ዶናልድ ትራምፕ ኒኩለር ሰሜን ኮርያ ንምዕናው ገደብ ግዜ ከምዘይብሉ ገሊፆም

ዶናልድ ትራምፕ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ምስ ፒዮንግያንግ ዝግበር ዝርርብ ኣብ ፅቡቕ ሃዋህው ከምዘሎ፡ ዶናልድ ትራምፕ ገሊፆም

ፕረዚደንት ሃገረ ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኒኩለር ሰሜን ኮርያ ንምዕናው 'ገደብ ግዜ የብሉን'፡ ምህዋኽ እውን ኣየድልን ኢሎም።

ምውናን ኒኩየለር ሰሜን ኮርያ ንነዊሕ እዋን ምኽንያት ምውጣጥ ክልቲአን ሃገራት ኮይኑ ፀኒሑ'ዩ።

ዶናልድ ትራምፕ ድማ እታ ሃገር ዘለዋ ኣፅዋር ኒኩለር ንክተዕንው ብተደጋጋሚ ፅዕንቶ ክፈጥሩ፡ ካብዚ ሓሊፉ እውን ክልቲኦም መራሕቲ ብቃላት ክላተሙ ፀኒሖም እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ክልቲኦም መራሕቲ ንፈለማ እዋን ክራኸቡ ከለዉ፡ ኣፅዋር ኒኩለር ናይ ምዕናዉ ከይዲ ብቅልጡፍ ንክጅመር ምግላፆም ይዝከር።

ዶናልድ ትራምፕን ኪም ጆንግ ኡንን፡ ኣብ መሬት ሰሜን ኮርያ ዝርከብ ኒኩዩለር ክዓኑ ታሪኻዊ ስምምዕ ኣካይዶም ነይሮም።

ኣብቲ ስምምዕ ግና ኒኩዩለር ሰሜን ኮርያ ንምዕናው ገደብ ግዜ ኣይተቐመጠሉን።

ኣብ ዝሓለፈ 12 ሰነ ዶናልድ ትራምፕን ኪም ጆንግ ኡንን ካብ ዘካየድዎ ዘተ ንደሓር፡ ኒኩዩለር ናይ ምንካይ ምዕባለታት ከምዝነበሩ ይግለፅ።

ይኹን እምበር ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣሜሪካ እዚ ከይዲ ንክሳለጥ ተዳፍአኒ ኣላ፡ ድልየት ኣሜሪካ ዘጨንቕ እዩ ክትብል ኣፍሊጣ ነይራ።

ዶናልድ ትራምፕ ድማ፡ ምስ ፒዮንግያንግ ዝግበር ዘሎ ክልትኣዊ ዘተ ፅቡቕ ይኸይድ ከምዘሎ ገሊፆም።

"ዋላ ሓደ ገደብ ግዜ የብልናን፡ ዘህፅፅ ነገር የለን" ክብሉ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ተዛሪቦም።

"እንገብሮም ዝርርባት ፅቡቕ እዮም ዝኸዱ ዘለዉ" ኢሎም።

"ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዝተነበረ ማዕቐባት ከምዘሎ እዩ። ዝተዓገቱ ተፈቲሖም ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ዋላ ሓደ ፈተነን ምውንጫፍን ኣይነበረን። ሕዚ ዘሎ ርክብ ብጣዕሚ ፅቡቕ እዩ ዘሎ፡ ብኸመይ ከምዝቕፅል ድማ፡ ሓቢርና እንርእዮ፡ እዩ" ክብሉ ሓቢሮም።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ክልትኦም መራሕቲ ድሕሪ እቲ ዘካየድዎ ታሪኻዊ ዘተ፡ ምዕባለታት ይረኣዩ ከምዘለዉ፡ ፀብፃባት ይሕብሩ

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ ሰሙን ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝነበሮም ኣኼባ፡ ሰሜን ኮርያ ኒኩለር ምውናና፡ ከም ዓብይ ስግኣትን መዘራረብን ከምዝነበረ ሓቢሮም።

ዶናልድ ትራምፕን ኪም ጆንግ ኡንን ድሕሪ እቲ ዘካየድዎ ዘተ፡ ሰሜን ኮርያ ብዘይ ገለ ምድንጓይ፡ ካብ ኣፅዋር ኒኩዩለር ነፃ ክትኸውን ይግባእ ምባሎም ይዝከር።

ሕዚ ብኣንፃሩ ድማ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢንግሊዝ ኣብ ዝነበሮም ኣኼባ፡ "ምስ ሰሜን ኮርያ ዝግበር ዘተ፡ ካብ ካልኦት ብዝተፈለየ ነዊሕ ከይዲ ክወስድ ይኽእል እዩ" ኢሎም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝሓለፈ 12 ሰነ፡ ድሕሪ ዘካየድዎ ታሪኻዊ ዝርርብ፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፕዮ፡ ሰሜን ኮርያ ክሳብ መወዳእታ 2020 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዓብይ ምንካይ ኣፅዋር ክትገብር ከምዘተስፍዉ ገሊፆም ነይሮም።

ተወሳኺ ዛንታ