሮ እዩ ዘርድእ ድማ ትብል።

"ሓወይ ኣብቲ ዶባዊ ኵናት ምስኣነይ፡ ናይ ኣምላኽ መደብ'ዩ ኢለ ተቐቢለዮ እየ፡ እንተዘይከውን ነይሩ እቲ ንሱ ዝበሎ ኣሽካዕላል፡ ኣጸቢቑ ምጎድኣኒ ነይሩ።

እቲ ካብ ኩሉ ዘጉህየኒ ግን፡ ኣሽሓት ሂወት ተኸፊሉስ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ወዲቑ ምህላዉ፡ ድርብ ጓሂ'ዩ" ይብል ሓደ ካብቶም ኣሕዋቶም ኣብቲ ዶባዊ ኩናት ዝሰኣኑ ኢያሱ ዓንደማርያም።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ካብቲ ብሰንኪ ዶባዊ ኲናት ዝተናወሓ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምህዳም ኣሽሓት ኤርትራውያን ንስደት ኣምሪሖም'ዮም

ኣቶ የማነ ገብረኣብ ምስ ቴለቭዥን ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ግን "ንሰላም ዝኽፈል ዋጋ ሓላል'ዩ ዋላ'ኳ ዘይድለ እንተኾነ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

እቲ ድሕሪ 20 ዓመት ንመጀመርታ ግዜ ምስ ኣቶ የማነ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ግን ነቲ ዝሓለፈ ክገልጾ እንከሎ "ተጋጊና ኢና ኣብ ዘይጠቅም ኣቲና ኢና፡ ድሕሪ ሕጂ ግን ለቢምና ንዝነበረና ዕድላት መሊስና ንቕድሚት ክንደፍእ ኣባና'ዩ ዝምርኮስ" ኢሉ።

"መደመር"

ካልእ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዘዘራርብ ዘሎ ጉዳይ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝደፍኣሉ ዘሎ "መደመር" (ምድማር) ዝብል ግኑን ሓሳብን (ፍልስፍና) ምስቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ሰላምን ምምሕያሽ ዝምድናን ንምግላጽ ዝወሃብ ዘሎ መግለጺታትን እዩ።

ገለ ኤርትራውያን እቲ ሓሳብ ምስቲ ናይ ቀደም ናይ "ኣንድነት" (ሕብረት) ድሌት ንምርግጋጽ ከይከውን ስክፍትኦም ዝይገልጹ ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ ምስ ኤርትራ "ንደመር" ዝብል ጻዊዒት ድሕሪ ምቕራቡ፡ መራሕቲ ኤርትራ ተመሳሳሊ ኣገላልጻታት ክጥቀሙ ተሰሚዖም'ዮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ "ድሕሪ ሕጂ እዞም ህዝብታት እዚኦም ክልተ'ዮም ኢሉ ዝሓስብ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ'ዩ" ክብል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዛሪቡ።

ቀጺሉ'ውን "ኩሉ ስልጣን ንዕኡ [ኣብይ] ሂበዮ ኣለኹ፡ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና" ኢሉ ሓላፍነት ከም ዝሃቦ ኣበ ከተማ ሃዋሳ ኣዊጁ።

ኣብ ኣሜሪካ ዝምቕማጦም ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤት ክርስትያ ኣቡነ መቀርዮስ ነዚ ኣባሃህላ'ዚ ብምቅዋ ኣብ ዩቱብ ኣብ ዝዘርግሕዎ መግለጺ ተቓውምኦም ብምግላጽ፡ ኣቶ ኢሳይያስ ብዘይ ናይ ባይቶን ህዝብን መዝነት ከምኡ ክብል ኣይግቦኦን'ዩ ክብሉ ነቒፎም።

Image copyright PEACE SONG
ናይ ምስሊ መግለጺ ስክፍታትን ክትዓትን ኣብ ጉዳይ "መደመር"

ከምኡ ማለቱ፡ "ንስኻ ኢኻ ነዚ ሓድሽ መንፈስ ኣቢጊስካዮ፡ ኣነ እውን ተቐቢለዮ እየ እሞ ምሳኻ ኣለኹ" ንምባል ዝተጠቕመሉ ከም ዝኾነን ካልእ ትርጉም ክወሃቦ ከምዘይብሉን ተንታኒ ፓለቲካ ኤርትራ ኣቶ ዳዊት መስፍን የረድእ።

እንተኾነ ሓደ ሓደ ኤርትራውያን እቲ ኣባሃህላታት ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ናይ ምሕባር ምልክታትን ስሚዒታትን እዩ ዘንጸባርቕ ክብሉ ስክፍተኦም ይገልጹ። እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት 'ዶብ ትርጉም የብሉን" ዝብል ዘረባታት ከም ካልእ ኣብነት ይጠቕስዎ። ምኽንያቱ ክልቲአን ሃገራት ብሰንኪ ዶብ'የን ኣብ ኣዝዩ ደማዊ ኩናት ኣትየን።

ስለዚ ሐጂ ስለምንታይ እዩ ዶብ ትርጉም ዘይህልዎ? ስለምንታይ ትማሊ ናብ ኩናት ክንኣቱ እንከሎና ትርጉም ነይሩዎ? እሞ እቲ ዶባትና ተወሪሩ ተባሂልና ዝኣተናዮ ኩናት ሓሶት እዩ ነይሩ?

ህዝቢ ኤርትራ እቲ ትማል 19 ሽሕ ስውኣትን ናይ 20 ዓመታት ዕድልን መጻእን ወለዶ ዝኸሰረሉ ኩናት፡ ክሳብ ኣቢይ ዝመጽእ ናይ ዶብ ኩናት ምዃኑ እዩ ዝሕበሮ ነይሩ።

ስለዚ ሕጂ እውን ሰላምን ምርግጋእን ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ እቲ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍለሉ ዶባት፡ ንውሕስነት መጻኢ ወለዶ ብሕጋዊ መገዲ ክድረትን መዓልቦ ክረክብን ኣለዎ፡ ይብሉ ንቢቢሲ ርእይተኦም ዝሃቡን፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ርእይቶኦም ዝገልጹ ዘለውን ኤርትራውያን።

ብኣንጻሩ፡ ነቲ ስክፍታ ዘነኣእስዎን፡ ናይ ዶብ ጉዳይ ቀስ ኢሉ ኣብ መስርሕ ዝግበር ነገር'ዩ ዝብሉ'ውን ኣይተሳእኑን።

ብዛዕባ እቲ ዶባት ትርጉም የብሉን ብፍቕሪ ተሳዒሩ እዩ፡ እንተተደሚርና ኢና ንዕወት፡ እንተተደሚርና ኢና ንረብሕ ዝብል ዘረባ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣንፈቱ እንታይ'ዩ? ዝብል ካልእ ስክፍታ ምስዓቡ ኣይተረፈን።

ነዚ ብዝምልከት፡ ሳባ ተስፋዮሃንስ፡ ክልቲኡ ህዝብታት ናብ ሓንቲ ሃገር ንምጽንባር ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ ምዃኑ'ያ ትገልጽ።

ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ መበገሲ ናይቲ ደማዊ ኲናትን ምርሕሓቕን ኮይኑ ዝጸንሐ ብይን ዶብ ኣብ ባይታ ምትግባሩ ሰላም ከውሕስ ይኽእል'ዩ ይብሉ ተዓዘብቲ

ምኽንያቱ "ህዝቢ እንተዘይደጊፍዎ ዝኾነ ነገር ክኸውን ኣይክእልን'ዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንናጽነቱ ከቢድ ዋጋ ስለዝኸፈለ ንዝኾነ ከምኡ ዓይነት ፕሮጀክት ኣይክድግፍን'ዩ" ትብል።

"ካልእ ዓይነት ምትሕብባር እንተኾይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ'ውን ኮንፈደረሽን ይበሃል ነይሩ'ዩ፡ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን"። ብምባል ድማ ርእይቶኣ ተራጉድ።

ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኣደራሽ ሚለንየም ንቀመር መደመር ክትንትን እንከሎ "ኣነን ኢሳይያስን እንተደሚርና ዓሰብ ንረክብ" ክብል እንከሎ ፕረዚደነት ኢሳይያስ ብኣድናቖት ከጣቕዓሉ እንከሉ ዝተዓዘቡ ኤርትራውያን፡ "ዓሰብሲ ትሽየጥ ደኣ ከይትህሉ" ክሳዕ ምባል ዝበጽሑ ኣይተሳእኑን። "ዘየሰክፍ ኣይኮነን" ከኣ ይብል ተስፋልደት ስብሃቱ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኬንያ ኣቶ በየነ ርእሶም፡ ኣብ ትዊተር "ፕረሲደንት ኢሳያስ እኮ ንስለ እዛ መዓልቲ እዚኣ ክብል'ዩ ካብ 1965 ኣትሒዙ ተቓሊሱ። ንሱ ዘሕለፎ ጸበባን ሽግርን ግን ውሑዳት ጥራሕ'ዮም ዝፈልጥዎን ዝርድእዎን። ክቡር መራሒ፡ እንቋዕ ሓጎሰካ፡ ነዚኣ ክትርኢ ኢኻ ትምነ ኔርካ ኮይና ድማ" ኢሉ።

ነዚ ኣተረጓጉማን ትንተናን ዘይቅበሉ ካልኦት ድማ፡ ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንላዕሊ ሃገራዊ ክትከውን ምፍታን "ካብ ጳጳስ ንላዕሊ ካቶሊኽ ከም ምዃን" ጌሮም ዝርእይዎ ኣለዉ።

ምስታ ቀዳመይቲ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ በዓልቲ ቤቱ ናብ ኣስመራ ዝተጓዕዘ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር እውን "ክልቲኦም ህዝብታት ሓደ ህዝቢ'ዮም፡ ኣብ ክልተ ሃገራት ይነብሩ። ኣብ መስርሕ ድማ እዚ'ውን እናፈረሰ ከም ዝኸይድ፡ ሕቶ የብሉን" ምባሉ እውን ካልእ ተወሳኺ ስክፍታ እዩ።

ተንታኒ ፖለቲካ ዳዊት መስፍን ግን "ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣቐዲሙ ከይተዳለወ ክምድር ስለዘይክእል ካብ ስምዒት ዝሞለቖ ዘረባ እምበር፡ ብልቡ ንክልቲአን ሃገራት ከም ሓደ ሓሲቡ ወይ ንኣብይ ኣሕመድ ስልጣን ክህብ ስለዝደለየ ኣይኦኮነን። ንሱ ንሳነ'ዩ ዝብል ዘሎ" ዝብል ትርጉም እዩ ዝህቦ።

Image copyright FITSUM AREGA/TWITTER
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ምስ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኣስመራ ድሕሪ ምርኻቡ ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ጌሩ ነይሩ።

ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ንኢሳይያስ ካብ ንእስነቱ ዝፈልጦ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ 2001 ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምንቃፍ ቅዋማዊ መንግስቲ ክትከልን ትካላዊ ኣሰራርሓ ክተኣታቶን ብቕሉዕ ደብዳበ ጻውዒት ዘቕረቡ ብጉጅለ-15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲን ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናይ ሓባር መንግስቲ ናይ ምምስራት ድሌት ከም ዝነበሮ ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ምስ ሬድዮ ኤስ ቢ ኤስ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ኢሳይያስ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ደርግ፡ ኢህወደግን ህዝባዊ ግንባርን ብምሽራኽ ናይ ሓባር መንግስቲ ክምስረት ድሌት ከም ዝነበሮን፡ ንፍሉያት መራሕቲ እቲ ግንባር ጸዊዑ ከም ዝሓበሮምን ተዛሪቡ።

ንሱ ጥራይ ከም ዝተቛወመ ዝገልጽ ገዲም ተጋዳላይ መስፍን፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ክትዕ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ ዘልብስ ሓበሬታ ምሃቡ ነቲ ስክፍታታትን ክትዓትን መሊሱ ንላዕሊ ክዓርግ ደሪኽዎ'ሎ።

ብተመሳሳሊ እቲ ኣብ ሓደ እዋን ንስርዓት ደርግ ወኪሉ ኣማሓዳሪ ኤርትራ ኮይኑ ዝነበረ ኢትዯጵያዊ ዳዊት ወልደግዮርጊስ ብወገኑ፡ "እቲ ኣብ [1988] ዝተገብረ ፈነተ ዕልዋ መንግስቲ ምስ ኤርትራውያን ተማኺርና ኢና ክንገብሮ ፈቲንና። ንሳቶም ነቲ ኲናት ደው ከብልዎን፡ ንዓኣቶም ዝደመረ መሰጋገሪ መንግስቲ ክንምስርት ኢና ኢልና"

"እቲ ዕልዋ መንግስቲ ሰሊጡና እንተዝኸውን፡ ብጽሑፍ ዝተሰማማዕናሉ፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርእራ ኣብቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣባል ክኸውን'ዩ ነይሩ" ይብል። ድሕሪኡ ኣብ ዝተገብረ ርክባት ግን፡ "ደጒዩ" ከም ዝበሎም ኣቶ ዳዊት ጠቒሱ።

እዚ ድማ ነቲ ክትዕ መሊሱ ከምዝጓሃሃርን ከምዝላባዕን ገይሩዎ ኣሎ።

ተጋዳላይ ተስፋልደት እውን "ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ዶባትና ከይወጽኡ፡ ብኮሚሽን ዶባት ዝተበየነ መሬትና ከየምለስና፡ ክበሃል ከምዘይጸንሐ፡ ሕጂ ንክሳራ 25 ዓመታት ኣምሊስናዮ ኢና ኢልካ ምጭራሕ ምስ ምንታይ ከም ዝጽብጸብ ክርድኣኒ ኣይከኣለን" ብምባል ኣብ "መደመር" ዘለዎ ስክፍታ ይገልጽ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዳግም ተኸፊቱ፡ ክልቲአን ሃገራት ድማ ዝውክልወን ኣምባሳደራት መዚዘን ኣለዋ

ኣብ ኩሎም እዞም ኣጋጣሚታት ግን፡ እቶም መራሕቲ፡ ህላወ ክልተ ሃገራት ዝገልጽ ቃላትን ሓረጋትን ከም ዝተጠቕሙ'ውን ክጥቀስ ዝግበኦ'ዩ።

ክልቲአን ሃገራት ብደረጃ ኤምባሲን ኣምባሳደራትን ርክበን ምሕዳሰን ንባዕሉ፡ ልዑላውነተን ዝሓለዋ ሃራት ምዃነን ዘርእይ እዩ።

"ናይ 27 ዓመት ዕድል ኣጥፊእና ኢና"

ካልእ ዘዘራርብ ዘሎ ጉዳይ እውን ናይ ጊዜ መዐቀኒ'ዩ። ኣብ መንጎ ክሊቲአን ሃገራት ዝተኸፍተ ኲናት ዝሓለፈ ግንቦት እዩ 20 ዓመቱ መሊኡ።

እቲ ኣብ 2002 ብኮሚሽን ዶባት ዝተዉሃበ ብይን ዶብ ድማ 16 ዓመታት እዩ ገይሩ ዘሎ። እንተኾነ ግና፡ መራሕቲ ኤርትራ፡ እቲ ክሳራ ኣቐዲሙ ከም ዝጀመረ'ዮም ክገልጹ ቀንዮም። እዚ ድማ ብዙሓት ይካትዕሉ ኣለው።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ንኽብሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘዳለዎ እንግዶት ድራር "ን25 ዓመታት ዝጠፍአ ግዜ፡ ዝተኸስረ ዕድል ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ክትልክዖ'ውን ዝከኣል ኣይኮነን" ክብል ተዛሪቡ።

ኣቐዲሙ'ውን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ፈላማይ ናይ ኣዲስ ኣበባ ጉዕዝኡ "ናይ 27 ዓመት ዕድል ኣጥፊእና ኢና" ኢሉ ነይሩ።

እዚ እንታይ ማለት ኮን ይኸውን? ገና ምላሽ ዝደሊ ሕቶ እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ