ክሶም ተቛሪፁ ብምሕረት ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ውልቀ-ሰባት መሊሶም ይእሰሩ ኣለዉ ተባሂሉ

አቶ በየነ ሩዳ Image copyright Bilisuma Dhufera/Facebook
ናይ ምስሊ መግለጺ አቶ በየነ ሩዳ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣምቦ ተሰጒጎም

መንግስቲ ክሶም ክቋረፅ ስለዝገበረ ብምሕረት ካብ ዝወፁ እሱራት ገሊኦም መሊሶም ይእሰሩ ምህላዎም ቤተሰቦም ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

መምህር ዩኒቨርሲቲ ኣምቦ ዝነበረ ኣይተ በየነ ሩዳ ሓደ ካብኦም ኮይኑ ኣብ ከተማ ፍቼ ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኦም ተታሒዞም ተኣሲሩ ኣሎ።

በዓልቲ ገዝኡ ወይዘሮ እመቤት ሙላቱ "ብዙሓት ፖሊሳት ብመኪና መፂኦም ናብ ርእሱ ክላሽን ኣነፃፂሮም ሒዞምዎ ከይዶም" ክትብል ተዛሪባ።

ኣብቲ ጉዳይ ርኢቶኦም ንክህቡና ዝሓተትናዮም ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣይተ ብርሃኑ ፀጋዬ "ሕዚ እተትሓዙሉ ምኽንያት ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ዝተፈፀመ ገበን እምበር ቅድሚ ሕዚ ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምስ ዝወዓሉሉ ዝራኸብ ኣይኮነን" ኢሎም።

ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣምቦ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ዝተሰጎገ ኣይተ በየነ ጉዳዩ ብቤት ፍርዲ ተታሒዙ ይከራኸር ኣብ ዝነበረሉ 2008/2014 ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ።

ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ናይ ቤት ፍርዲ ጉዳዩ እናተኸታተለ ናይ ጉልበት ስራሕቲ እናሰርሐ ስድርኡ የመሓድር ከምዝነበረ በዓልቲ ገዝኡ ወይዘሮ እመቤት ገሊፃ።

ምስ በዓል በቀለ ገርባ ኣብ ተመሳሳሊ መዝገብ ክሲ ዝነበረ ኣይተ በየነ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ካብ ማእሰርቲ ከምዝተፈትሐ ኣዘኻኺራ።

ኣባል ዝኾነ ይኹን ሰልፊ ከምዘይኮነ'ውን ወሲካ ሓቢራ።

528 ኢትዮጵያውያን እሱራት ክፍትሑ እዮም

'ምፍታሕ ፖለቲከኛታት ጸቕጢ ናይ ደገ ሓይልታት የብሉን''

ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ኣብ ቀይዲ ውዒሎም

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ከተማ ኣምቦ ንዳግማይ ማእሰርቲ ዝተቓልዐት ኦብሴ ታዬ ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ'ያ ተፈቲሓ።

ሓዋ ኣይተ ኣርኣያ ታዬ "መሓዙታ ክትሓትት ናብ ኣምቦ ካብ እትኸይድ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ከምዝተኣሰረት ሰሚዕና" ክብል ሓቢሩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ኣብ ውሽጢ መንበሪ ገዛ ተኣሲራ ከም እትርከብ ወሲኹ ገሊፁ።

ካብ እትእሰር ክልተ ሰሙን'ኳ እንተሓለፋ፡ ክሳብ ሕዚ ቤት ፍርዲ ንምቕራባ "ንጠራጠር ኢና" ኢሉ። ክሳ እንታይ ምዃኑ ከምዘይተነገራ'ውን ሓቢሩ።

"መንግስቲ ብገበን ንዝጠርጠሮ ውልቀ-ሰብ ክኣስር ኣይክእልን ድዩ?" ዝበሉ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣይተ ብርሃኑ፤ ዝተጠርጠሩሉ ገበን ተፃርዩ ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝኸውን ኣፍሊጦም።

ተወሳኺ ዛንታ