መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ማይስርዋ ተታሒዞም ዝጸንሑ 35 ናይ ሃይማኖት እሱራት ፈቲሑ

ኤርትራዉያን ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ Image copyright Anadolu Agency

መንግስቲ ኤርትራ 14 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከብኦም 35 እሱራት ተኸተልቲ እምነት ጴንጠቆስታል ቤተክርስትያን ፈቲሑ።

እቶም 30 ካብቶም ብሰንኪ እምነቶም ንነዊሕ ዓመታት ተኣሲሮም ዝጸንሑ ተኸተልቲ እምነት ጰንጠቆስታል፡ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ከምዝተፈትሑ፤ ምስቶም ዝተፈትሑ ቅርበት ዘለዎም እሙናት ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቶም ዝተረፉ'ውን ትማሊ ናይ ምሸት ተፈቲሐም ናብ ኣባይቶም ከም ዝኸዱ'ውን ገለ ስድራቤት ናይቶም እሱራት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

"ምንኣሰይ ሓወይ ትማሊ ካብ ማይ ስርዋ ወጺኡ፡ ወዲእኩም ኣለኹም ኢሎም ከም ዘፋነውዎ ነገሩኒ፡ ብጣዕሚ መጠን ዘይብሉ ሓጎስ ተሓጒሰ" ክብል ሓዉ ንሓደ ካብቶም ዝተፈትሑ ዝኾነ ዳኒኤል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ንሱ ሓዉ፡ ን1 ዓመትን 8 ወርሕን ብሰንኪ እምነቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝጸንሐን፡ ቤተሰቦም ኣብ ዓቢ ሻቕሎት ከም ዝጸንሑ ሓቢሩ።

ሓደ ካብቶም እሱራት ን8 ዓመት ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐ ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ዝተረፉ ካብ 1 ክሳብ 4 ዓመት ተቐይዶም ከም ዝጸንሑ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

ነዚ ንምርግጋጽ ንመንግስቲ ኤርትራ ተወኪስናዮ ኔርና፡ እንተኾነ ግን መልሲ ኣይረኸብናን።

Image copyright Veronique DURRUTY

እዞም ሎሚ ነናብ ኣባይቶምን ቤተሶቦምን ዝተፋነዉ 30 እሱራት ነበር ኣብ ማይ ስርዋ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ  ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኪወጹ ተዳሊዮም ከምዝጸንሑ ኦርኒካት መሊኦም ፈሪሞም ከምዝወጹ እቶም ምንጭታት ገሊጾም።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ከም ዝፍትሑ ሓለፍቲ ቤት ማእሰርቲ ቃል ኣትዮምሎም ከም ዝነበረ'ውን እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ምንጭታት፡ ምፍታሕ ናይዞም እሱራት ምስቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ሰላም ሃዋሁ ምትእሳሳር ከም ዘይብሉን ኣብቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝኣተወሉ ቅንያት ዝተኣስሩ ከም ዘለዉ'ውን ሓቢሮም።

ብምኽንያት ዝተፈረመ ዕርቂ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዙሓት ወገናት ቀጥታዉ ምፍታሕ ናይ ፖሊቲካን እምነትን እሱራትን  ክጽበዩ ከምዝጸንሑ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ ሚዲያታትውን ዘይተረጋገጸ ተፈቲሖም ዝብል ዘይተረጋገጸ ዜናታት ኪጋዋሕ ቀንዩዩ።

መንግስቲ ኣብ 2002 ጴንጠቆስታል ኣብያተ-ክርስትያናት ከም ዝዓጸወ ይዝከር።

ኣብ ኤርትራ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናይ ሕልና እሱራት ከም ዘለዉ ጸብጻባት ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላት ይሕብሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ