መዓል መዚ መንገድታት ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ዝወስዱ መንገድታት ኣፍሊጡ

መንገዲ ኣዲስ ኣበባ ኣስመራ ብኽፋል Image copyright De Agostini Picture Library
ናይ ምስሊ መግለጺ መንገዲ ኣዲስ ኣበባ ኣስመራ ብኽፋል

በዓል መዚ መንገዲታት ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ዝወስዱ መንገድታት ትማሊ ብወግዒ ኣፍሊጡ'ሎ።

ናይቲ በዓል መዚ ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ኣይተ ሳምሶን ወንድሙ ድሕሪ ሕዚ ንዝግበሩ ጉዕዞታት ኣርባዕተ ዓበይቲ መስመራት ከምዝተፈለዩ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ገሊኦም ሕዚ ብዝርከቡሉ ደረጃ ኣገልግሎት ክህቡ ከምዝኽእሉ ዝሓበረ ኣይተ ሳምሶን፡ ዝተረፈ ድማ ድሕሪ ፅገናን ዝግበረሎም ምርመራ ዓቕምን ናብ ኣገልግሎት ከምዝኣትዉ ገሊፁ።

ኣይተ ወንድሙ ካብ ኣዲስ ተበጊሱ ብዓዲ-ግራትን ዛላምበሳን ናብ ኣስመራ ዝኣቱ 933 ኪ.ሜ ኣስፋልት መንገዲ ንኣገልግሎት ድልዉ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሱ ብመቐለ፣ ዓድዋ፣ ራማ ናብ መረብ ዘብፅሕ 1005 ኪ.ሜ እውን ናይ ኣስፋልትን ፀፀርን መንገዲ'ዩ። ብፍላይ ካብ ዓድዋ ክሳብ መረብ ህንፀት እናተኻየደሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

"ዶብ ትርጉም የብሉን ዝብል ኣዘራርባ ንዓይ ቅቡል ኣይኮነን"

መጻኢ ብደሆታት መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን

"ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ'ዩ ዝብል ሓቂ ዘይፈልጥ'ዩ" ፕረዚደንት ኢሳይያስ

ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሱ ናብ ሑመራን ድልድል ተከዘን ኣቢሉ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ 991 ኪ.ሜ ንውሓት ዘለዎ መንገዲ፡ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ይርከብ። ይኹን ድኣ'ምበር ድልድል ተከዘ ን20 ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ስለዘይፀንሐ ምርመራ ድሕንነት ከምዝግበረሉ ኣረዲኡ።

መበገሲኡ ካብ ኣዲስ ኣባበ ዝገበረ ካልእ መስመር ብሞጆ፣ ኣዋሽ፣ ኣርባ፣ ዲችኤቶን ቡሬን ሓሊፉ ዓሰብ ዝወስድ 879 ኣስፋልት መንገዲ ዝበዝሕ ክፋሉ ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ተዛሪቡ። ካብ ደችኤቶ ክሳብ ቡሬ ዝግበር ጉዕዞ ብተቐያሪ መንገዲ ስለዝኾነ ብዝተወሰነ ደረጃ ፈታኒ ከምዝኸውን ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ሩባ መረብ ዘሎ ድልድል እውን ናይ ዓቕሚ ፈተሻ ክግበረሉ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

ነቶም መንገድታት ተጠቂምካ ዝግበር ጉዕዞ ዝጅመረሉ መዓልቲ ዝውሰን ብበዓል መዚ መንገድን መጓዓዝያን ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ተወሳኺ ዛንታ