ብክሊ ኣየር ኬንያ-ኣዲስ ኣበባ-መቐለ ኣቢሉ ኣስመራ ዝወድስ መስመር ኣየር

ቦይን 787 Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ በረራ ብኬንያ-ኣዲስ ኣበባ-መቐለ ኣቢሉ ኣስመራ ዝወድስ መስመር'ዩ

ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ድሕሪ ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ምርሕሓቕ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን መግለጺ ሰላምን ሓበራዊ ስምምዕን ዝሓዘ ሰነድ "ስምምዕ ኣስመራ" ፈሪመን'የን።

ኣብቲ ሰነድ ካብ ሞንጎ ዝሰፈሩ ስምምዓት ኣብ ዓንቀጽ ሰለስተ ዝተዘርዘረ "ምንቅስቓሳት ንግዲ፣ መጓዓዝያን ቴሌኮምዩኒኬሽንን ናብ ንቡር ምምላስ ከምኡ'ውን ዲፕሎማሲያዊ ርክባትን ንጥፈታትን ምሕዳስ" ዝብል ክፍሊ ይርከቦ።

ብመሰረት እዚ 465 ተጉዓዝቲ ዝሓዘ ቦይንግ 787 ድሪም ላይነር ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ከተማ ኣስመራ ፈላሞት ተጉዓዝቲ ብምሓዝ በሪሩ ኣሎ።

ኣብ ዉሽጢ ክልተ ዓሰርታት ዓመታት ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ሒዙ ክልል ኣየር ኤርትራ ዝሰገረ ፈላማይ ነፋሪ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተወከልቲ መንግስቲ፣ ሰብሃፍትን ንዓመታት ካብ ስድርኦም ተፈላልዮም ዝነበሩ ኤርትራዉያንን ከምዝሕዝ ሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢ ትማሊ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብዛ ነፋሪት ኣብ ዘለዉ ክፍሊታት ኢኮኖሚ፣ ቢዝነስን ቢስነስ ዴሉክስን ዝወሃብ ኣገልግሎት ንምጥቃም እቶም ተጉዓዝቲ ካብ 11 ሽሕ ክሳብ 30 ሽሕ ብር ከምዝኸፈሉ ሓበሬታ ድረ ገጽ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ የመልክት።

ቅድሚ ክልተ መዓልታት ድማ ሲቪል ኣቭየሽን ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ካብ ሞንጎ ዝወስዱ መስመራት ኣየር እቲ ሓደ ብጊዝያዉነት ከምዝኸፈተ ንማዕኸናት ዜና ዉሽጢ ዓዲ ሓቢሩ'ዩ።

እቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ በረራ ድማ UM308 ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ብኬንያ-ኣዲስ ኣበባ-መቐለ ኣቢሉ ኣስመራ ዝወድስ መስመር ኣየር'ዩ።

እዚ ስጉምቲ፡ ብምኽንያት ኵናት ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ተፈላልዮም ዝነበሩ ስድራ ቤታት፣ ሰብ ሓዳርን ኣዝማድን ክራኸቡ " ጥንኩር ድልድል" ከምዝኾነ ዝገለጸ ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማሪያም፡ እቲ መንገዲ ኣየር ህዝብታት ክልቲኤን ካብ ምርኻብ ብዝሰገረ ምስ መንገዲ ኣየር ኤርትራ'ዉን ብሓባር ንምስራሕ ድልየት ከምዘለዎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብ 1991 ዓመተ ፈረንጂ ተጣይሹ ኣብ 2003 በረራ ንግዲ ዝጀመረ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ኣብዚ እቶ ዝበሃል ዕዉት ታሪኽ የብሉን።

እቲ መንገዲ ኣየር ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ናብ ካርቱም፣ ጅጃ፣ ዱባይን ሚላንን ኣብ ሰሙን ካብ 3 ክሳብ 5 ግዜ በረራ ኣለዎ።

ካብ 2001 ጀሚሩ ናብ ሃገራት ሕብረት ኤዉሮጳ ከይበሩ ካብ ሞንጎ ዝተኣገዱ መንገዲታት ኣየር ሓደ'ዩ።