ንማንዴላ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዝሃቡ ኢትዮጵያዊ

ንማንዴላ ውትህድርና ዘምሃሩ ኢትዮጵያዊ Image copyright API

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ወርሒ ሓምለ 1962፡ ኮሎኔል ፍቓዱ ዋኪኔ፡ ንሓደ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመፀአ ውልቀ ሰብ፡ ወተሃደራዊ ስልጠና ይህቡ ኣለዉ።

ብዘይ ድምፂ ኣብ መስመር ፀላኢ ብሙስላኽ ነቷጊ ምቕባር ናይቲ ስልጠና ሓደ ኣካል እዩ።

እዚ ሰብ 'ኡምኮንቶ ዌ ሲዝዌ' ተባሂሉ ናይ ዝፅዋዕ ደባይ ተዋጋኢ፡ ላዕላዋይ ኣዛዚ እዩ።

እዚ ጉጅለ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከቡ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኣብ ዝህቡ ናቑጣታት፡ መጥቃዕቲ ነታጒ ፈፂሙ። ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ስርዓት ኣፓርታይድ፡ ነዚ ዝኣዘዘ ሰብ ክእልሽ ጀሚሩ።

ይኹን እምበር እዚ ተደላይ ውልቀ ሰብ፡ ሰብ እንከይሰምዐ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ። ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣፍሪቃ እናተዘዋወረ፡ ነዚ ጉጅለ ደባይ ተዋጋኢ ሓገዝ ንምርካብ ይረባረብ።

ኔልሰን ሮሊህላህላ ማንዴላ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተረኸበሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ወተሃደራዊ ስልጠና ንምርካብ እዩ።

ተዋዛዪ

«ማንዴ ኣዝዮም ጥንኩርን፡ ብዝኾነ ነገር ዘይሰዓሩ እዮም ነይሮም፤ ኣመራርሓ ኣጥቢቖም ይኽተሉ" ይብሉ ኮሎኔል ፍቓዱ።

"ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኣዝዮም ተፈታዊ ሰብ እዮም" ክብሉ ይገልፅዎም።

ኮሎኔል ፍቓዱ ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮልፌ ምስ ዝነበረ በታኒ ኣድማ ቦጦሎኒ እዮም ነይሮም።

"ሕጉስን ንምምሃር ድሉው ዝኾነ ሓደ ደቡብ ኣፍሪቃዊ እንትመፅእ እዝክር " ዝብሉ ኮሎኔል ፍቓዱ፡ ብጣዕሚትሑትን ትዕግስተኛን ከምዝነበሩ ይዝክሩ።

ኣብቲ እዋን ሓላፍነት ኮሎኔል ፍቓዱ፡ ንማንዴላ ነታጒ ምጽዋድ ከምኡ እውን ሃንደበታዊ ሓደጋ ምፍናውን ዝኣመሰሉ ስልጠናታት ምሃብ ነይሩ።

" ድልዱል ሰብነትነይርዎም፤ ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝኾነ ነገር እንትገብሩ'የ ዝዕዘብ። ነዚ ክርእይ ከለኸዑ ንኽጥንቀቑ እምዕዶም ነይረ፤ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ እእግዶም ነይረ" ይብሉ።

ኣዛዚ ኮሎኔል ፍቓዱ ዝነበሩ ጀነራል ታደሰ ብሩ፡ እዞም ኮሎኔል ንማንዴላ ንከሰልጥንዎም ኣዚዘሞም።

ብ1960 ኣብ ልዕሊ ሃፀይ ኃይለስላሴ ተሓሲቡ ዝነበረ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ሞንጎ ዘፍሸሉ ወተሃደራት ሓደ ዝኾኑ ጀነራል ታደሰ ብሩ፡ ድሕሪ ግዜ ብደርግ ከምዝተቐተሉ ይዝከር።

ነዚ ትእዛዝ ዝተቐበሉ ኮሎኔል ፍቓዱ ግና፡ ኣብ ፈለማ ብዛዕባ መንነት እዚ ዘሰልጥንዎ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሰብ ኣይተረድኦምን ነይሩ።

"ሓደ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመፅአ ጋሻ ከምዘሎን፡ ንዝተወሰነ ግዘ ምሳና ከምዝፀንሕን እየ ዝፈልጥ ነይረ። ኩሉ ነገር ምሽጥር እዩ ነይሩ፤ ማንም ንክፈልጦ ኣይተደለየን" ይብሉ ኮሎኔል።

ማንዴላ ናብ ኢትዮጵያ ንክኣትዉ ዘፍቀዱ ኣፍሪቃ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብቕልጡፍ ንክትናገፍ ድሌት ዝነበሮም፡ ሃፀይ ኃይለስላሴ እዮም።

ኣብቲ እዋን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ዝገነነ ወተሃደራዊ ሓይሊ ነይርዋ፤ ኣብቲ ዞባ ኲናት ክለዓል ከሎ ብቐዳምነት ሓይልታት ኢትዮጵያ እዮም ዘረጋግዕዎ።

እቶም ሃፀይ፡ "ናፅነቶም ንምርካብ ዝቃለሱ ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትና ናብ ኢትዮጵያ መፂኦም፡ ወተሃደራዊ ስልጠና ክወስዱ ይኽእሉ" ክብሉ ኣዊጆም።

መሳርሒ ኲናት ምዕጣቕ፣ ወተሃደራዊ ሳይንስን ኲናት ምምራሕን ዝኣመሰሉ ማንዴላ ንክወስድዎም ኣብ መዝገቦም ካብ ዝተኸተቡ ስልጠናታት እዮም።

ካብታ ከተማ ውፅእ ኢሎም፡ ንነዊሕ ሰዓታት ብእግሪ ምጓዓዝ ዝኣመሰሉ ከበድቲ ስልጠናታት ምውሳድ ስርሐይ ኢሎም ሒዘሞ።

ማንዴላ 'ሎንግ ዎክ ቱ ፍሪደም' ( 'ናብ ነፃነት ዝተገበረ ነዊሕ ጉዕዞ') ኢሎም ኣብ ዝሰየምዎ መፅሓፎም፡ " ነዊሕ መንገዲ ምጓዓዝ እፈቱ ነይረ፤ ኣቀማምጣ እዚ ገፀምድሪ አውን ዘስድምም ነይሩ። ሰባት ካብ ዕንፀይቲ ኣብ ዝተሰርሐ ኣጉዶ እንትነብሩ ኣንረኣኹ፣ ኣብ ቅልል ዝበለ እንዳ ምግቢ ዝተፀሞቐ መስተ እንትሰትዩ፤ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝፈልጦ ህይወት የዘክሩኒ" ብምባል ኣብ መፅሓፎም ከቲበሞ እዮም።

Image copyright Mayibuye archives
ናይ ምስሊ መግለጺ ማንዴላ ናብ ሃገሮም እንትምለሱ፡ ካብ ጀነራል። ታደሰ ብሩ ብርክት ዝበሉ፡ መሳርሒ ኲናት ተሸሊሞም እዮም።

ወግዒ ዘብዝሕ

ማንዴላ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ፃንሒት፡ ዋላ እኳ ብሕቡእ ንክተሓዝ እንተተደለየ፡ ካብ ዓይኒ ብዙሓት ግና ኣየምለጡን። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ካብ ሞንጎ እቶም ሐቢረሞም ዝስልጥኑ ተዓለምቲ ነዊሕን ገዚፍን ብምዃኖም ዝያዳ ኩሎም ኣብ ዓይኒ ሰባት ኣትዮም።

ከያኒ ተስፋየ ኣበበ (ፋዘር) ኣብቲ እዋን ኣብ ኮልፌ ባቲልዮን ሓላፊ ክፍሊ ሙዚቃን ተዋስኦን ሓላፊ እዮም ነይሮም።

"እዝክር፡ ኣብቲ ቀፅሪ ኣብ ዝነበረ ሰፊሕ ቦታ፡ ጎይዮም ኣይፀግቡን ነይሮን፣ ይዘሉ ሓፍ ኮፍ ይብሉ ነይሮም። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዋላ ንሓደ መዓልቲ እንከይሰርሑ ኣይውዕሉን" ብምባል ንማንዴላ ይዝክርዎም።

ሓደ መዓልቲ ማንዴላ ምስ ኣሰልጣኒኦም ብምዃን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ መሰልጠኒ ኣብ ዝርከብ ቤት-ብልዒ፡ እንትምገቡ፡ ምስ ኣይተ ተስፋየ ተራኺቦም።

"ብድሕንነት ስለዝሕለዉ፡ ምስኦም ተራኺብካ ምዕላል ኣይሕሰብን ነይሩ" ይብሉ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ዊኒ ማዲኪዜላ ማንዴላ መን ነይረን?

ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ግን ከውግዕሉ ዝኽእልሉ ዕድል ዝረኸቡ ፋዘር፡ ምስ ማንዴላ ምዕላል ጀሚሮም፤ ብዛዕባ ኣፓርታይድ ድማ ኣውጊዐሞም።

"ብጣዕሚ ንሰባት ምቕራብ ዝፈትዉን፡ ወግዒ ዘብዝሑን እዮም" ብምባል ይገልፅዎም።

ድሕሪ እዚ፡ ናይ ፋዘር ናይ ሙዚቃ ጉጅለ፡ ምርኢት እንተቕርብ፡ ማንዴላ ኣብቲ ምርኢት ክርከቡ ጀሚሮም።

"ነዚ ምርኢት ኣዝዮም እዮም ዝፈትውዎ፡ ንዕኦም ክንደርፈሎም እንከለና ድማ ይሕጎሱ ነይሮም" ይብሉ።

ዋላ እኳ ማንዴላ ንሽድሽተ ወርሒ ኣብ ኢትየጵያ ንክፀንሑ ተሓሲቡ እንተነበረ፡ ውድቦም ኤኤንሲ ድሕሪ ክለተ ሰሙናት ንክምለሱ ወሲኑ።

ማንዴላ ናብ ሃገሮም እንትምለሱ ግና ጥራሕ ኢዶም ኣይነበሩን፡ ካብ ጀነራል ታደሰ ብሩ፡ ብርክት ዝበለ ኣጽዋር ተዋሂቦም እምበር።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 5 ነሓሰ 1962 ድማ፡ ማንዴላ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ሃገር ብምውፃእ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ተዳጒኖም።

ማንዴላ ካብ ሃገሮም ወፅዮም ሽድሽተ ወርሒ ምስ ፀንሑ እዮም፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተመሊሶም፤ ካብዚ እቲ ክልተ ሰሙን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኮልፌ እዮም ፀኒሖም።