ኢትዮጵያ ከም ቀደማ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ከተዕቁቦም ምዃና ገሊጻ

ኣፈኛ ሚስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ኣለም መለስ
ናይ ምስሊ መግለጺ ናይ ስደተኛታት ፓሊሲ ኢትዮጵያ ኣይተለወጠን ይብል ኣፈኛ ሚስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ኣለም መለስ

ኢትዮጵያ ንዓለምለኻዊ ሕጊ ብምኽባር ንኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ቀደማ ከተዕቁቦም ምዃናን፡ ኣብ ናይ ስደተኛታት ዘለዋ ፓሊሲ ከም ዘይቀየረትን ኣፈኛ ሚኒሰትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣቶ መለስ ኣለም ገሊጹ።

ንሱ፡ እቲ ብማዕከናት ዜና ክቃላሕ ዝቐነየ፡ ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ "ጣዕሳ" ቅጥዒ መሊኦም ንሃገሮም ክምለሱ ኣዚዞም ዝብል ክናፈስ ዝቐነየ ወረ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ'ዩ ክብል ነጺግዎ።

ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዳግማይ ድሕሪ ምምሕያሹ፡ ውሕስነት ናይቶም ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ዝበጽሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ከይኣቱ ስክፍታት ክናፈስ ቀንዩ ነይሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ተዓቚቦም ከም ዘለዎ ይፍለጥ።

ብዙሓት መንእሰያት ካብቲ ገደብ ኣልቦ እናኾነ ዝመጸ ዕስክርና ንምህዳም ዝርከብዎም ምኽንያታት ዶብ ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣትዉ ጸብጻባት ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

እታ ብሰንኪ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ዘይተፈትሐ ናይ ዶብ ጉዳይ ንመንእሰያታ ኣብ ዝተናወሐ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣእትያቶም ዝጸንሐት ኤርትራ፡ ድሕሪ'ቲ ብፕረዚደንት ኢሰያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ዝተገብረ ስምምዕ ምኽታም ኩነተ-ኲናት፡ ፓሊሲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክትቅይር ወይ ናብ ንቡር ክትመልስ ትጽቢት ይግበር።

እቲ ዝግበር ለውጢ ነቶም ካልኦት ንዋሕዚ ስደተኛታት ምኽንያት ዝኾኑ ረቛሒታት'ውን ዘካተተ እንተኾይኑ፡ ስደት ደው ክብልን እዞም ስደተኛታት እዚኦም'ውን ናብ ዓዶም ዝምለስሉ ዕድል ክፍጠር ይኽእል ተባሂሉ ይእመን።